ቅልውላው ኢትዮጵያ፡ ሓድሽ ዝተመስረተ ናይ ተቓወምቲ ኪዳንን ርእይቶ መንግስትን

ሓድሽ ዝተመስረተ ናይ ተቓወምቲ ኪዳን

ምንጪ ስእሊ, Oda Tarbi/FB

ኪዳን ሓይልታት ፌደራሊስትን ኮንፌደራሊስትን ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ንምትካእ 9 ጉጅለታት ዝሓዘ ግንባር ኣብ ዋሽንግተን ከምዝመስረተ ኣፍሊጡ’ዩ።

ሚኒስትር ደኤታ ኣገልጉሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ ከበደ ዴሲሳ፡ “እቲ ኪዳን እዚ ዝበሃል ናይ ፖለቲካ ዕላማ ዘይብሉ” ክብል ኣናኣኢስዎ።

ኣባላት ኪዳን ሓይልታት ፌደራሊስትን ኮንፌደራሊስትን ኢትዮጵያ ኮይኖም ካብ ዝፈረሙ ውድባት፡ ህወሓት፣ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ፣ ግንባር ናጽነት ብሄረ ሲዳማ፣ ዴምክርስያዊ ምንቅስቓስ ኣገውን ይርከብዎም።

ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ኪዳን ኣብ ኢትዮጵያ መሰጋገሪ መንግስቲ ምምስራት ከምዝኾነ ወሃቢ ቃል ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ኦዳ ታርቢ ንቢቢሲ ገሊጹ።

እቲ ኪዳን ትማሊ ኣብ ዋሽንግተን ናይ ፊርማ ስነ ስርዓት ኣብ ዘካየደሉ እዋን፡ ንህወሓት ወኪሉ ዝተሳተፈ ኣምባሳደር ብርሃነ ገብረክርስቶስ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ሓደን ብዘተ እንተዘይኮይኑ ግን ብሓይሊ ዓሊኻ መሰጋገሪ መንግስቲ ናይ ምምስራት ዕላማ ከምዘለዎም ተዛሪቡ።

ሚኒስትር ደኤታ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ ከበደ ዴሲሳ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት እቲ ዝተመስረተ ሓድሽ ኪዳን “ልሙስ ፖለቲካዊ ምትእኽኻብ” ኢልዎ። ብምስረታ እቲ ኪዳን ከምዘይተገረመ ዝገለጸ እቲ ሚኒስተር ዲኤታ ፡ ኣብ ኢትዮጵያ እዚ ዝበሃል ፖለቲካዊ ደገፍ ከምዘይብሉ ሓቢሩ።

ሚኒስትር ዲኤታ ከበደ ኣስዒቡ “እዞም ጉጅለታት ዋላ ሓንቲ ማሕበራዊ መሰረት ዘይብሎም፤ ብዘይ ለውጢ ን40 ዓመታት ተሸኺሎም ዝተረፉ’ዮም” ኢሉ።

“ኣብታ ሃገር ፖለቲካዊ ምርግጋእ ኣብ ዘድልየሉ ግዜ ኣብ ወጻእ ሃገራት ዝቕመጡ ኢትዮጵያውያን መንግስቲ ደኺሙ’ዩ ክጸንሕ ኣይኽእልን ኢሎም እንክሓስቡ ተኣኻኺቦም ኪዳን ይፈጥሩ” ክብል እቲ ነገር ልሙድ ከምዝኾነ ተዛሪቡ።

መግለጺ ቪድዮ, ሕጽረት ጸዓት ዘጋደድ ዘሎ ምኽንያት እንታይ’ዩ?

ነቲ ኪዳን ዝመስረቱ ኣባላት እቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ኵናት ኣብ ዝጋደደሉ ዘሎ እዋን ኮይኑ ኣብ ኢትዮጵያ ክጣየሽ ንዝሓስብዎ ዘለዉ መሰጋገሪ መንግስቲ እምነ ኩርናዕ ከምዝኾነ’ዮም ዝገልጹ።

እቲ ኪዳን 9 ውድባት ዝሓዘ ኮይኑ ትግራይ፣ ኦሮሞ፣ ጋምቤላ፣ ጉሙዝ፣ ዓፋር፣ ሶማሊ፣ ቅማንት፣ ኣገውን ሲዳማን ከምዝውክል ተፈሊጡ’ሎ። ምስ ግዜ ካልኦት ውድባት ንምሕቛፍ ዘኽእል ዘተታት ይካየድ ከምዘሎ ይግለጽ።

እቲ ኪዳን ፌደራሊስትን ኮንፌደራሊስትን ዝኾኑ ሓይልታት ዝሓቖፈ ኮይኑ በቲ ኣብ ስራሕ ዘሎ ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተጠቒሞም ስርዓት ፌደራሊዝም ንምቕጻል ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

“ኣብ ዝተናውሐ ግዜ ድማ ናብቲ ኩላትና እንሓስቦ ስርዓት ኮንፌደራሊዝም ንምስግጋር ኢና ተሰማሚዕና” ኢሎም።

ሓይልታት ትግራይን ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን ሓቢሮም ንኽሰርሑ ከምዝተሰማምዑ ዝፍለጥ ኮይኑ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ግን ንህወሓትን ሸኔን ‘ራዕዳውያን’ ጉጅለታት ከምዝኾኑ’ዩ ሰይምዎም።

መግለጺ ቪድዮ, እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኵናት ናበይ ገጹ'ዩ ዘምርሕ ዘሎ?