"ኣብ ኣውሎ ሚድያ ክሰርሕ ኣብ ዝጀመርኩላ መዓልቲ እየ ተኣሲረ" ጋዜጠኛ ክብሮም ሰለሞን

ምንጪ ስእሊ, Awlo media
ብኣቆጻጽራ ግእዝ 23 ሰነ 2013 ቀትሪ፡ ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ናይ ኣውሎ ሚድያ ሰራሕኛታትን፡ ብድሕሪኦም ዝተኣሰሩ ሰራሕተኛታት ኢትዮ-ፎረምን ኣብ ኣዋሽ ሰባት ከምዝርከቡ ፖሊስ ገሊጹ ነይሩ፡፡
ንኽልተ መዓልቲታት ኣብ ሜክሲኮ ኣብ ዝርከብ ናይ ፌደራል ፖሊስ መመርመሪ ገበን ምስጸንሑ፡ ፖሊስ ንቤተሰቦም ‘‘ተፈቲሖም እዮም’’ ዝብል ሓበሬታ ምስሃበ ኣብ ዘለዉዎ ከይተፈለጠ ሰሙናት ሓሊፉ ነይሩ፡፡
ድሕሪ ናይ 20 መዓልቲታት ማእሰርቲ ኣብ ዘለዉዎ ስለዘይተፈለጠን ናብ ቤት ፍርዲ እውን ሰለዘይቀረቡን፡ ብጠበቐኦም አቢሎም ኣካል ናጻ ናይ ምውጻእ ክሲ መስሪቶም፡፡ ነዚ ስዒቡ እዩ ፖሊስ ብቦታ ጽበት ምኽንያት ናብ ኣዋሽ ሰባት ወሲዱ ከምዝኣሰሮም ዘፍለጠ፡፡
ካብቶም ኣብ ኣዋሽ ሰባት ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ሚድያ እቶም 10 ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን ብዋሕስ እንትፍትሑ እቶም ዝተረፉ 7 ግን ሐዚ እውን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዘለዉ ጠበቐኦም ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡
ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ብዛዕባ ዝነበረ ኣተሓሕዛ ብዝምልከት፡ ሰራሕተኛ ኣውሎ ሚድያ ምስዝኾነ ጋዜጠኛ ክብሮም ሰሎሞን ጻንሒት ጌርና ኣለና፡፡
ከመይ ተኣሲርኩም?
ኣብ ኣውሎ ሚድያ ምስራሕ ኣብ ዝጀመርኩላ ናይ መጀመርታ መዓልቲ እየ ተኣሲረ፡፡ ቅድሚኡ ኣብ ቴሌቪዥን ትግራይ እየ ዝሰርሐ ነይረ፡፡ ዳሓር ወናኒ ኣውሎ ሚድያ ንዝኾነ ኣትሌት ገብረ እግዚኣብሄር ኣዘራሪበዮ ብማሕበራዊ ዘርፊ ተቖጺረ፡፡ ምስቶም ሰራሕተኛታት ኣላልዩኒ ኮፍ ምስበልኩ ኢና ተኣሲርና፡፡
ፖሊስን ናይ ሲቭል ዝተኸደኑ ናይ ድሕነት ሰራሕተኛታትን ሃንደበት ናብቲ ቤት ጽሕፈት ኣትዮም ኢድኩም ንላዕሊ ኢሎምና፤ ሞባይልናን ላፕቶፓትናን ወሲዶም፡፡ ንሓድሕድና እኳ ክንዘራረብ ኣይከኣልናን፡፡ ድሕሪኡ ሒዞምና ናብ ሜክሲኮ ከይዶም፡፡ ናዓና እንትወስዱና ኣብ ካልኣይ ደብሪ ኮይና ፎቶ ንዝሰኣለትና እውን ምሳና ወሲዶም ኣሲሮምዋ፡፡
ኣዚና ደንጊጽና ኔርና፤ ኣሰር ኣጻብዕትና ምስ ሃብና ፍራሽ ቀሪቦሙልና፡፡ ኣብኡ ዝነበሩ እሱራት ምግቢ ገዚኦም ክቐርበልና ገይሮም፡፡ መብዛሕትኡ እሱር ትግራዋይ እዩ፡፡
ዓርቢ ንጉሆ ሒዞሙና ወጺኦም፡፡ ናብ ቤት ፍርዲ ክወስዱና እዮም ኢልና ሓሲብና፡፡ ናብ ልደታ ክወስዱና እዮም ኢልና እናተጸበና እናሃለና፡ ብኣለም ባንክ ገይሮም ምስወጹ እምበኣር ናብ ቃሊቲ እዮም ክወስዱና ኢልና፡፡ ኣእዳውና ብመቑሕ ተኣሲሩ እዩ፤ ምዝርራብ ኣይንኽእልን ከምኡ እውን ናበይ ይወስዱና ከምዘለዉ ኣይነገሩናን፡፡ ቃሊቲ ሓሊፎም በቲ ናይ ቀደም መገዲ ሒዞም ናብ ደብረ ዘይቲ ሒዞምና ምስ ሓለፉ ናብ ዝዋይ እዮም ክወስዱና ኢልና፡፡
እታ መኪና ናይ ፍጥነት መንገዲ ሒዛ ካብ ኣዳማ ምስወጸት ግን ስጉምቲ ክውሰደና እዩ ወይ እውን ንሻዕብያ ኣሕሊፎም ክህቡና እዮም ኢልና ተስፋ ቖሪጽና፡፡ ድሕሪኡ 220 ኪሎ ሜትር ምስተጉዓዝና ናብ ኣዋሽ ሰባት ኪሎ ማእከል መሰልጠኒ ኣመራርሓ ፖሊስ ፌደራል ኣእትዮምና፡፡
ኣብ ብሎክ 10 ኢና ጸኒሕና፡፡ እቲ ገዛ ደሓን እዩ፤ እተን ደቂ ኣንስትዮ ግን ኣብ ሓንቲ መስኮት ዘይብላ ንኡሽቶ ክፍሊ እየን ሽዱሽቲአን ተዳጒነን ጸኒሐን፡፡ ናትና ክፍሊ ግን ‘ፋን’ ነይሩዎ፡፡
ብዙሕ ግዘ ብዛዕባ ኣተሓሕዛ እሱራት ኣዋሽ መሰልጠኒ ሕማቕ ነገራት ይስማዕ እዩ፡፡ ብሓፈሻ ብዛዕባ እቲ ኣተሓሕዛ ንገረና?
ናብኡ ምስኣተና ገሊኦም ፖሊስ ሕማቕ ይዛረቡ ነይሮም፡፡ ‘‘ንዓኹምስ ኣብዚ ምንክልላው… ብሓለንጊ ምቕጥቃጥ ነይሩ’’ እናበሉ ዘፈራርሑና ነይሮም፡፡ ከምቲ ኣዛዚ ዝበሉ ሰባት ድማ ኣተኣላልየኦም ጽቡቕ ነይሩ፡፡ ኢንስፔክተር ተስፋዬ ዝበሃል ኣዛዚ ናይ ኣቦነት ፍቕሪ ነይሩዎ፡፡ ብፍላይ ነተን ደቂ ኣንስትዮ ‘‘ ኣጆኽን እዘን ደቀይ፤ ምንም ኣይክትኮናን፡፡ ናዓኽን ክንሕሉ ኢና ኣብዚ ዘለና’’ይብለን ነይሩ፡፡
ምግቢ ባኒ ጥራሕ እዩ ዝፍቀድ፡፡ ንጉሆ ባኒ ምስ ሻሂ፤ ምሳሕ ክልተ ባኒ ምስ ጸብሒ መሳሊ ይህቡና፡፡ ዝስተ ማይ ኣይትረክብን፡፡ ዕሹግ ማይ ምግዛእ እውን ኣይከኣል፡፡ ገለ ርህሩሃት ፖሊስ ካብ ክበብ እናገዝኡ የምጽኡልና ነይሮም፡፡ ብገንዘብና እውን ክንምገብ ኣይንኽእልን፡፡ ምስ ኣብ ደገ ዘሎ ዓለም ርክብ የብልናን፡፡ ቤተሰብና ኣበይ ከምዘለና ኣይፈልጡን ነይሮም፡፡
ቅያር ክዳን ዝሓዘ ሰብ ኣይነበረን፡፡ ብፍላይ ንደቂ ኣንስትዮ ኣዝዩ ከቢድ ነይሩ፡፡ ሰብነተን ምሕጻብ ኮነ መነጻጽሂ ኣቑሑት ምርካብ ኣይክእላን ነይረን፡፡ ብፍላይ ክልተ ደቂ ኣንሰትዮ ፖሊስ ይዛረበአን ነይረን፡፡ ብርግጽ እዚ ናይ ሰባት ውልቃዊ ባህሪ እዩ፡፡
ኣብቲ መሰልጠኒ ካበኹም ወጻእ ዝተኣሰሩ ሰባት ነይሮምዶ?
ንሕና ምስኣተና ኣብ ዝነበሩ ክልተ መዓልቲታት ብኣማኢት ዝቑጸሩ መናእሰይ ናብ ኣዋሽ መጺኦም፡፡ ንጉሆ ንጉሆ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም ተሰሊፎም እንትኣትዉ ርእይናዮም ኢና፡፡ ንሕና ኣብቲ ዓብዪ ኣዳራሽ ኢና ንምገብ ኔርና፡፡ ንሕና ናብ ንኡሽተይ ጉጂ ተሰጋጊርና ንሳቶም ኣብቲ ዓብዪ ኣዳራሽ ምምጋብ ጀሚሮም፡፡ ኣብቲ ኣስፋልቲ ኣንበርኪኾም ከንከላልውዎምን ክገርፉዎምን እናረአና ኢና ንሓልፍ፡፡ ምልስ ኢልካ ምርኣይ ወይ ንእትፈልጦ ሰብ ሰላም ምባል ኣይከኣልን ነይሩ፡፡
ብጥራይ እግሮም እዮም ዝኸዱ፤ ጸጉሮም እንትለጸ ርእይና ኢና፡፡ ኣንበርኪኾም እውን ይወስድዎም፡፡
ፖሊስ ኣብ መጋባእያ ወረዳ ፈንታሌ ኣቕሪበ ናይ ቆጸሮ እዋን ኣውሂበ እየ ክብል ንቤት ፍርዲ ፌደራል ገሊጹ ነይሩ፡፡ ናብ ቤት ፍርዲ ተወሲድኩም ዶ ነይርኩም?
ምስተኣሰርና ኣብ መበል ሻብዓይ መዓልቲ እዮም ናብ መጋባእያ ወሲዶምና፡፡ እታ ዳይና ጓል ኣንስተይቲ እያ ነይራ፤ ሸውዓተ መዓልቲ ሙሉእ ኣየቕረቡናን ኢልና እንትነረዳኣ ‘‘ እናጓዓዓዙኹም ክኸውን ይኽእል እዩ፤ ጸገም የብሉን’’ ኢላ ናይ 14 መዓልቲ ቆጸሮ ፈቒዳ፡፡
ስዒቡ ዝቐረበ ዳይና ሓድሽ እዩ ነይሩ፡፡ ‘‘ እቲ ክሲ ሕዚ ስለዝበጸሐኒ ኣይፈልጦን፤ ነቲ ዝተሓተተ 14 መዓልቲ ፈቒደ እየ’’ ኢሉ፡፡
ድሕሪኡ ኣብቲ ዝሰዓበ ቆጸሮ እተን ደቂ ኣንስትዮ እናበኸያ ነይረን፡፡ ሰብነተን ተጎሳቚሉ ነይሩ፡፡ ድሕሪኡ እቲ ዳይና ነቶም ቀዲሞም ዝተኣሰሩ 10 መዓልቲ ፈቒዱ፡፡ ኣብ ሰለስቲኡ ቆጸሮ ዝቐረበ ክሲ ዝተፈላለየ እዩ ነይሩ፡፡ እቲ ናይ መጀመርታ ክሲ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ምብጻሕ ዝብል ነይሩ፡፡ እቲ ካልኣይ ምስቲ ኣብ ዓፋርን ሶማልን ዝነበረ ጎንጺ ዝተሓሓዝ እዩ፡፡ ፖሊስ ሽዑ ኣብ ዓፋር ዘለዉ ተሓባበርቶም ንምሓዝ ይሰርሕ ኣለኹ ኢሉ ነይሩ፡፡ ኣብ ሳልሳይ እቲ ክሲ ምስ ቤንሻንጉል ተተሓሒዙ ተቐዪሩ፡፡
ከምይ ተፈቲሕኹም?
ናይ ምርመራ ግዜ ምስተወደአ፡ እቲ መጋባእያ መመልከቲ ኣእትዉ ኢሉና፡፡ ንሕና ድማ እነህድሞ መረዳእታ የብልናን ኢልና ናይ ዋሕስ መመልከቲ ሒዝና ክንቀርብ ምስበልና ቀዲሞም መኪና ሒዞም መጺኦም፡፡
እቲ ክሲ ተቛሪጹ ድዩ ወይስ ብዋሕስ ኣይተነገረናን፤ መኪና ሒዞም ‘‘ሕዚ ናብ ገዛኹም ኪዱ፤ ካልእ እዋን መጺእኹም ንብረትኩም ውሰዱ‘‘ ኢሎምና፡፡
ዝተወሰነ ክዳን ነቶም ዝተረፉ ሂብናዮም ኢና ወጺእና፡፡ እቲ ዘለዉዎ ኩነታት ከምቲ ቅድሚ ሕዚ ዝነበሮ እዩ፡፡ ጠበቓ ይኹን ቤተሰብ ክረኽቡ ኣይከኣሉን፡፡
ኣብዚ ናይ መራኸቢ ሓፋሽ ስራሕ ክትቅጽል ዲኻ?
እወ! ሓቂ ክሳብ ዝኾነ፡ ነቲ ህዝቢ ዝርብሽ ወይ ገበን ክሳብ ዘይሰራሕና፡ ኣብዚ ስራሕ ክቕጽል እዩ ድልየተይ፡፡







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







