መንግስቲ ኢትዮጵያ ጋዜጠኛታት ምእሳሩን ኢንተርኔት ምዕጻዉን ሲፔጄ ኮኒንዎ

ንመሰል ጋዜጠኛታት ዝሕለቕ ዓለማዊ ትካል ሲፒጄ

ምንጪ ስእሊ, cpj

ንመሰል ጋዜጠኛታት ዝሕለቕ ዓለማዊ ትካል ሲፒጄ፡ ድሕሪ ቅትለት ውሩይ ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ፡ ተቓውሞታት ምስተልዓሉ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝወሰዶም ስጉምትታት ምዕጻው ኢንትርኔትን ምእሳር ጋዜጠኛታትን ኮኒኑ።

እቲ ዓለማዊ ትካል፡ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ‘ብደረጃ ሃገር’ ምቁራፁ፡ ሓይልታት ጸጥታ ናብ መደብር ቴሌቪዥን ኦኤምኤን ብሃንደበት ኣትዮም ሰባት ምእሳሮምን ድሕሪ ምግላጽ፡ ነቲ ኩነታት “ዘሕዝን” ክብል ገሊጽዎ።

“ህዝቢ ዝያዳ እዋናዊ ዜናን ሓበሬታን ኣብ ዝደልየሉ እዋን፡ ሰብመዚ ኢትዮጵያ ቅልውላው ብዝተልዓለ ቁጽሪ ከም’ቲ ቀደሞም ክልከላታት ከንብሩ ምርኣይ ዘሕዝን እዩ” ኢላ ተወካሊት ሲፒጄ ኣብ ትሕተ-ሳህራ ኣፍሪቃ፡ ሙቶኪ ሙሞ።

“እቶም ስርሖም እናሰርሑ እንከለዉ ዝተኣሰሩ ጋዜጠኛታት ኦኤምኤን ይፈትሑ፡ ከምኡ’ድማ ኩሎም ጋዜጠኛታት ንውሕስነኦም ከይሰግኡን ናጽነቶም ከይተገፈፉን ነቲ ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞታት ክጽብጽቡ ክኽእሉ ኣለዎም” ድማ ኢላ።

ሲፒጄ ኣብ ኣመሪካ ንዝቕመጥ ኣርታዒ ናይ ኦኤምኤን ኦስማን ኡክሜ ዘዛረቦ ኾይኑ፡ ንሱ ክንደይ ጋዜጠኛታት ተኣሲሮም ከምዘለዉ ኾነ ኣበይ ተኣሲሮም ከምዘለዉ ከምዘይፈልጥ እዩ ገሊጹ።

መደብር ቴሌቪዥን ኦሮሚያ ሚድያ ኔትዎርክ (ኦኤምኤን)፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ጋዜጠኛታቱ ብፖሊስ ፌደራል ከምዝተትሓዙ ትማሊ ሰሉስ ገሊጹ እዩ።

እቲ መደብር ቴሌቪዥን፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ ዝነበሩ ኩሎም ጋዜጠኛታትን ሰራሕተኛታት ቴክኒክን ከምዝተኣሰሩ’ውን እዩ ገሊጹ።

እቲ መደብር ቴሌቪዥን፡ ነቲ ድሕሪ ቅትለት ውሩይ ሙዚቀኛ ሃጫሉ ሁንዴሳ ዝተልዓለ ተቓውሞታት ይጽብጽብ ነይሩ።