“ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ናብ ቤት-ፍርዲ ክቐርብ ይግባእ” ጃዋር መሓመድ

ጃዋር ምስ በቀለ ገርባ

ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተኣሰሩ ፖለቲከኛታት፡ ጃዋር መሓመድን ካልኦትን፡ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ኣብዚ ቅነ ዝሃቦ መግለፂ፡ ናፃ ኮይንና ናይ ምርኣይ መሰልና ዝፃረር ርኢቶ ስለዝሃበ፡ ብቤት-ፍርዲ ንክሕተት ጥርዓን ኣቕሪቦም።

ፖለቲከኛታት በቀለ ገርባን ጃዋር መሓመድን፡ ኣብቲ ትማሊ ዝወዓለ መጋባእያ ቤት-ፍርዲ፡ ሓላፊ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ እታ ሃገር ዶክተር ጌዲዮን ጢሞትዮስ ኣብ ቤት-ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ንጋዜጠኛታት ዝሃቦ መግለፂ፡ ናፃ ኮይኖም ናይ ምርኣይ መሰሎም ዝግህስን፡ ንህይወቶም ዘስግእን ከምዝኾነ ገሊፆም።

“ኣብ ልዕሌና መሰኻኽር እንከይተሰምዑ፡ ሰብመዚ ፖለቲካ ብፍላይ ድማ እቲ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ፡ ቤት-ፍርዲ ኣብ ልዕሌና ፍርዲ ከምዝሃበ ገይሩ እዩ ተዛሪቡ” ዝበለ ጃዋር መሓመድ፡ መግለፂ እቲ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ፡ ንህይወቱ ከምዘስግኦ ተዛሪቡ።

“ኣኽረርቲ ተባሂልና፣ ዕግርግር ከምዝፈጠርናን ሰብ ከምዝቐተልናን እዩ ወሲኑ”ብምባል፡ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ዶክተር ጌዲዮን ጢሞትዮስ ናብ ቤት-ፍርዲ ቀሪቡ ንክሕተት ጠሪዑ።

ፖለቲከኛ ኣይተ በቀለ ገርባ’ውን፡ “እቲ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ፡ ንርእስና ክንከላኸል ኣብ ዘይንኽእለሉ ኩነታት፡ ንመራኸብቲ ሓፋሽ ወፃኢ መግለፂ ሂቡ። እዚ ድማ ዘይሻራውነት እቲ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ሕቶ ዘእቱ እዩ” ብምባል፡ ናብ ቤት-ፍርዲ ቀሪቡ ንክሕተት ጠሊቡ።

እቲ ቤት-ፍርዲ ድማ፡ እቲ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ፡ ኣብ ዝቕፅል ቆፀሮ፡ ብፅሑፍ መልሲ ክህብ ኣዚዙ።

ውዕሎ እቲ መጋባእያ እንታይ ነይሩ?

ብዓቃቢ ሕጊ፡ ንኣይተ ጃዋር መሓመድ ሓዊሱ ኣብ 24 ሰባት ዝቐረበ ክሲ ዘንበበ እቲ ላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ፡ ካብ ቁፅሪ ሓደ ክሳብ 15 ዘለዉ ተኸሰስቲ፡ ብሄርን ሃይማኖትን መሰረት ዝገበረ ህውከት ብምፍጣር፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ 13፣ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ድማ ናይ 167 ሰባት ህይወት ከምዝጠፍአ፣ 360 ሰባት ከምዝተጎድኡን ልዕሊ 4.6 ቢልዮን ብር ኣብ ዝግመት ንብረት ሓደጋ ንክበፅሕ ገይሮም፡ ዝብል ክሲ ዓቃቢ ሕጊ ንተኸሰስቲ ኣንቢቡ።

ብዘይ ፍቓድ መሳርሒ ኩናት ሒዞም ምርካቦምን፡ ንቴሌኮም ኣታሊሎምን ዝብሉ’ውን፡ ኣብቲ ክሲ ዝተኻተቱ ተወሰኽቲ ጉዳያት እዮም።

ኣብ ቁፅሪ 18፣ 21፣ 6፣ 8፣ 9፣ 20፣ 7 ዝተፀርሑ ተኸሰስቲ ድማ፡ ኣምሓርኛ ስለዘይሰምዑ፡ ኣብ ልዕሊኦም ዝቐረበ ክሲ ከምዘይተቐበልዎ፡ ነቲ ቤት-ፍርዲ ኣፍሊጦም።

ጠበቐታቶም ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ዓማዊሎም ዝቐረበ ክሲ፡ ናብ ቤት-ማእሰርቲ ብምኻድ ከምዘፍልጥዎም፡ ነቲ ቤት-ፍርዲ ገሊፆም።

ቤት-ፍርዲ ብወገኑ፡ ጠበቓታት ተኸሰስቲ፡ ንኹሎም ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓትን ቦታን ረኺቦም ዝዝትይሉ ኩነታት ንክፍጠር፡ ነቲ ቤት-ማእሰርቲ ትእዛዝ ሂቡ።

ጥርዓንን ትእዛዝ ቤት-ፍርድን ኣብቲ ትማሊ ዝወዓለ መጋባእያ፡ ተኸሰስትን ጠበቓታቶምን ከምኡ’ውን ዓቃቢ ሕጊ ዝተፈላለዩ ጥርዓናት ዘቕረቡ እንትኾኑ፡ እቲ ቤት-ፍርዲ’ውን ትእዛዝ ሂብሎም ኣሎ።

ተኸሰስቲ፡ ኢዶም ብካቴና (መቑሕ) ንነዊሕ ሰዓት ተኣሲሮም ከምዝፀንሑን ንክፍትሑ ሓቲቶም’ውን እምቢ ከምዝተብሃሉ፣ ንጉሆ ቁርሲ ከይበልዑ ናብ ቤት-ፍርዲ ከምዝተወሰዱን ጥርዓኖም ዘቕረቡ እንትኾኑ፡ ቤት-ፍርዲ ድማ፡ ንምንታይ ብካቴና ከምዝተኣሰሩ፡ እቲ ቤት-ማእሰርቲ ብፅሑፍ ምላሽ ክህብ፡ ተኸሰስቲ ኣንጊሆም ናብ ቤት-ፍርዲ እንትኸዱ ከኣ፡ እቲ ቤት-ማእሰርቲ ቁርሲ ከቕርበሎም ኣዚዙ።

ጠበቓታት እቶም ተኸሰስቲ፡ ሸምሰዲን ጠሃ ኣብ በዓል ኢሬቻ ንኽርከብ ዘቕረቦ ሕቶ’ውን፡ ቤት-ፍርዲ ትእዛዝ ክህበሉ ዝሓተቱ እንትኾኑ፡ ተኸሰስቲ ድማ፡ ናብቲ ቤት-ማእሰርቲ ባህላዊ ክዳን ክኣትወሎምን እቲ በዓል ብሓባር ዘኽብርሉ ኩነታት ክፍጠረሎምን ሓቲቶም።

ነዚ ሕቶ ምላሽ ዝሃበ ቤት-ፍርዲ፡ ሸምሰዲን ጠሃ ኣብ በዓል ኢሬቻ ንኽርከብ ዘቕረቦ ሕቶ ዋላ’ኳ እንተነፀጎ፡ ተኸሰሰቲ ግና ባህላዊ ክዳን ናብ ቤት-ማእሰርቲ ኣትይሎም፡ ቅድሚ ሕዚ ዝተፈላለዩ ናይ እምነት በዓላት ብዝኽበረሉ መገዲ ንከኽብሩ፡ ኩነታት ክፍጠረሎም ኣዚዙ።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ ኣብ ሃገራት ወፃኢ ስድራ ዘለዎም ተኸሰስቲ፡ ብናይ ውልቀ ስልኮም ስድርኦም ንክረኽቡ እቲ ቤት-ፍርዲ ኣዚዙ ኣሎ።

ብኻልእ ወገን፡ ተኸሳሲ ኣይተ ሸምሰዲን ጠሃ ኣብ ቀይዲ ምስ ወዓለ ስለዝተወቕዐ፡ ኣብ እዝኑ ከምዝተጎድአን ሕክምና ከይረክብ ከምዝተገብረን፡ ጠበቓታት ገሊፆም።

ቤት-ፍርዲ ከኣ፡ ተኸሳሲ ንምንታይ ሕክምና ከምዝተኸልከለን እቲ ቤት-ማእሰርቲ ምላሽ ክህብን፡ ተኸሳሲ ድማ ብቕልጡፍ (ሎሚመዓልቲ) ኣገልግሎት ሕክምና ክረክብን ኣዚዙ።

ኣመራርሓ ፖለቲካዊ ውድብ ኦፌኮ ኣይተ ደጀኔ ጣፋ’ውን ስግኣት ድሕንነት ከምዘለዎ ዝገለፀ እንትኾን፡ ቤት-ፍርዲ ኣብዚ ጉዳይ’ውን፡ ቤት-ማእሰርቲ ብፅሑፍ መልሲ ክህብ ኣዚዙ።

ጠበቓታት ኣይተ ደጀኔ ጣፋ፡ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ልዕሊ ተኸሳሲ ዝተመስረተ ክሲ ከምዝተቛረፀ፡ ኣብቲ መጋባእያ ሓቢሮም።

ካብዚ ብተወሳኺ በዓል ኣይተ ደጀኔ ጉተማ፣ ብርሃነመስቀል ኣበበን (ዶ/ር) ፀጋየ ረጋሳን፡ ብጋዜጣ ንክፅውዑ ዓቃቢ ሕጊ ዝሓተተ እንትኸውን፡ ቤት-ፍርዲ’ውን ብጋዜጣ ፃውዒት ክግበር ኣዚዙ።

ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ተኸሰስትን ጠበቓታቶምን፡ 23 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም መቃወሚ ክሲ ንሬጅስትራር እቲ ቤት-ፍርዲ ከቕርቡን፡ ዓቃቢ ሕጊ ድማ፡ 18 ሕዳር 2013 ዓ.ም መልሲ ሒዙ ክቐርብን ብምእዛዝ፡ ተለዋጢ ቆፀሮ ሂቡ።