ኢትዮጵያ፡ ቅድሚ ፌስቲቫል ህዝቢ ኦሮሞ 500 ሰባት ኣሲራ

ፈቲቫል ኤረቻ

ሰበስልጣን ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልል ኦሮምያ ልዕሊ 500 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝእተው ተሓቢሩ።

እቶም ሰብመዚ፡ እቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተው ሰባት ኣብ ዓመታዊ በዓል ኤሬቻ ህውከት ከለዓዕሉ ሓሳብ ነይርዎም ብዝብል ክሲ ከምዝተኣስሩ ኣፍሊጦም።

ኮሚሽነር ፖሊስ ክልል ኦሮምያ ኣራርሳ መረዳሳ፡ ብዘይካ እቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተው ሰባት፡ ጠበንጃታት፣ ሽጓጉጥን ናይ ኢድ ቦምባታትን ተታሒዞም ኢሉ።

እቲ ማእሰርቲ፡ ኣብታ ሃገር ዝረአ ዘሎ ፖለቲካዊ ጎነጽ እናኸፍአ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን’ዩ፡ ዝፍጸም ዘሎ።

እቲ ፌስቲቫል፡ ቀዳምን ሰንበትን ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ካልኦት ከባቢታት ክልል ኦሮምያን ብሰፊሑ ክበዓል እዩ።

ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝካየዱ ኣብ ዝነበሩ ፌስቲቫላት፡ ብዓስተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ይሳተፍዎ ነይሮም።

ሎሚ ዘበን ግና፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዘስዓቦ ቀይድታት፡ ወሑዳት ሰባት ክሳተፍዎ ትጽቢት ይግበር።

ኮሮና