ሶማልያዊ ጋዜጠኛ፡ ኣብ ፌስቡክ ብዝጠቀዖ ኮሮናቫይረስ ዝምልከት ጽሑፍ ማእሰርቲ ተፈሪድዎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቤት ፍረርዲ ሶማልያ፡ ንሓደ ጋዜጠኛ እታ ሃገር ብምኽንያት: ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣመልኪቱ ኣብ ፌስቡክ ብዝልጠፎ ን6 ወርሒ ክእሰር ፈሪዱ።
ጋዜጠኛ ኣብዲኣዚዝ ኣሕመድ ጉርቢየ፡ ንክሲ ሰበብ ዝኾኖ ልጣፍ ፌስቡክ፡ መንግስቲ ሶማልያ ንኮሮናቫይረስ ዝሃቦ ምላሽ ዝነቅፍ ከምዝኾነ ተገሊጹ።
ጉርቢየ፡ ጉብጁግ ሚድያ ግሩፕ ናይ ዝተብሃለ ትካል ሚድያ ዋና ኣሰናዳኢን ምክትል ዳይሬክተርን እዩ ነይሩ።
ናይ ሕሶት ዜና ብምቅላሕን፡ መንግስታዊ ምሕደራ እታ ሃገር ብምጽራፍን እዩ ተኸሲሱ።
እቲ ጋዜጠኛ፡ ናብ ማእከላዊ ቤት ማእሰርቲ ሞቃዲሾ ከም ዝተመሓላለፈ ድማ ተገሊጹ።
ጠባቓ እቲ ጋዜጠኛ ግን፡ እቲ ዝተውሃበ ፍርዲ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ስራሕ ዘየለ መቕጽዒ ሕጊ ገበን መሰረት ዝገበረ ከምዝኾነ እዩ ዝዛረብ።
ዓለማዊ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ሂዩማን ራይትስ ዎችን ሲፒጀይን፡ ነቲ ስጉምቲ ኮኒኖምዎ ኣለዉ።
እቲ ጉዳይ፡ ክሲ እቲ ጋዜጠኛ ንኣዋርሕ ከዘራርብ ዝቐነየ ዓብዪ ጉዳይ እዩ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







