ቅልውላው ኢትዮጵያ፡ ካብ ኲናት ሃዲሞም ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝተጉዓዙ ሰባት ካብ ሸኖ ከይሓልፉ ተኸልኪሎም

ካርታ

ብሰንኪ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክኣትው ዝፈተኑ ሰባት ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣብ እትርከብ ከተማ ሸኖ ምሕላፍ ከም ዝተኸልኡ ተመዛበልትን ኣመሓደርቲ እቲ ከባብን ገሊጾም።

እዞም ካብ ከተማታት ደቡብ ወሎ ተመዛቢሎም ናብ ኣዲስ ኣበባ ክኣትው ጻዕሪ ዝገበሩ ሰባት መለለዪ መንነቶም [ታሴራ] ተራእዩ ናብ ዝመጽእሉ ከባቢ ክምለሱ ከም ዝተገብረ ተዛሪቦም።

ኣመሓዳሪ ወረዳ ቂምቢቢ ኣቶ ሞገስ ነጋሽ ካብ መወዳእታ እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ብዙሓት ሲቪላትን ኣባላት ሰራዊት ምክልኻልን ካብቶም ኲናት ዝካየደሎም ዘለው ቦታታት ብምውጻእ በታ ወረዳ ኣቢሎም ንምሕላፍ ጻዕሪ ክገብሩ ምጽንሖም ገሊጹ።

እንተኾነ መብዛሕትኦም ናብ ዝመጽእሉ ከባቢ ክምለሱ ከም ዝተገብረ ኣረጋጊጹ።

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ርከባት ክልል ኦሮሚያ ሃይሉ ኣዱኛ ብወገኑ እቶም ተመዛበልቲ ካብ ከተማ ሸኖ ከይሓልፉን ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይኣትውን ከም ዝተገብረ ሓቢሩ።

ወረዳ ቂምቢቢ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ዞባ ሰሜን ሸዋ እትርከብ ኮይና ምስ ዞባ ሰሜን ሸዋ ክልል ኣምሓራ ትዋሰን። ሸኖ ድማ ዋና ከተማ እታ ወረዳ እያ።

'መለለዪ መንነት ኣዲስ ኣበባ ዘለዎ ጥራይ'ዩ ዝሓልፍ'

ንድሕነቱ ብዝብል ሽሙ ዘይንረቑሖ ነባሪ ኮምቦልቻ ዝኾነ ውልቀሰብ ኣብ ዝሓለፈ ቐዳም ካብታ ከተማ ወጺኡ ብሰንበት ሸኖ ከም ዝኣተወ ይዛረብ።

"ኣብ ሸኖ ዝነበሩ ፖሊስ ትራፊክ፣ ፖሊስን ፍሉይ ሓይልን ናይ ኩላትና መለለዪ መንነት እናርኣዩ 'ናይ ወሎ ዝኾንኩም ናብ ዝመጻእኹምሉ ተመለሱ፤ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣይትኣትውን' ኢሎምና" ይብል።

እዚ ውልቀሰብ ብሸኖ ኣቢሉ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክኣቱ ብዘይምኽኣሉ ብምንጃር ሽንኮራ ንምእታው ዝገበሮ ጻዕሪ'ውን ከም ዘይሰመረሉ ይዛረብ።

"70 ወይ 80 ዝኾና መካይን ናብ ደብረብርሃን ተመሊሰን። ሕጂ ኣብ ደብረብርሃን ኣለና" ኢሉ።

ካልእ ነባሪ ከተማ ደሴ ዝኾነ ውልቀሰብ'ውን ንከተማ ሸኖ ሓሊፉ ኣብ ለገጣፎ ምስ በጽሐ ብሓይልታት ጸጥታ ከም ዝተመልሰ ገሊጹ።

"ከም ሓደ ኢትዮጵያዊ እቲ ዘሎ ጸገም ንምሕላፍ ናብ ዝኾነ ክንኸይድ ንኽእል ኢና ኢልና ንኣምን። ግን ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ዘይኾንኩም 'ተመለሱ' ኢሎምና። ደብረብርሃን ኣለኹ" ኢሉ።

ኣመሓዳሪ ወረዳ ቂም ኣቶ ሞገስ ነጋሽ፡ ካብቲ ጎንጺ ዝሃድሙ ዘለው ሰባት ወተሃደራት'ውን ከም ዝርከቡዎም ይገልጽ።

ወተሃደራት ዝኾኑ ዕጥቀም ብሰራዊት ምክልኻል ክፈትሑ ብምግባር ሕክምና ዘድልዮም ናብ ሕክምና ክኸዱ፤ እቶም ዝተረፉ ድማ ናብ ክልል ኣምሓራ ክምለሱ ከም ዝተገብረ ኣረዲኡ።

ሲቪላት ዝምልከት ድማ " ልዑል ቑጽሪ ዘለዎም ሰባት'ዮም መጺኦም። ሓሙሽተ ኣባላት ዘለዉዋ ስድራቤት ተመዛቢላ መጺኣ ኣላ። ካብቲ ከባቢ ዝመጽኣ ተሽከርከርቲ'ውን ብዙሓት'የን" ኢሉ።

ኣብቲ ከባቢ ጽኑዕ ተፍትሽ ምህላው ዝጠቅስ እቲ ኣመሓዳሩ "ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝሓልፍ መለለዪ መንነት እታ ከተማ ዘለዎ ጥራይ'ዩ። ካብዚ ወጻእ ኹሉ ናብ ዝመጽአሉ ክምለስ'ዩ" ኢሉ።

እቶም ብምኽንያት እቲ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ዝተመዛበሉ ሰባት ብምትሕብባር ሓይልታት ጸጥታ ኦሮሚያን ፌደራልን ክምለሱ ከም ዝተገብረ እቲ ኣመሓዳሪ ሓቢሩ።

ሓላፊ ቢሮ ኮምዩኒኬሽን ክልል ኦሮሚያ ሃይሉ ኣዱኛ እቶም ተመዛበልቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክኣትው እንተኾይኖም ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ምዃኖም እንተተረጋጊጹን ኣድላዪ ፍቓድ ንግዲ እንተሃልዩዎምን እዩ ኢሉ።

"ተመዛበልቲ መሲሎም ክሓልፉ ዝጽዕሩ ኣለው። . . . ዘጠራጥሩ ናይ ድሕነት ጉዳያት እንተርኢና ናብ ዝመጽኡሉ ክንመልሶም ኢና" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።