ቅልውላው ትግራይ፡ ሓይልታት ትግራይ ብኣዋጅ ክተት መንግስቲ ኢትዮጵያ ንድሕሪት ከምዘለይምለሱ ገሊጾም

ኣባል ማእከላይ ኮማንድን ወሃቢ ቃል ህወሓትን ጌታቸው ረዳ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣባል ማእከላይ ኮማንድን ወሃቢ ቃል ህወሓትን ጌታቸው ረዳ፤ ሓይልታት ትግራይ ናብ ኣዲስ ኣበባ'ውን ዝወስዶም ኩነታት እንተሃለወ ምስ ኣንጻር ሰራዊት ኢትዮጵያን መላፍንቱ ሓይልታትን ውግእ ከም ዝቕጽሉ ተዛሪቡ።

ኣይተ ጌታቸው፡ ትማሊ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ዕላማ ሓይልታቱ ብምኽንያት እቲ ንትሸዓተ ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኲናት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘሎ ዕግታን ምቁራጽ ሰብኣዊ ረድኤትን ንከብቅዕ ኣብ ልዕሊ ማእከላይ መንግስቲ ጸቕጢ ንምፍጣር ከም ዝኾነ ገሊጹ። መንግስቲ ግን ናብቲ ክልል ክበጽሕ ዝግብኦ ረድኤት ከም ዘየቋረጸ ይገልጽ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣመሪካ ሓይልታት ትግራይ ካብቲ ኣትዮምዎ ዘለው ከባቢታት ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ክወጽኡ ጸዊዓ ነይራ።

ሓይልታት ትግራይ ግን ኣብዚ ሕጂ እዋን ዓበይቲ ዓወታት ይጎናጸፉ ከም ዘለው ብምግላጽ ሕጂ ድማ ንስትራቴጂካዊት ከተማ ክልል ኣምሓራ ዝኾነት ወልዲያ ከም ዝተቖጻጸሩ ይገልጹ ኣለው።

መንግስቲ፡ ንህወሓት ኣብ መዝገብ ግብረ ሽበራ ከም ዘስፈሮ ይፍለጥ። ህወሓት ግን ንመንግስቲ ትግራይ ዝምእዝን ሕጋዊ ሰልፊ ከም ዝኾነ ይምጉት።

ብሰሉስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዓቕሚ ዘለዎ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወጻእን ዝነብር ኢትዮጵያዊ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ክቃለስ ክኸትት ጸዊዑ እዩ።

ጋዜጠኛ ቢቢሲ ካትሪን ቢያሩንጋ፡ ምስ ኣቶ ጌታቸው ካብ ዝገበረቶ ሰፊሕ ቃለ መሐትት ገለ ክፋሉ እነሆ።

2px presentational grey line

ቢቢሲ፡ ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብዪ ኣሕመድ ዓቕሙ ዝፈቕደሉ ኩሉ ናብ ሰራዊት ተጸምቢሩ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ክዋጋእ ሃገራዊ ጻውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ፤ ነዚ ምላሽካ እንታይ እዩ?

ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ሪአዮ እየ። ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ የካይዶ ኣብ ዘሎ ጅምላዊ ጨፍጫፍ ኢትዮጵያውያን ንክሳተፉ እዩ ዝሓትት ዘሎ።

ኩሉ ዓይነት ኣጽዋር ኮነ ሓይሊ ይልእኽ እዩ ዘሎ። ካብ ክልላት ዝመጽኡ ሚሊሻታት ኮነ ፍሉይ ሓይሊታት 'ኣብ ትግራይ ዘሎ ውግእ ቀሊል እዩ' ተባሂሉ እዩ ዝንገሮም። ሰራዊቱ እንተኾነ ክልተ ግዜ ተደምሲሱ እዩ።

እቶም ካብ ክልላት ዝመጽኡ ፍሉይ ሓይልታት ድማ፡ ነናብ ዝመጽአዎ ክንመልሶም ክኢልና ኣለና።

እቶም ምልሻታት ግቡእ ስልጣኑ ዝወሰዱ ኣይኮኑን፤ እኹል ዕጥቂ'ውን የብሎምን። ሕዚ'ውን ብኣማኢቲ ኣሸሓት ዝቑጸሩ ሰባት ምስላፍ ኣብዚ ትርጉም ዘይብሉ ኲናት ክሞቱ ምፍቃድ እዩ።

ከም በዓል ኣብዪ ዝኣመሰሉ መራሕቲ ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ተባሂሉ፡ ዕጫ ናይታ ሃገር'ውን ኣብ ሕቶ እዩ ዝኣቱ ዘሎ።

ኣዝዩ እዩ ዘሕዝን። ዛጊድ ተኹሲ ጠጠው ኣቢሉ ከምዘሎ እዩ ዝዛረብ ዘሎ። ግን፡ ይዋጋእ እዩ ዘሎ።

ኣብዚ እዋን ካብ ሰሜን ኮነ ካብ ደቡብ እዝ ዝተመልመሉ ወተሃደራት፡ ኣብ'ቲ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ይማረኹ እዮም ዘለዉ፤ እንሕብሕቦም ኢና ዘለና። ንዝተረፈ ኢትዮጵያዊ፡ ናይ ምውጋእ ዕድል ከምዘሎ ይዛረብ ኣሎ። ብዙሕ ሞት እዩ ዝደሊ ዘሎ። ንሱ ኣብ ስልጣን ንኽነብር፡ ብዙሕ ደም ምፍሳስ ይደሊ ኣሎ። እዚይ እየ ክብለኪ ዝኽእል።

ቢቢሲ፡ መንግስቲ ዘካይዶ ወፍሪ 'ምጽናት ዓሌት እዩ' እናበልካ ዲኻ?

ጌታቸው ረዳ፡ እወ ወፍሪ ምጽናት ዓሌት እዩ።

ቢቢሲ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን እቲ ውግእ ምስ ህዝቢ ትግራይ ዘይኮነስ፤ ምስ ህወሓት እዩ ዝብል ዘሎ፡ እንታይ እዩ መልስኻ?

አቶ ጌታቸው፡ ከምቲ ንስኺ ዝበልክዮ እቲ ውግእ ምስ ህወሓት እንተዝኸውን ነይሩ፡ ቅድሚ ኣዋርሕ ተወዲኡ ምሃለወ። ኣብዪ፡ ንህዝቢ ትግራይ ንምምብርካኽ ዝኽእሎ ኩሉ እዩ ገይሩ። ከም በዓል ኢሳይያስ አፈወርቂን ካልኦትን ዓዲሙ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ገና ዘይተነግረ ቃንዛ እዩ ኣብጺሑ። ሓይልታት ኣምሓራ ኣካል እዚ ወፍሪ 'ምጽናት ዓሌት' እዮም።

ንወተሃደራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣውጺእና፤ ኣብዛሓ ግዝኣት ትግራይ መሊስና ምቁጽጻር ክኢልና ኣለና። እንተኾነ፤ ሕዚ'ውን ኣብዪ፡ ንትግራይ ኣብ ክባ ምእታው ቀጺልሉ እዩ ዘሎ። ንትግራይ ዝዋጋእ ዘሎ፡ ንኹሉ መንገድታት ዓጽዩ እዩ።

ኣገልግሎት ስልኪ፡ መብራህረቲ፤ ሰብኣዊ ረድኤት ኩሉ ዓጽዩ ቀሊል ክኾነሉ ሓሲቡ። ዝኸኣሎ ኩሉ ገይሩ እዩ። ነዚ ኢና፡ ድማ ቅድመ ኩነታት ኣቕሚጥና፡ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ተነቢሩ ዘሎ ዕጽዋ ክሳብ ዝኽፈት ክንዋጋእ ኢና ንብል ዘለና።

ቢቢሲ፡ ነገር ግን እቲ ኲናት ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓርን ኣዝሊቕክምዎ ኢኹም ዘለኹም፤ ንላሊበላ ተቖጻጺርኩም ክሳብ ወልድያ ኣብጺሕኽምዎ ኣለኹም?

ቶ ጌታቸው፡ ወልዲያ ኣብ ቀይዲ ኣእቲናያ ኢና።

ቢቢሲ፡ እቲ ኲናት ምስፍፋሕ ብኸመይ እዩ ነቲ ክባ ዘኽፍቶ?

ቶ ጌታቸው፡ ተዋጊእና ነቲ ሰራዊት ኢና ነዳኽም ዘለና። ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ መከራ ዘውርዱ ዘለዉ፡ ሓይልታት ኣብዪን ኣምሓራን እዮም ። እቲ ኣፈ ሙዝ ከምዘይትኩስ ክንገብሮ ኣለና። ናብ ዝኸድዎ ብምስዓብ ኢና እቲ ኣፈሙዝ ጸጥ ክነብሎ እንኽእል። ኩሉ ነገር ገይርና እዚ ክነረጋግጽ ኣለና። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይኹን ክልል ኣምሓራ፡ ናብ ህዝብና፣ ኣሕዋተይን ኣዴታተይን ዘቕነዓ ኣፈሙዝ ክሳብ ዝዕበሳ ኣብ ኩሉ ክንቃለሶም ኢና። ካብዚ ዝሓላፈ ካልእ ዓላማ የብልናን፤ ግዝኣት ናይ ምስፋሕ ድሌት የብልናን። ነቲ ኲናት ናይ ምስፍፋሕ ድሌት'ውን የብልናን። ኣብዪ ኣሕመድ እዩ፤ ነቲ ኲናት ዘስፈሖ ዘሎ። ኩሎም ዓሌታት ዝሳተፍሉ ኲናት ንምግባር ይጽዕር ኣሎ። ካብኡ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝኸፈቶ ዓሌት ናይ ምጽናት ወፍሪ፤ ኩሉ ክሳተፈሉ እዩ ዝገብር ዘሎ። ንሕና ንህዝቢ ኢትዮጵያ ንብሎ ዘለና፡ ንኣብዪ ዓይነት ውልቀ ሰብ ኢልኩም ህይወትኩም ኣይትስኣኑ ዝብል እዩ።

ንሕና ግን፡ እቲ ኣፈሙዝ ጸጥ ከይበለ፤ ኣብ ዝኾነ ይኹን ቦታ ውግእ ጠጠው ኣይነብልን።

ቢቢሲ፡ እዚ ጎንጺ ክሳብ ኣበይ ኢኹም ክተብጽሕዎ፤ ኣዲስ ኣበባ ንምእታው ድሌት ኣለኩም ድዩ ?

አቶ ጌታቸው፡ ኣብዪ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝረኸብናዯ ዓወት ንምምላስ፤ ሕልሚ ክሳብ ዘለዎ፡ ንድሕነት ህዝብና ክንብል ክሳብ ዝኸኣልናዮ ርሕቐት ክንጓዓዝ ኢና። ሕዚ'ውን ሓይልታት ኤርትራ፡ ድሕነትን ጸጥታን ህዝብና ንሓደጋ ኣሳጢሖምዎ እዮም ዘለዉ።

እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ተነቢሩ ዘሎ ክባ ክሳብ ዝስበር፥ ዘይተገደበ ሰብኣዊ ረድኤት ዝርከበሉ መገዲ ክሳብ ዝረጋገጽን፥ ህዝብና ዕጭኡ ክሳብ ዝውስን፡ ክንቅጽል ኢና።

ቢቢሲ፡ እዚ ማለት ዕልዋ መንግስቲ መንግስቲ ወይድማ ቀዳማይ ኒስተር ኣብዪ ብጉልበት ካብ ስልጣን ምውራድ ይሓውስ ማለት ድዩ?

ቶ ጌታቸው፡ ሐቂ ንምዝራብ፤ እዚ ናትና ትልሚ ኣይኮነን። እንተኾነ ግን፡ ሓይልታትና ዓላማ ንምዕዋት ኣብ ወተሃደራዊ ወፍሮም፡ ንኣብዪ ካብ ስልጣን ኣንተኣልዮምዎ፡ ነቲ ኩነታት ጽቡቕ ኣጋጣሚ እዩ ዝፈጥር።

ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ብዘይ ኣብዪ ከምዝሓሾ እየ ዝኣምን። እንተኾነ ኣብዪ ካብ ስልጣን ምእላይ ናትና ሓላፍነት ኣይኮነን።

ቢቢሲ፡ ብመሰረት ሓበሬታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ምስ ምስፍፋሕ እቲ ኲናት ተዛሚዱ፡ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን፡ ልዕሊ 250 ሽሕ ሰብ ተመዛቢሉ ኣሎ። ኣመሪካ ድማ፡ ምስዚ ብምትእስሳር፤ ሓይልታት ትግራይ ካብተን ክልላት ክወጽኡ ሓቲታ ኣላ። ስለ ምንታይ ኢኹም ድሌት ሰለማውያን ሰባት ኣብ ግምት ብዘእተወ መልክዑ ዘይትንቀሳቐሱ?

ቶ ጌታቸው፡ ንሕና ኣብ ዝተቖጻጸርናዮም ከባብታት ረድኤት ንክበጽሕ ንዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ጻውዒት ኣቕሪብና ኢና። ሕቡራት ሃገራት ኮነ ካልኦት ትካላት ረድኤት ሓገዝ ክገብሩ ይኸእሉ እዮም።

ህዝቢ ኣምሓራ፡ ድሕንነቱ ይኹን ጸጥትኡ ብዝትንክፍ መልክዑ ዝሰራሕናዮ ነገር የለን። ምምሕዳሩ ኣየፍረስናን። ህይወቱ በቲ ዝነበሮ እዩ ዝቕጽል ዘሎ፡ ቃልስና ምስ ህዝቢ ኣምሓራ ኣይኮነን።

ኣብ ዝኸድናዮ ኩሉ፡ ህዝቢ ኣምሓራ ዓላማና ተረዲእዎ እዩ። ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ዜጋታት ዘነጻጸረ ዓላማ ከምዘይብልና ተረዲኡ እዩ ዘሎ። ኣብ ትሕተ ቅርጺ ኮነ፡ ኣብ ናብርኡ ዘብጻሕናሉ ተጻራሪ ነገር የለን።

ህዝብታት ኣምሓራን ዓፋርን፡ ከም ኣሕዋትና ህዝቢ ኢና ንሪኦም። ምስ ህዝቢ ዝኾነ ጸገም የብልናን።

'ሓይልታትኩም ካብቶም ክልላት ይውጽኡ' ማለት ግን፡ ኣብዪ መሊሱ፡ ህጻናት ከይተረፉ፡ ዝሰልጠኑን ዘይሰልጠኑን ወተሃደራትን ኣጽኣዋራትን ኣኪቡ ናብ ህዝብና ከሳውሮም ምፍቃድ እዩ ክኸውን። እዚ ክኸውን ኣይንፈቅድን። ህዝብና ካብ ክባ ክሳዕ ዘይወጽአ፡ ቃልሲና ጠጠው ኣይነብልን።

2px presentational grey line

ኣብቲ ንትሸዓተ ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኲናት ትግራይ፡ ኩሎም ወገናት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝፈጸሙ ክግለጽ እንከሎ፡ ብምኽንያት እቲ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ዝልሑኽ ዘሎ ጎንጺ ተመሳሳሊ ቅልውላው ከይፍጠር ይስጋእ።

ማሕበረሰብ ዓለም ድማ፡ ኩሎም ወገናት ተጻብኦታት ደው ኣቢሎም ጸገሞም ብዘተ ክፈትሑን ይጽውዑ።

ድሕሪ ነቲ ጎንጺ፡ ኣብ ትግራይ ገበናት ኲናትን ዘካተተ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ተፈጺሞም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ኣብዚ እዋን ኣብ ትግራይ ልዕሊ 400 ሽሕ ሰባት ንሓደጋ ዓጸቦ ተሳጢሖም ከም ዘለዉ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እንትገልጽ፡ ዩኒሴፍ ብወገኑ ልዕሊ 100 ሽሕ ህጻናት ብሰንኪ ዋሕዲ መግቢ ንሞት ክቃልዑ ከም ዝኽእሉ ኣጠንቂቑ።

ብሰንኪ እቲ እናተስፋፈሐ ዝመጽእ ዘሎ ኲናት ኣብ ክልል ኣምሓራ ልዕሊ 200 ሽሕ ሰባት፡ ኣብ ክልል ዓፋር ድማ ኣስታት 70 ሽሕ ካብ ቤት ንብረቶም ከም ዝተመዛበሉ ጸብጻባት እቲ ክልላት ይሕብሩ።