ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማልያ ነበር ኣብ ቱርኪ ሞይቱ

ሓሰን ኣብሺር ፋራሕ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማልያ ነበር፡ ሓሰን ኣብሺር ፋራሕ ኣብ ቱርኪ ከም ዝዓረፈ ተፈሊጡ።

እቲ ኣብ መበል 75 ዓመቱ ዝሞተ ፋራሕ፡ ካብ 2001 ክሳብ 2003 ኣብ ትሕቲ ግዝያዊ ፕረዚደንት ነበር ዓብደልቃስም ሳላት ሓሰን ከም ቀዳማይ ሚኒስተር ዘገልገለ’ዩ ነይሩ።

ኣብ 1970ታት እውን፡ ከንቲባ ርእሰከተማ ሞቓድሾ ከም ዝነበረ ይፍለጥ።

ኣብ ስልጣን ዘሎ ፕረዚደንት ዓብዱላሂ ፋርማጆ፡ ሞቱ ብወግዒ ኣብ ዝገለጸሉ ኣጋጣሚ፡ ኣብ “ምሕደራን ምዕባለን ሶማልያ እወታዊ ተራ” ዝተጻወተ’ዩ ክብል ገሊጹዎ።

መንግስቲ ወግዓዊ ስነስርዓት ቀብሪ ንምክያድ ሓደ ሽማገለ ኣቚሙ ከምዘሎ’ኳ እንተሓበረ፡ ስነስርዓት ቀብሩ መዓስ ከም ዝፍጸም ግን ኣይገለጸን።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ፕረዚደንት ናይታ ርእሰ-ምምሕዳር ዘለዋ ዞባ ፑንትላንድ ነበር፡ ኣብዲ ሓሺ እውን፡ ኣብ ናይሮቢ፡ ኬንያ ሞይቱ’ሎ።

ንሱ፡ ፈለማ ምክትል ፕረዚደንት ናይታ ዞባ፡ ቀጺሉ ድማ ካብ 2004 ክሳብ 2005 ፕረዚደንት ዝነበረን እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ፡ ካልእ ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማልያ ነበር ብሰንኪ ሕማም ኮሮናቫይረስ ኣብ ለንደን ከም ዝዓረፈ ይዝከር።

ወዲ 83 ዝነበረ ኑር ሓሰን ሑሴን፡ ካብ 2007 ክሳብ 2009 ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ዘገልገለ’ዩ።