ሓደ ወተሃደር ኣሜሪካ ኣብ ሶማልያ ተቐቲሉ

ዕጡቃት ሓይልታት ኣልሻባብ ኣብ ኢላሻ ሶማልያ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ዕጡቃት ሓይልታት ኣልሻባብ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ሶማልያ ኣብ ዘካየድዎ መጥቃዕቲ ሓደ ወተሃደር ኣሜሪካ ከምዝቐተሉ ሰብ-ስልጣን ኣሜሪካ ሓቢሮም።

በቲ መጥቃዕቲ ሓደ ሶማላዊ ወተሃደር ዝርከብዎም 4ተ ወተሃደራት ኣሜሪካ ካምዝተጎድኡን ምኒስትሪ ምክልኻል ኣሜሪካ ብተወሳኺ ኣረዲኡ።

ወተሃደራት ኣመሪካ ጎኒ ጎኒ ወተሃደራት ሶማልያ ይንቀሳቐሱ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን'ዩ እቲ መጥቃዕቲ ተኻይዱ።

እዚ ድሕሪ'ቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ኒጀር ዝፍጸም ዘሎ ክስተት ኮይኑ፤ ዕጡቓት ሓይልታት ኣልሻባብ ፈኩስቲ ብረትን ሞርታራትን ተጠቒሞም ነቲ መጥቃዕቲ ከምዘካየድዎ ሰብ-ስልጣን ምክልኻል ኣሜሪካ ብምጥቃስ ኒውዮርክ ታይምስ ኣፍሊጡ።

ሰራዊት ኣመሪካ ከም ኣማኸርትን ተሓጋገዝተን ኮይኖም ምስ ሰራዊት ሶማልያ ከምዝሰርሑ የረድኡ።

መራሕቲ ኣመሪካ ድሕሪ'ቲ ብ1993 ሞት 18 ወተሃደራት ኣሜሪካ ዘስዓበ ውግእ፡ ኣብ ሶማልያ ጣልቃ ምእታው ብጥንቓቀ እዮም ዝርእይዎ።

እነተኾነ፡ ፕረስደንት ትራምፕ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ኣመሪካ ኣንጻር ዕጡቓት ሓይልታት ኣልሻባብ ኣስፊሕዎ'ዩ።

ዕጡቃት ሓይልታት ኣልሻባብ ካብ ርእሰ ከተማ ሞቃድሾ ኣብ ነሐሰ 2011 ብወተሃደራት ኣፍሪቃዊ ሕብረት ተደፉኦም ከምዝወጹ ይፍለጥ።

ኣልሻባብ ኣብ ገለ ከባብታት እታ ርእሰ ከተማ ህላወ ከምዘለዎም ይንገር።