ቅልውላው ትግራይ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣንፃር ሓይልታት ትግራይ ምውጋእ ክቕፅል’የ ኢሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ኢትዮጵያ ተኵሲ ደው ክብል ማሕበረሰብ ዓለምን መንግስታትን ዘቕርቡዎ ፃውዒት ኣብ ዝሓየለሉ እዋን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣንፃር ሓይልታት ትግራይ ምውጋእ ከም ዝቕፅል ኣፍሊጡ።
እቲ ብመገዲ ማሕበራዊ ሚድያ ዝወጽአ መግለፂ መንግስቲ እታ ሃገር፡ “ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ህላወ ኵናት’ያ ክትቃለስ ፀኒሓ። ብናይ ወፃኢ ፕሮፓጋንዳ ድማ ኣይትስኮንን" ይብል።
ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ መንግስቲ ኣሜሪካ ጄፍሪ ፌልትማን፡ እቲ ሓደ ዓመት ዘቑፀረ ኵናት ሰላማዊ ፍታሕ ንክናደየሉ ኣብ ኣዲስኣበባ ምብፃሕ የካይድ ምህላዉ ይፍለጥ።
መራሕቲ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ኣመሪካን ኣውሮጳዎ ሕብረትን ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ደው ክብልን ተሳተፍቲ እቲ ኲናት ነቲ ጎንጺ ብዘተ ክፈትሕዎን ሓቲቶም፡፡
ፕረዚደንት ዩጋንዳ ዩወሪ ሙሰቨኒ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ንምዝርራብ ንመራሕቲ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣኼባ ጸዊዑ ኣሎ፡፡
ኣብቲ ብኣቆጻጽራ ኣውሮጳ 16 ሕዳር 2021 ክካየድ ሙሰቬኒ ጸዊዕዎ ዘሎ ኣኼባ፡ ተወከልቲ ሃገራት ኬንያ፣ ሩዋንዳ፣ ደቡብ ሱዳንን ታንዛንያን ክርከቡ ትጽቢት ይግበር፡፡
ኣብዚ ሕጂ እዋን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ጫፍ ዓወት ከም ዝርከብ'ኳ እንተገለፀ፡ ሓይልታት ትግራይ ግና ንቁልፊ ከተማታት ክልል ኣምሓራ ብምቁፅፃር፡ ኣብዚ እዋን ናብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ኣዲስ ኣበባ ይግስግሱ ኣለዉ ተባሂሉ ይግለጽ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሰሙን ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ክእውጅ እንከሎ፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ’ውን፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ‘ዝኾነ ዓይነት ዕጥቅን ዓቕምን’ ሒዙ ክቃለስ ጸዊዑ።
ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ፌስቡክ፡ ነቲ 'ጎነጽ ዘለዓዕል' ዝበሎ ብቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ዝተጠቀዐ ጽሑፍ ኣልዩ እዩ።
ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሕዳር ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኵናት ትግራይ ሓደ ዓመት ኣቑጺሩ ኣሎ፤ ኣብዚ እዋን ትግራይ ኣብ ኩለ መዳያዊ ዕፅዋ ትርከብ።
ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ብሰንኪ እቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተነበረ ዕፅዋ ሰብኣዊ ረድኤት ከብፅሑ ከም ዘይከኣሉ ብተደጋጋሚ ክገልፁ ፀኒሖም እዮም።
ብሰንኪ እቲ ኵናት ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት ተቐቲሎም፤ ልዕሊ ክልተ ሚልየን ህዝቢ ካብ መረበቱ ተመዛቢሉ'ዩ።
ብተወሳኺ ልዕሊ 60 ሽሕ ሰባት ህይወቶም ንምድሓን ናብ ጎረቤት ሃገር ሱዳን ተሰዲዶም።
ኩሎም ኣብቲ ኲናት ዝተሳተፉ ኣካላት ከበድቲ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ዝምንታን ከም ዝፈጸሙ ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







