ጋዜጠኛታት ኢትዮጵያ፡ "ሚዲያ ስምዒታዊ ይኸውን'ሎ"

ምንጪ ስእሊ, MARCO LONGARI
ዶብ ኣልቦ ማሕበር ጋዜጠኛታት ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ ኢትዮጵያን ጋምቢያን፡ ብናጽነት ፕሬስ ምምሕያሽ ዘርኣያ ሃገራት ክብል ይጠቅሰን።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብ ዓለም ናጽነት ፕሬስ እናንቆልቆለ ዝመጽእ ዘሎ ኮይኑ፡ ኣንጻር ናይ ውልቂ ሚዲያታት ተቐሚጦም ዝነበሩ ኣዋጃት ብምልዓል፡ ምንቅስቓስ ሚዲያ ለውጢ ከርኢ ብምግባር፡ ክልቲኤን ሃገራት ብኣብነት ይረቑሐን።
ኣብዚ ዓመት'ዚ ኢትዮጵያ ኣሲራቶም ዝነበረት ጋዜጠኛታት ብምፍትሓ፡ ንቕድሚት ኣርብዓ ተርታ ዘሊላ፡ ካብ መበል 150 ኣብ መበል 110 ተሰሪዓ ትርከብ።
"ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ እሱራት ጋዜጠኛታትን ዓምጸኛታትን ኣብ ምፍታሕን ምክፋት ዝተዓጸዋ መርበባት ሓበሬታን ዝተኸልከላ መራኸብቲ ሓፋሽን ዘርኣዮ ተበግሶ፡ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ዓመት ኣብ ናጽነት ፕሬስ ለውጢ ክመጽእ ገይሩ'ዩ" ኢሉ እቲ ማሕበር።
ብተመሳሳሊ ኣብ ጋምቢያ ዝመጽአ ናይ ኣመራርሓ ለውጢ ኣብ ሚዲያ ምምሕያሽ ክመጽእ ገይሩ'ዩ ዝብል ዶብ ኣልቦ ማሕበር ጋዜጠኛታት፡ "ሓደሽቲ ሚዲያታት ተኸፊተን፣ ኣብ ስደት ዝነበሩን ብሽም ምጥፋእ ገበነኛ ተባሂሎም ዝነበሩን ጋዜጠኛታት ናብ ኣዶም ተመሊሶም'ዮም"።
ገለ ሃገራት ኣፍሪቃ ምምሕያሽ እንተርኣያ'ውን ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ዝርከቡ ጋዜጠኛታት ግን፡ ግህሰት ይበጽሖም ኣሎ ብምባል፡ ሞያ ጋዜጠኝነት 'ሓደጋ' ኣንጸላሊዩዎ ኣሎ ኢሉ።
ቅትለት ጋዜጠኛ ምርመራ ማልታ ዳፍኒ ካሩዋና ጋሊዚያ፣ ጋዜጠኛ ስሎቫኪያ ጃን ኩሲክን ሕጽይቱ ማርቲና ኩስኒሮቫን፣ ጭካኔ ዝተመልኦ ቅትለት ስዑዳዊ ጋዜጠኛ ጀማል ካሾግጂን ብኣብነት ብምትቃስ፡ ድሕነት ጋዜጠኛታት ኣብ ሓደጋ ምህላው ዘመላኽት ምንቁልቋል ናጽነት ፕሬስ ኣሎ ይብል።
ሚዲያን ሞያ ጋዜጠኝነትን ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ለውጢ ኣርእያ'ያ ናይ ዝተብሃለት ኢትዮጵያ ግን ኣብ ኣየናይ ብርኪ'ዩ ዘሎ ምባል ይከኣል?

ለውጥን መልክዕ ሚዲያን
ዓለማዊ መዓልቲ ናጽነት ሚዲያ እዚ ዓመት ኢትዮጵያ ዘአንገደቶ ኮይኑ፡ ሚዲያ ኣብ ምርጫን ኣብ ህንጸት ዲሞክራስን ዘለዎ ግደ ንሰለስተ መዓልታት ኣብ ዝተኻየደ መድረኽ ዘተ ተዳህሲሱ'ዩ።
ነባራት ጋዜጠኛታት ፍሬው ኣበበን ስመኝ ይግዛውን፡ ብዛዕባ ናጽነት ሚዲያ ኢትዮጵያ እንተልዕሉ፡ ካብ ሕሉፍ ዓመታት ብዝሓሸ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብዛዕባ ዝርአይ ኣንጻራዊ ለውጢ ይዛረቡ።
ተኣሲሮም ዝነበሩ ጋዜጠኛታት ተፈቲሖም፣ ተሰዲዶም ዝነበሩ ድማ ናብ ኣዶም ተመሊሶም'ዮም። ተኣጊዶም ዝነበሩ ማዕከናት ዜና ድማ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ክሰርሑ ጀሚሮም ኣለው።
እቲ ሚዲያ ብናጽነት ንክንቀሳቐስ ግን እዚኦም ጥራሕ እኹላት ኣይኮኑን ይብል ጋዜጠኛ ፍሬው።
"ቀልጢፍካ ሓበሬታ ናይ ምርካብ መሰል ኣይተለወጠን። እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ሓዊሱ በሩ ንጋዜጠኛታት ክፉት ኣይኮነን፤ እንትደልዩ ጥራሕ ሚዲያታት ንምጥቃም'ዮም ዝጽውዑ" ዝብል ፍሬው፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት'ኳ ክልተ ግዘ ጥራሕ'ዩ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ምስ ጋዘጠኛታት ተራኺቡ ይብል።
ናይ ካልኦት ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ'ውን እንተኾነ፡ "ካብ ሕሉፍ ዝበኣሰ ኮይኑ፡ ምስቲ ዝበሃል ለውጢ ሓቢሩ ዘይኸይድ ኩነታት'ዩ ዘሎ" ኢሉ።
ኣብታ ሃገር ዘሎ ለውጢ ብቐሊሉ ዝርአ ኣይኮነን ዝበለት ጋዜጠኛ ስመኝ ይግዛው ድማ፡ ጋዜጠኛታት ዋጋ ዝኸፈልሉ ግዘ ስለ ዝነበረ ሕጂ ንጋዜጠኛታት ናጽነት ዝተርኣየ ለውጢ ልዑል ቦታ'የ ዝህቦ ትብል።
እዚ ኮይኑ ግን ሞያዊ ሓላፍነት ዝተጸምበሮ ኣገባብ ጸብጻብ ፍጻሜታት ከም ዘይትዕዘብ ትዛረብ።
"መብዛሕትኡ ናብ ስምዒታውነት [ሰንሴሽናል] ዝዘንበለ'ዩ። መንግስቲ ኣንፈት ዘትሕዙ፣ ዝፍትን ፖሊሲኡ ክፍትሽን ከዐርን ዝገብር ጽዕንቶ ዝፈጥሩ ዘይኮኑ፤ ንኣሽቱ ረብሓ ዘይብሎም ኣጀንዳታት ሓቲሞም ዝወጽኡ'ዮም" ክትብል ነቲ ዘሎ ዘይምምጥጣን ትገልጾ።
ንሓላፍነት ጋዜጠኝነት መሰረት ዝገበሩ ድዮም ኢልካ እንተሓቲትካ ድማ፡ "እንሪኦ ነገር ብዙሕ ኣብ ሃገር ብዲሞክራስን ነጻነትን ከዘሰጉም ዝኽእል'ዩ ኢለ ኣይሓስብን' ኢላ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቅድም ኢሎም ናጽነት ፕሬስ ዝፈቕዱ ሕግታት ኣብቲ ሕገ መንግስቲ'ኳ እንተሰፈሩ ንተግባራውነቶም ግን ዓንቀፍቲ ዝኮኑ ነገራት ነይሮም'ዮም ዝብል ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ብሮድካስት ኢትዮጵያ ኣቶ ጌታቸው ድንቁ፡ ጋዜጠኛታት ብዝሰርሑዎ ስራሕ ክእሰሩን ናብ ፍርዲ ክቐርቡን ምጽንሖም ሓቢሩ።
ሚዲያ ናጻ ነይሩ'ዩ ምባል ከም ዝኸብድ ዝገለጸ እቲ ዳይሬክተር፡ ሕጂ ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ፕሬስ ናጽነት ዘርኣየቶ ለውጢ ኣርብዓ ደረጃ ክተመሓይሽ ዝገበረ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ዝመጽአ ዘይተለመደ ለውጢ'ዩ ይብል።
ሕጂ እቶም ዓገትቲ ዝነበሩ ኣዋጃትን ሕግታትን ተኸሊሶም ክመሓየሹ ዝገብር ምድላው ከም ዘሎ ዝሓበረ ኣቶ ጌታቸው፡ በዚ ሚዲያ ናጽነት ረኺቡ ንሕብረተሰብ እወንታዊ ግደ ዘለዎን ሃናጺ ስራሐዕቲ ክሰርሑን ተስፋ ንገብር ኢሉ።
ሚዲያታት ሕጂ ናጽነት እንተረኸቡ'ውን ኣብ ትክክለኛ መገዲ የለውን ንዝብል ርኢይቶ ምላሽ ዝሃበ እቲ ዳይሬክተር፡ "ትዕግስቲ የድሊ'ዩ። እቶም ሚዲያ ብዘድልዮም መገዲ ምሕጋዝ'ውን ካብ መንግስቲ ትጽቢት ዝግበር ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ቀጻሊ ጋዜጠኛታት ንምብቃዕ ዝተትሓዙ መደባት ኣለው" ኢሉ።
በዚ ሓሳብ ዘይትሰማማዕ መምህር ጋዜጠኝነትን ኮሚዩኒኬሽንን ዩኒቨርሲቲ ኣኽሱም ወይዘሮ ኤደን ንጉሰ፡ ሚዲያታት ተዓፊነን መንግስቲ ተቆጻጺርወን'ዩ ዘሎ ዝብል እምነት ከም ዘለዋ ተዛሪባ።
"ሕዚ ዘሎ መንግስቲ ሚዲያ ብጣዕሚ ዝጥቀም'ዩ። እንትርፎ ነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስ እቲ መንግስቲ፡ ሕብረተሰብ ኣበይ ይውዕል'ሎ? ድሌታቱ እንታይ'ዩ? ጸገማቱኸ? ዝብል ኣይንርየሉን ዘለና" ኢላ።
ጋዜጠኝነት እቲ ነጻነት ምስ ሞያዊ ሓላፍነት ክመጽእ እንተዘይክኢሉ፡ እቲ ነጻነት ካልእ ሕማቕ ነገር ክወልድ ይኽእል'ዩ። ሓዊ ዘጉሃህር፣ ግጭት ዘጠንክር፡ እታ ሃገር ናብ ሓደጋ ዘእትዋ ከይኸውን ይሰግእ'የ።
ካብዚ ብምብጋስ፡ እተን ሚዲያ ዓቕመን [ቑጠባዊ] ዘዕብያሉ ኩነታት ፈጢረን ዓርሰን ክኽእላ ኣለወን እትብል ወይዘሮ ኤደን፡ ሰራሕተኛታት'ውን ኣብ መጽናዕቲ ዝተደረኹ መደባት ክሰርሑ ኣለዎም ዝብል ሓሳብ ኣለዋ።
ንሚዲያ ዝከውን ለውጢ ኣሎ እዩ ዝበለት ጋዜጠና ስመኝ ግን፤ እቲ ዝመጽአ ለውጢ ተጠቒምካ፡ ሓላፍነት ዘለዎ ስራሕ ምስራሕ ብጽሒት ሰብ ሞያ መራኸብቲ ሓፋሽን ጋዜጠኛታትን'ዩ።
"ሕጂ ዘሎ ኣካይዳ ሚዲያታት፡ ግጭት እንትልዓል እክብ ኢልካ ንሳ ምትሓዝ'ዩ ዘሎ እምበር፡ ሓበሬታ ኣጭኒኻ ምስራሕ የለን። እቲ ክፍተት ኣብ ሰብ ሞያ ሚዲያ'ዩ ዘሎ"።
ኣብ ሞንጎ መንግስትን ሚዲያን ዘሎ ምትእምማን በቲ ዝድለ ደረጀ'ዩ ኢለ ኣይኣምንነ ዝበለ ጋዜጠኛ ፍሬው ድማ፡ "ካብ ክሳድ ንላዕሊ ነቲ ሚዲያ ክሕግዝ'የ ኢሉ መንግስቲ ቃል ይኣቱ፤ እንተኾነ ኣብ ተግባር ኣይርአን" ብምባል ጌና ክመሓየሽ ዝግብኦ ነገር ምህላዩ ገሊጹ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







