ሶማልያ ዕስለ ኣንበጣ ንምምካት ሃገራዊ ኣዋጅ ህፁፅ ግዜ ኣዊጃ

ሕቡራት ሃገራት እዚ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ኩነታት ኣብ ውሽጢ 25 ዓመታት ተራእዩ ዘይፈልጥ እቲ ዝኸፍአ ተርእዮ ከምዝኾነ ገሊፁ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ሕቡራት ሃገራት እዚ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ኩነታት ኣብ ውሽጢ 25 ዓመታት ተራእዩ ዘይፈልጥ እቲ ዝኸፍአ ተርእዮ ከምዝኾነ ገሊፁ

ሚኒስትሪ ሕርሻ ሶማልያ፡ ዝተፈላለየ ዘራእትን ኣትክልትን ዘዕኑ ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ድሕንነት ምግቢ ሶማልያ ሓደጋ ፈጢሩ ምህለው ሓቢራ።

እቲ ዕስለ ኣንበጣ፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ምህርቲ እታ ሃገር ቅድሚ ምእካቡ ንምቁጽጻሩ ከቢድ ክኸውን ከምዝኽእል እቲ ሚኒስተር ገሊፁ።

ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ኣብ ሶማልያን ኢትዮጵያን ተራእዩ ዘሎ ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ውሽጢ 25 ዓመት ታሪኽ እተን ሃገራት ተራእዩ ከምዘይፈልጥ ሓቢሩ።

ትካል ምግቢ ዓለም (FAO)፡ ጎረቤት ሃገር ኬንያ እውን ድሕሪ 70 ዓመት ከምዚ ዝኣመሰለ ወራር ኣንበጣ ከምዘጋጠማ ሓቢሩ።

እዚ ኣንበጣ ከስዕቦ ዝኽእል ሓደጋ ኣብ ግምት ብምእታው ሃገራዊ ሓደጋ ብምባል ኣዋጅ ህፁፅ ግዜ ዝኣወጀት ግና፡ ሶማልያ ጥራሕ እያ።

ኣብዚ እዋን ኣብ ሶማልያ ብ ዘሎ ፀገም ፀጥታ፡ ብነፋሪት ፀረ-ኣንበጣ ኬሚካል ምንፃግ ከቢድ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ፡ ትካል ምግቢ ዓለም፡ እቲ ተራእዩ ዘሎ ኣንበጣ ብ500 ግዜ ክራባሕ ከምዝኽእል ብምሕባር፡ ዓለም-ለኻዊ ድጋፍ ክግበር ፀዊዑ ነይሩ።

ካብ የመን ብቐይሕ ባሕሪ ኣቢሉ ናብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝተዘርገሐ እዚ ዕስለ፡ ኣብ ሰዓት 150 ኪሎሜትር ክጓዓዝ ዓቕሚ ኣለዎ።

ሓደ ዕብየቱ ዝወድአ ኣንበጣ፡ ኣብ መዓልቲ ክንዲ ክብደቱ ቖጽልን ዘራእትን ክምገብ ይኽእል።

ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ፡ ሶማልያውያን ነቲ ዕስለ ኣንበጣ ብምምጋብ ይምክትዎ ከምዘለዉ፡ መዘራረቢ መራኸቢ ብዙሓን ኮይኑ ምንባሩ ይዝከር።