ጋዜጠኛ በቃሉ ኣላምረው ብቕልጡፍ ክፍታሕ ሲፒጄ ጸዊዑ

ምንጪ ስእሊ, cpj
ሰበስልጠን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ብኣቆጻጽራ ኣውሮጳ 4 ሕዳር ዝኣሰርዎ ጋዜጠኛ በቃሉ ኣላምረው ብቕልጡፍ ክፈትሑ፡ ንመሰል ጋዜጠኛታት ዝቃለስ ኮሚተ ሲፒጄ ጸዊዑ፡፡
ኣውሎ ሚድያ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ናይ ብሕቲ ሚድያ ዝሰርሕ ጋዜጠኛ በቃሉ፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት እቲ ትካል ብፖሊስ ተወሲዱ ከምዝተኣሰረ ማኔጂንግ ዳይሬክተር እቲ ትካል ወልደጊዮርጊስ ተኽላይ ገሊጹ፡፡
ጋዜጠኛ በቃሉ ብዘይ ስሩዕ ክስን ንጹር ኩነታትን ከምዝተኣሰረ ዝገለጸ ተወካሊ ሲፒጄ ትሕቲ ሳህራ ኣሪቃ ሙቶኪ ሙሞ፡ እቲ ተግባር ‘‘ነቲ መንግስቲ ኣብዪ ኣሕመድ ቅድም ክብል ዝጀመሮ ምምሕያሽ ነጻነት ሚድያ ንድሕሪት ዝመልስ እዩ’’ ብምባል ነቒፉ፡፡
በዚ ድማ ‘‘ፖሊስ ንበቃሉ ኣላምረው ብዘይ ዝኾነ ክሲ ክፈትሖን፡ ጋዜጠኛታት ብምኽንያት ስረሖም ምእሳር ደው ከብልን ኣለዎ’’ ኢሉ፡፡
ኮምሽን ፖሊስ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብዛዕባ ማእሰርቲ እዚ ጋዜጠኛ ዝኾነ መግለጺ ኣይሃበን።
እቲ ጋዜጠኛ 6 ሕዳር ኣብ ቦሌ ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ደረጃ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ከምዝነበረን፡ ምግፋሕ ስኑዕ ሓበሬታ፣ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ምጽላም፣ ዓሌታዊ ጎንጺ ዘልዕል ሓበሬታታት ብምጽብጻብን ዝብሉ ክሲታት ከምዝቐረበሉ ንሓላፊ ኣውሎ ሚድያ ኣቶ ወልደ ጊዮርጊስ ብምጥቃስ ሲፒጄ ሓቢሩ፡፡
ሲፒጄ ብተወሳኺ ማእሰርቲ እቲ ጋዜጠኛ ኣመልኪቱ፡ ንላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ከምዝሓተተን፡ ሕጊ ስኑዕን ናይ ጽላኣት ሓበሬታን ብምጥሓስ ተጠርጢሩ ከምዝተኣሰረ ከም ዝተነገሮን ገሊጹ፡፡
ብተመሳሳሊ ጋዜጠኛ በቃሉ ኣላምረው፡ ‘ምስ ውድብ ህወሓት ትራኸብ ኢኻ’ ዝብል ራብዓይ ክሲ ከምዝቐረበሉ ሲፒጄ ንሓላፊ ኣውሎ ሚድያ ጠቒሱ ጸብጺቡ ኣሎ፡፡
ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ቅድሚ ሕዚ ንጋዜጠኛ በቃሉን ካልኦት ኣባላት ኣውሎ ሚድያን ዒላማ ገይሮምዎም ምንባሮም ዝገለጸ እቲ ትካል ተሓላቒ መሰል ጋዜጠኛታት፡ በቃሉ ታሕሳስ 2019 ኣብ ዝጠቀዖ ጽሑፍ ሰበስልጣን መንግስቲ ንዕኡን ንመሳርሕቱን ክንቀትለኩም ኢና ኢሎም ከምዘፈራርሕዎም ከሲሱ ነይሩ ኢሉ፡፡
ብተመሳሳሊ ካብቶም 7 መስከረም፡ መንግስቲ ፌደራል ዘይፈቐዶ መረጻ ትግራይ ንምዕዛብ ናብ ትግራይ ከይከዱ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ዝተኸልከሉ ጋዜጠኛታት እቶም ሰለስተ ኣባላት ኣውሎ ሚድያ ከምዝነበሩ ጸብጻባት ብምጥቃስ ሲፒጄ ገሊጹ፡፡






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







