ኢትዮጵያ፡ ጋዜጠኛ ተመስገን ደሳለኝ ተፈቲሑ

ተመስገን ደሳለኝ

ምንጪ ስእሊ, Facebook/Tariku Desalegn

ትማሊ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ዋና ኣሰናዳእን ወናኒን መጽሄት ፍትህ ተመስገን ደሳለኝ ሎሚመዓልቲ ከምዝተፈትሐ ሓዉ ታሪኩ ደሳለኝ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ሎሚ ንጉሆ ኣብ ፖሊስ ኮሚሸን ኣዲስ ኣበባ ተኣሲሩ ንዝሓደረ ሓዉ ክሓትት ኣብ ዝኸደሉ "ክትኣትው ኣይትኽእልን" ተባሂሉ ከምዝነበረ ገሊጹ።

ንተመስገን ሎሚ ናብ ቤት ፍርዲ ከቕርብዎ ከምዝኽእሉ ብምግማት ኣብኡ ኮይኖም ይጽበዩ ኣብ ዝነበሩሉ ሰዓት ከምዝተፈትሐ ኣረዲኡ።

ምስኡ ዝተኣሰረ ኣሰናዳኢ መጽሔት ፍትህ ጋዜጠኛ ምስጋናው ዝናቤ'ውን ተፈቲሑ'ሎ።

"ኣብ ቀይዲ ዝወዓለሉ ምኽንያት ብዝምልከት ግን ክሳብ ሕዚ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይረኸብናን" ኢሉ።

ከመይ ኣብ ቀይዲ ውዒሉ?

ትማሊ ንዝተወሰኑ ደቓይቕ ረኺቡ ዝተኣሰረሉ ምኽንያት ምስሓተቶ "ስኑዕ ሓበሬታ ብምዝርጋሕ ትድለይ ኣለኻ ካብ ዝብል ወጻኢ ካልእ ዝበሉኒ ነገር የለን" ዝብል መልሲ ከምዝሃቦ'ውን ወሲኹ ሓቢሩ።

ብተወሳኺ ድማ "ጠበቓይ ከይመጽአ ዝዛረቦ ነገር የብለይን ኢለ ኮፍ ኢለኹ። ዝኽደኖ ኮበርታ ንከፍቅዱለይ ሕተቶም" ከምዝበሎ ታሪኩ ኣብ ፌስቡክ ዝጠቅዖ ሓበሬታ የመልክት።

ትማሊ ድሕሪ ቐትሪ ከባቢ ሰዓት 9፡00 ኣ.ኢ (3፡00) ሸሞንተ ዝኾኑ ኣባላት ፖሊስ፡ 'ኣቧሬ' ኣብ ዝባሃል ከባቢ ናብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት መጽሄት ፍትህ ከምዝኸዱን ኣብኡ ንዘይረኸብዎ ጋዜጠኛ ተመስገን ካልኦት ኣዳለውቲ እታ መጽሄትደዊሎም ከምዘረድእዎን ታሪኩ ገሊጹ።

ተመስገን ምስቶም ኣባላት ፖሊስ ብስልኪ ዝተዘራረበ ኮይኑ መጸዋዕታ ወይ ናይ ክሲ ወረቐት ሒዞም መጺኦም እንተኾይኖም ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ገዲፎምሉ ክኸዱ'ዩ ሓቢርዎም።

ፖሊስ ግን ንዕኡ ከዘራርብዎ ከምዝደልዩን ዝርከበሉ ቦታ ክነግሮምን ስለዝሓተትዎ፡ ብኣካል ከዘራርቦም ናብ ቤት ጽሕፈቱ ከምዝተመለሰ ሓዉ ኣብ ፌስቡክ ጠቂሱ።

ሽዑ ናብ መኪንኦም ኣእትዮም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዝርከብ ብልሙድ 'ሶስተኛ' ብዝብል ናብ ዝፍለጥ ቤት ማእሰርቲ ከምዝሰድዎ ገሊጹ።

ምስጋን ዝናቤ ዝተባህላ ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ፍትህ'ውን ምስተመስገን ከምዝተወሰደ ሓቢሩ።

ፖሊስ እንታይ ይብል?

ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ብዛዕባ ማእሰርቲ እቲ ጋዜጠኛ ተሓቲቱ "ፖሊስ ፌደራል ከምዝምልከቶ" ብምግላጽ ተወሳኺ መብርሂ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ'ሎ።

ቢቢሲ ኣብቲ ጉዳይ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ናብ ፖሊስ ፌደራል እንተደወለ'ኳ ብተመሳሳሊ ኩነታት መልሲ ክረክብ ኣይከኣለን።

ቅድሚ ሎሚ ንሰለስተ ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝጸንሐ ጋዜጠኛ ተመስገን ግዜ ማእሰርቱ ዛዚሙ ከምዝወጽአ ይዝከር።

ሽዑ እቲ ጋዜጠኛ፡ ኣብ ጋዜጣ ፍትህ ብዝጸሓፎም ጽሑፋት'ዩ ናብ ቤት ማእሰርቲ ዝኣተወ።

ስም ብምጽላም፣ ብሓሶት ምጥቃን፣ ስኑዕ ዜናታት ምዝርጋሕ፣ ኣተሓሳስባ ሰባት ምንጋዕን ንዓመጽ ክለዓዓሉ ምግባርን ዝብሉ ክስታት ቀሪቦምሉ ምንባሮም ይፍለጥ።

ብሓደ ክሲ ጥራይ ጥፍኣተኛ ኮይኑ ስለዝተረኸበ ድማ ናይ ሰለስተ ዓመት ማእሰርቲ ስለዝተፈረዶ ድማ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣትዩ ነይሩ።