ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ማእሰርቲ ጋዜጠኛታት ፕሬስ ኤጀንሲ ከምዘሻቐሎ ገሊጹ

ዳንኤል በቀለ

ምንጪ ስእሊ, Daniel Bekele @Twitter

መግለጺ ስእሊ, ኮሚሽነር፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣይተ ዳንኤል በቀለ

ቅድሚ ሒደት መዓልታት: ኣርባዕተ ጋዜጠኛታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ምንጭታት ንቢቢሲ ገሊጾም።

እቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ጋዜጠኛተት፡ ሃፍቱ ገ/ሄር፣ ጸጋይ ሓዱሽን ኣብርሃ ሓጎስን ንመንግስታዊ ትካል ሚድያ ዝኾነ ኤጀንሲ ፕሬስ ኢትዮጵያ ዝሰርሑ ኾይኖም ናብ ቤት ማእሰርቲ ማእከላዊ ከምዝተወስዱ ምፍላጥ ተኻኢሉ።

ራብዓይ ድማ፡ ንኦኤምኤን ዝሰርሕ ጋዜጠኛ ኡዲ ሙሳ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን 'ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ' ተፈሊጡ።

ዋና ኮሚሽነር፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣይተ ዳንኤል በቀለ፡ "ሕዚ'ውን ናይዞም ጋዜጠኛታት ማእሰርቲ እንትሰምዕ ብዘሻቕል ኩነታት እዩ" ብምባል ኣስማቶም ጸሪሑ፡ ብቅልጡፍ ፍትሒ ክረኽቡ ኣብ ትዊተሩ ሓቲቱ።

እቲ ኮሚሽነር፡ ብምቕጻል "ሕጊ ክኽበረሎምን ብቕልጡፍ ፍትሒ ክረኽቡን ጻውዒት እገብር" ድማ ኢሉ።

እቶም ክልተ ማለት'ውን ሃፍቱ ገ/ሄርን ጸጋይ ሓዱሽን ንኢትዮጵያን ሄራልድ ዝሰርሑ እንትኾኑ ኣብርሃ ሓጎስ ድማ ንግልጋሎት ዓረቢክ ዓል-ዓለም ይሰርሕ።

ቅድም ክብል'ውን ካልእ ንኣዲስ ስታንዳርድ ዝሰርሕ መድሃኔ ዑቕባሚካኤል ዳግማይ ኣብ ቀይዲ ከምዝወዓለ ዝዝከር እዩ።

ገለ ኣባላት ስድራ እቶም ጋዜጠኛታት ነቶም ጋዜጠኛታት ክርእዩ ከምዘይተፈቐደሎም ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ካብ ወገን መንግስቲ ዛጊድ ዝተውሃበ መብርሂ ነገር የለን።

ማእሰርቲ በቃሉ ኣላምረው

ብተመሳሳሊ፡ ሰበስልጠን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ብኣቆጻጽራ ኣውሮጳ 4 ሕዳር ዝኣሰርዎ ጋዜጠኛ በቃሉ ኣላምረው ብቕልጡፍ ክፈትሑ፡ ንመሰል ጋዜጠኛታት ዝቃለስ ሲፒጄ ጸዊዑ።

ኣውሎ ሚድያ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ናይ ብሕቲ ሚድያ ዝሰርሕ ጋዜጠኛ በቃሉ፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት እቲ ትካል ብፖሊስ ተወሲዱ ከምዝተኣሰረ ማኔጂንግ ዳይሬክተር እቲ ትካል ወልደጊዮርጊስ ተኽላይ ገሊጹ።

ጋዜጠኛ በቃሉ ብዘይ ስሩዕ ክስን ንጹር ኩነታትን ከምዝተኣሰረ ዝገለጸ ተወካሊ ሲፒጄ ትሕቲ ሳህራ ኣሪቃ ሙቶኪ ሙሞ፡ እቲ ተግባር ‘‘ነቲ መንግስቲ ኣብዪ ኣሕመድ ቅድም ክብል ዝጀመሮ ምምሕያሽ ነጻነት ሚድያ ንድሕሪት ዝመልስ እዩ’’ ብምባል ነቒፉ።

በዚ ድማ ‘‘ፖሊስ ንበቃሉ ኣላምረው ብዘይ ዝኾነ ክሲ ክፈትሖን፡ ጋዜጠኛታት ብምኽንያት ስረሖም ምእሳር ደው ከብልን ኣለዎ’’ ኢሉ።

ኮምሽን ፖሊስ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብዛዕባ ማእሰርቲ እዚ ጋዜጠኛ ዝኾነ መግለጺ ኣይሃበን።