ቅልውላው ኢትዮጵያ፡ ወተሃደራት ነበር ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ንኽዋግኡ መንግስቲ ጻውዒት ኣቕሪብሎም

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ወተሃደራት እታ ሃገር ነበር፡ ገስጋስ ሓይልታት ትግራይ ንምግታእ ኣብ ዝግበር ኵናት ንኽዋግኡ ጸዊዑ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ጻዊዒት ዘቕረበ ሓይልታት ትግራይ ናብ ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ይግስግሱ ስለዘለዉ’ዩ ተባሂሉ። \
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ ጸጥታዊ ኩነታት እታ ሃገር ይጋደድ ስለዘሎ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኩሎም ዜጋታት ኣመሪካ ብቕልጡፍ ካብታ ሃገር ንኽወጽኡ ኣጠንቂቑ’ሎ።
ትማሊ ዓርቢ ከኣ 9 ናይ ፖለቲካ ጉጅለታት ኣንጻር ምምሕዳር ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ሓደ ግንባር ንክቃለሱ ኣብ ዋሽንግተን ክታሞም ኣንቢሮም።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን እቲ ኵናት ከምዝቕጽል’ዩ ዝገልጽ ዘሎ።
ብሰንኪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኵናት፡ ኣብተን ዓውዲ ናይ ኵናት ኮይነን ዘለዋ ክልላት ትግራይ፡ ዓፋርን ኣምሓራን ብሓፈሻ ልዕሊ ሸውዓት ሚልዮን ሰባት ተጸበይቲ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዛት ኮይኖም ከምዘለዉን ካብኦም እቶም ሓሙሽተ ሚልዮን ካብ ክልል ትግራይ እዮም።
ብዘይካ እዚ ኣብ ክልል ትግራይ 400 ሽሕ ከቢድ ሓደጋ ዓጸቦ ኣንጸላልይዎም ከምዘሎ ጸብጻባት ትካላት ውሃብቲ ረድኤት ይሕብሩ።
ኣብዚ ሰሙን ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣዋጅ ህጹጽ ሓደጋ ብምእዋጅ ዜጋታት ኣብ ኢዶም ዝርከብ መሳርሒ ኵናት ኣብ ቀረብኦም ናብ ዝርከብ መንግስታዊ ቤት ጽሕፈት ኣመዝጊቦም ከባቢኦም ክሕልዉ ከምዘለዎም ኣጠንቂቖም።
ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብግዲኡ እቲ ኵናት ደው ክብልን ብኣፍሪቃዊ ሕብረት ንዝግበር ናይ ምሽምጋል ስራሕቲ ከምዝድግፍ ኣፍሊጡ።
ሃገራት ኣመሪካን ዓባይ ብሪጣንያን እቲ ኵናት ኣብቂዑ ኣብቲ ኵናት ዝሳተፉ ዘለዉ ኣካላት ሰላም ከውርዱ ከምዘለዎም ተደጋጋሚ ጻዊዒት ኣቕሪቦም።
ኣብቲ ትማሊ ዓርቢ ኣብ ዋሽንግቶን ዝተመስረተ ሓድሽ ግንባር ህወሓትን ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን ይርከብዎ።
ኣብቲ መድረኽ ንትግራይ ወኪሉ ዝቐረበን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኣመሪካ ነበር ብርሃነ ገብረክርስቶስ ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ግንባር ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ እንተስ ብስምምዕ እንተስ ብሓይሊ ኣሊኻ ግዝያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ምጥያሽ ከምዝኾነ ገሊጹ።
“እቲ ብመሪሕነት ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጠረ ሕማቕ ኩነታት ንኸብቅዕ ኢና ጻዕሪ ንገብር ዘለና” ዝበለ ኣምባሳደር ብርሃነ ገብረክርስቶስ “ግዜ የብሉን ይኸዶ’ሎ” ኢሉ።
ሓይልታት ትግራይን ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን ኣብዚ ሰሙን ብሓባር ኮይኖም ብዘካየድዎ ኵናት ካብ ኣዲስ ኣበባ 325 ኪሎ ሜተር ሪሒቓ ንእትርከብ ከተማ ከምሴ ከምዝተቖጻጸሩ ምግላጾም ዝዝከር እዩ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







