ንገዛእ ርእሳ ብሓዊ ዘቃጸለት ሩስያዊት ጋዜጠኛ ህይወታ ሓሊፉ

ኣይሪና ስላቪና

ምንጪ ስእሊ, Irina Slavina/Facebook

መግለጺ ስእሊ, ኣይሪና 'ኮዛ ፕረስ' ናይ ዝተባህለ ናይ ዜና መርበብ ሓበሬታ ኣርታዒት እያ ነይራ

ኣብ ከተማ ኒዚኒይ ኖቭጎሮድ፡ ኣብ ፊት ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት፡ ንገዛእ ርእሳ ብሓዊ ዘቃጸለት ጋዜጠኛ ህይወታ ሓሊፉ።

ጋዜጠኛ ኣይሪና ስላቪና፡ ኣቐዲማ ብፌስቡክ ኣብ ዝዘርግሐቶ መልእኽቲ "ንሞተይ ንፌደሬሽን ሩስያ ተሓታቲ ክትገብርዎ እልምነኩም" ኢላ።

ፖሊስ ምስ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ 'ኦፐን ሩስያ' ዝተሓሓዝ ሰነዳት ንምርካብ፡ መንበሪ ገዝኣ ከም ዝፈተሹን ኮምፕዩተራትን መረዳእታን ከም ዝወሰዱን ስላቪና ብሓሙስ ተዛሪባ ነይራ።

ኣብ ጎደና ንገዛእ ርእሳ እናኣቃጸለት ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተዘርጊሑ ኣሎ።

ኣብቲ ቪድዮ፡ ሓደ ሰብኣይ ነቲ ሓዊ ንምጥፋእ ናብ ሓንቲ ሰበይቲ ክጎዪን ብክዳኑ ገይሩ ከጥፍኦ ክፍትን እንከሎ ንሳ ደፊኣ ክተውድቖ ይርአ።

ኣብ መወዳእታ በቲ ሓዊ ተጎቢጣ ሃለዋታ ኣጥፊኣ ክትወድቕ ትረኣ።

ኮሚተ መርመራታት ሩስያ፡ በዓልቲ ሓዳርን ኣደ ሓንቲ ቆልዓን ዝነበረት ኣይሪን ስላቪና ከም ዝሞተት እኳ እንተ ኣረጋገጸ ምስቲ ኣብ መንበሪ ገዛ እታ ጋዜጠኛ ዝተኻየደ ፈተሻ ምትእስሳሩ ግና ነጺግዎ።

ኣይሪና 'ኮዛ ፕረስ' ናይ ዝተባህለ ናይ ዜና መርበብ ሓበሬታ ኤዲተር እያ ነይራ። ጭርሖ እቲ መርበብ ሓበሬታ "ዜናን ትንታነን" ከምኡውን "ብዘይምመያ" ዝብል እዩ።

እቲ መርበብ ሓበሬታ ሞት እታ ጋዜጠኛ ድሕሪ ምርግጋጹ ካብ ዓርቢ ንደሓር ኣገልግሎት ይህብ የሎን።