ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልተ ትካላት ሚድያ ዝሰርሑ 15 ሰብ ሞያ ከምዝተኣሰሩ ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Gerasimov174
ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ኣብ ክልተ ትካላት ሚድያ ንዝሰርሑ 15 ሰብ ሞያ ሚድያ ኣብ ቀይዲ ከምዝእተዉ ንመሰል ጋዜጠኛታት ዝሕለቕ ትካል ሲፒጄ ገሊጹ፡፡
ሲፒጄ ትማሊ ኣብ ዘውጸኢ መግለጺ፡ መንግስቲ ኣብ ቀረባ መዓልቲታት ዝኣሰሮም ጋዜጠኛታትን ሰብ ሞያ ሚድያን ብቕልጡፍ ክፈትሖምን ኣብ ልዕሊ ሰብ ሞያ ዘብጸሖ ዘሎ ጸቕጢ ደው ከብልን ሓቲቱ፡፡
ማሕበር ሰብ ሞያ ሚድያ ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ኣብ ኣውሎ ሚድያን ኢትዮ ፎረምን ዝሰርሑ ሰብሞያ ኣብ ቀይዲ ምእታዎም ሓበሬታ ከምዝበጸሖን፡ እቶም ሰብ ሞያ ብዛዕባ ዝተትሓዙሉ ኣገባብን ዘለዉዎ ኩነታትን ካብ ዝምልከቶም ኣካላት ሓበሬታ ንምርካብ ይጽዕር ኣለኹ ኢሉ፡፡
ሲፒጄ ብኣቆጻጽራ ግእዝ 30 ሰነ 2021 (23 ሰነ 2013 ዓመተ ምህረት) ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ፖሊስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ኣውሎ ሚድያ ብሓይሊ ከምዝኣተወን 12 ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ከምዝኣሰረን ነቲ ጉዳይ ብቕርበት ካብ ዝፈልጡ ሰባት ሰሚዐ ኢሉ፡፡
እቶም ቅድሚ መዓልቲታት ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ሰብሞያ ሚድያ፡ ዛጊት ናብ ቤት ፍርዲ ከምዘይቀረቡን መእሰሪኦም ምኽንያት እንታይ ከምዝኾነ ከምዘይተነገሮምን ሲፒጄ ይሕብር፡፡
ብተመሳሳሊ ኢትዮ ፎረም ኣብ ዝተባህለ ናይ ዩትዩብ ቻናል ዜናን ትንታነን ዘቕርቡ ዝነበሩ ኣበበ ባዩን ያየሰው ሽመልስን ዝተባህሉ ሰብሞያ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ፖሊስ ከምዝኣተዉ እቲ ትኩል ገሊጹ፡፡
ኣተሓባባሪት ፕሮግራም ሲፒጄ ኣፍሪቃ ኣንጄላ ኩይንታል "ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ማእከላት ኣውሎ ሚድያን ኢትፎረምን ብቕልጡፍ ክፈትሑ ኣለዎም'' ኢላ፡፡
ማሕበር ሰብ ሞያ ሚድያ ኢትዮጵያ ብወገኑ ''ዋላኳ ኣብ ማእሰርቲ እቶም ጋዜጠኛታት እኹል ሓበሬታ ክንረክብ'ኳ እንተዘይከኣልና፡ እቶም ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ዝምልከቶ ኣካል ዝርከቡ ሰብ ሞያ፡ ብቕልጡፍ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ፣ ድጋፍ ሕጊ ክረኽቡን ምስ ዝብጽሑዎም ሰባት ናይ ምርኻብ መሰሎም ክኽበርን ጻውዒት ነቕርብ'' ኢሉ፡፡





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







