ቅልውላው ትግራይ፡ ጸብጻብ ኣምነስቲ ኣብ ግጉይ ገምጋም ዝተመስረተ'ዩ- መንግስቲ ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, Amnesty International
ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ኣብ ትግራይ ንኣዋርሕ ኣብ ዝተኻየደ ኵናት ንዘጋጠመ ጾታዊ ዓመጽ መጽናዕቲ ብምክያድ ናብ ህዝቢ ድሕሪ ምቕራቡ፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ እቲ ሪፖርት ኣብ ግጉይ መጽናዕታዊ ጥበብ ዝተመስረተ እዩ ክብል ነቒፉዎ።
እቲ ጸብጻብ፡ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ሱዳን ብዝተኻየደ ቃለ መሕትትን ኣብ ትግራይን ንዝርከባ ግዳያትን ብሰራሕተኛታት ኣምነስቲ ካብ ርሕቀት ብዝገበሩዎ ቃለ መሕትት ዝተኣከበ ኣብ ግጉይ ኣገባብ መጽናዕቲ ዝተመስረተ ብምባል ኣብቲ ጸብጻብ ሕቶ ኣልዒሉ።
እቲ ኣምነስቲ ዘውጽኦ 39 ገጻት ዘለዎ ጸብጻብ ጾታዊ ዓመጽ፡ ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምኡ እውን ሚሊሻን ፍሉይ ሓይልን ኣምሓራ ትሕቲ ዕድመን ነፍሰ ጾር ኣዴታትን ዝርከብአን ደቂ ኣንስትዮ ብምዕማጽን ብምጭዋይን ገላዩ ጾታዊ ርክብ ከም ዝገበሩወን ኣስፊሩ ኣሎ።
ኣምነስቲ ካብ ለካቲት ክሳብ ሚያዝያ ኣብ ዝነበረ ኣዋርሕ፡ ኣብቲ ኵናት 1288 ግዳያት ጾታዊ ዓመጽን ግህሰትን ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ናብ ትካላት ሕክምና ብምኻድ ሪፖርት ከም ዝገበራ ካብ ዝተፈላለዩ ትካላት ጥዕና ሓበሬታ ከም ዝረኸበ ጸብጺቡ ኣሎ።
ኣብቲ መጽናዕቲ ቃለ መሕትት ዝተገብረለን 68 ሰባት፡ መብዛሕተን ናብ ትካላት ጥዕና ከም ዘይከዳ ብምጥቃስ፡ ቁጽሪ ናይተን ናብ ሕክምና ዝኸዳ ሰባት ንስፍሓት ናይቲ ዘጋጠመ ጾታዊ ዓመጽ ኣየርእን እዩ ክብል ጠቒሱ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ብወገኑ፡ ኣብ መንነት እቶም ኣምነስቲ ነቲ ሓበሬታ ንምእካብ ተጠቒመሎም ዝበሎም ማሕበረሰባዊ ሰራሕተኛታቱ ሕቶ ኣሎኒ ይብል።
እቲ መግለጺ፡ ነቲ መንግስቲ ኣሸባሪ ዝበሎ ናይ ህወሓት ሓይሊ ኣሰራርሓ ንዝተረደአ ኩሉ ሕቶ መንነት እዞም ሰራሕተኛታት ምስጢር ኣይኮነን ኢሉ።
ብተወሳኺ ኣምነስቲ፡ ብድሩትን ናይ ርሕቀት ዝርርብን ምስ 63 ውልቀሰባት ዝገበሮ መርመራ ክድገፍ ብዘይክእል መልክዕ ናብ ዓሚቚ መደምደምታ በጺሑ'ሎ ይብል።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ ቃለ መሕትት፡ "ኣብ ጨፍጫፍ ማይካድራ ዝተሳፈቱ ብዙሓት ምሊሻ ህወሓት ዝሰፈሩሉ ኣብ ሱዳን ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት እዩ ተኻይዱ" ይብል።
ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ነቲ ጾታዊ ዓመጽ ሸለል ኢሎሞ እዮም ዝብል ኣብቲ ሪፖርት ዝተኻተተ ክስን ዝተበጽሐ መደምደምታን ኣብ ግምት ብምእታው፡ መጽናዕቲ ኣምነስቲ ብቑዕ ብዘይምዃኑ ጉድለት ዘለዎ ይመስል ክብል'ውን ነቒፉ።
ቅድሚ ሕጂ ብኣምነስት ክወጽኡ ዝጸንሑ ገለ ጸብጻባት "ስምዒት ዘለዓዕል መጥቃዕቲ ንክፍጽምን ስም መንግስቲ ናይ ምጽላም ዘመተን ከካይድን ዝወሰነ ይመስል" ይብል እቲ ብመንግስቲ ዝወጽአ መግለጺ።
ብተወሳኺ መንግስቲ ቅድሚ ሕጂ እውን ብዛዕባ እቶም ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዘለው ሓደ ሓደ ሰራሕተኛታት ኣምነስት ዘለዎም ዘይሻራዊ መርገጽን ሞያዊ ሓላፍነትን ስግኣት ከም ዘለዎ ገሊጹ ምንባሩ ብምዝካር እዚ ናይ ሕጂ ሪፖርት ከኣ ነቲ ዝጸንሐ ስግኣት ዘጠናኽር እዩ ኢሉ።
ጸብጻብ ኣምነስቲ ነቲ ሕቡራት ሃገራትን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት መንግስቲ ኢትዮጵያን ብሓባር ንዝገብሩዎ መርመራ ኣፍልጦ ዘይምሃቡ ኣገራሚ እዩ ይብል፥
ኣምነስቲ፡ ኣካላት ሕቡራት ሃገራት ዝኾኑ ቤት ምኽሪ ጸጥታን ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ግቡእ ምርመራ ብምክያድ ንገበነኛታት ኣብ ሕጊ ንከቕርቡ ጸዊዑ ኣሎ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ እዋን'ቲ ግጭት ንዝኾነ ጾታዊ ዓመጽ ዝፈጸመ ኣባል ሰራዊት ከም ዘይጻወርን ከም ዝኹንን ሓበሬታ ምሃቡ ብምዝኽኻር ካብቲ ዝተዋህቦም መምርሕን ሕግን ወጻኢ ጾታዊ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸሙ ዝተኣመነሎም ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪቦም ንክሕተቱ መንግስቲ ኣድላይ ዝበሃል ስጉምቲ ከም ዝወስድን ይቕጽሎ ከም ዘሎን ሓቢሩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ጾታዊ መጥቃዕቲ ዘኸትሎ ኣካላውን ማሕበራውን ስነ ልቦናዊ ጽልዋ ኣብ ግምት ብምእታው ምስ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ብምትሕብባር ነቲ ጉዳይ ክከታተሎ ከም ዝጸንሐ ኣዘኻኺሩ።
ኣብቲ ግጭት በቲ ዘሕዝን ተግባር ተጠቒዐን ግዳይ ስነ ልቦናዊ ሃስያ ዝኾና ግዳያት ናይ ምምኽኻር ኣገልግሎት ይወሃብ ከም ዝነበረ ገሊጹ።
ኣብ ርእሲኡ ኣብቲ ግጭት ኣጋጢሙ ንዝተባህለ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝምርምር ጉጅለ ከም ዘቖመ ኣፍሊጡ ነይሩ።
ጾታዊ ዓመጽ ፈጺሞም ዝተባህሉ ኣባላት ሰራዊት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከም ዝኣተው ቀዳማይ ምኒስተር ገሊጹ ነይሩ።
ይኹን እምበር ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ናይ ኣምነስቲ ሰራሕተኛ ፍስሃ ተኽለ፡ ብዝሒ እቶም ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣትዮም ዝተባህሉ ሰባት ምስቲ ተፈጺሙ ዝበሃል ዓመጽ ኣይነጻጸርን እዩ ይብል።
ብምውሳኽ "እቲ ጉዳይ ናይ ጾታዊ መጥቃዕቲ ናይ ፍርዲ መስርሕ ዘካተተን ነተን ግዳያት ካሕሳ ነቲ ሕብረተሰብ ከኣ መምሃሪ ብዝኸውን ኣገባብ ክኸውን ነይሩዎ" ኢሉ።
"ብተወሳኺ ኣብቲ ጸብጻብ ከም ዝተጠቕሰ ሓያሎ ወተሃደራት ኤርትራ ኣብቲ ጾታዊ ዓመጽ ተሳቲፎም ነይሮም። ኣብ ልዕሊኦም ዝተወስደ ናይ ፍርዲ ጉዳይ ኣሎ'ዶ ዝብል ነገር ግልጺ ኣይኮነን። ስለዚ ከኣ ኢና እኹል ኣይኮነን" ንብል ዘለና ክብል ፍስሃ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ኣምነስቲ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ዝምልከት ዘካይዶ መርመራ ፖለቲካዊ ጸግዒ ይረኣዮ እዩ ንዝብል ክሲ ፍስሃ "ንሰብአዊ መሰል ዝምልከት መጽናዕቲ ክካይድ እንከሎ ብዝለዓለ ደረጃ እዩ ሓበሬታ ዝእከብ። ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ሰፊሕ እዩ። ይኹን እምበር ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ስለ ዝወጽአ ጥራሕ ንሕና ሪፖርት ነውጽእ ኢና ማለት ኣይኮነን" ክብል ፍስሃ ገሊጹ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







