ሓይልታት ትግራይን ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞን ሓቢሮም ንምስራሕ ከምዝተሰማምዑ ገሊጾም

ምንጪ ስእሊ, AFP
መንግስቲ ኦነግ ሸኔ ኢሉ ዝጽወዖን ንባዕሉ ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞ ኢሉ ዝጽውዕን ጉጅለ ምስ ሓይልታት ትግራይ ንምትሕግጋዝ ከምዝተሰማምዑ ሓለፍቲ እቶም ሓይልታት ኣረጋጊጾም፡፡
መራሒ ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞ ኩምሳ ድሪባ ንኣሶሼትድ ፕረስ፡ መራሒ ህወሓት ደብረ ጽዮን ገብረ ሚካኤል ድማ ንወኪል ዜና ሮይተርስ ከምዝገለጽዎ፡ ሓይልታቶም መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምውዳቕ ምትሕብባር ንምፍጣር ዘተ ከካይዱ ከምዝጸንሑ ኣመልኪቶም፡፡
ቅድም ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ክልቲኦም ሓይልታት ሰላምን ሓድነትን እታ ሃገር ክዘርጉ ሓቢሮም ይሰርሑ ኣለዉ ብምባል ክኸስስ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ድማ ቤት ምኽሪ እታ ሃገር ግብረ ሽበራውያን ኢሉ በይንዎም፡፡
ካብ ዝሓለፉ ቁሩብ ዓመታት ናብዚ ኣብ ምዕራብን ደቡብን ኦሮምያ ከምዝንቀሳቐስ ዝንገረሉ ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞ፡ ብፍላይ ኣብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ምስዝፍጸሙ መጥቃዕቲታት ሽሙ ክለዓል ጸኒሑ እዩ፡፡
ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሩ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኲናት ተጸሚዶም ዝርከቡ ሓይልታት ትግራይ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ደፊኦም ብምእታው ቃልሶም ቀጺሎም ኣለዉ፡፡
ጃል መሮ ተባሂሉ ዝፍለጥ መራሒ ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞ ኩምሳ ድሪባ ‘‘እቲ ሐዚ ዘሎ ብሕታዊ ኣማራጺ፡ በቲ ክዛረብዎ ዝደልዩ ቋንቋ ብምዝራብ፡ ብወታሃደራዊ ሓይሊ ካብ ስልጣን ምውጋድ እዩ’’ ክብል ንኤፒ ተዛሪቡ፡፡
ንሱ ከምዝገለጾ እቲ ስምምዕ ዝተበጸሐ ቅድሚ ሰሙናት ካብ ሓይታት ትግራይ ብዝቐረበሎም ሕቶ መሰረት እዩ፡፡
‘‘ኣንጻር ሓበራዊ ጸላኢና፡ ብፍላይ ወታሃደራዊ ምትሕብባራት ንምግባር ብደረጃ ምርድዳእ ኣብ ስምምዕ በጺሕና ኢና’’ ዝበለ ኩምሳ፡ ናይ ኲናት ሓበሬታታት ብምልውዋጥን ዛጊድ እኳ ጎኒ ንጎኒ ኮይኖም እንተዘይተዋግኡ ኩነታት እንተተፈጢሩ ግና ንምትሕግጋዝን ከምዝተሰማምዑ ሓቢሩ፡፡
ምስ ሮይተርስ ብስልኪ ጻንሒት ዝገበረ ዶ/ር ደብረጽዮን ብወገኑ ምስቲ ጉጅለ ዝርርብ ይካየድ ከምዘሎኳ እንተረጋገጸ ተወሳኺ መብርሂ ግን ኣይሃበን፡፡
ወሃቢ ቃል ህወሓት ጌታቸው ረዳ ብወገኑ ‘‘ኣብ ዝኾነ ሓደ ስምምዕ’’ ንምብጻሕ ስራሕቲ እናተሰርሑ ነይሮም ክብል ንሮይተርስ ገሊጹ፡፡
ብተወሳኺ ‘‘ኣብ ቀጻሊ ዕጫ ኢትዮጵያ ብጽሒት ምስዘለዎም ኣካላት ሓቢርካ ምስራሕ ምንም ሓድሽ ነገር የብሉን’’ ክብል ተዛሪቡ፡፡
ኩምሳ ድሪባ ፖለቲካዊ ምትሕብባር ንምግባር ዝርርብ ይካየድ ከምዘሎ ብምጥቃስ ካልኦት ጉጅለታት እውን ብተመሳሳሊ ኣብቲ ዘተታት ይሳተፉ ከምዘለዉን ‘‘ነቲ ዘሎ መንግስቲ ዝቃወም ዓብዪ ትሕብብር ክኸውን እዩ’’ ክብል ንኣሶሼትድ ፕረስ ተዛሪቡ፡፡
ኣፈኛ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ቢለኔ ስዮም ብኢሜይል ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ ህወሓትን ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞን ብፓርላማ እታ ሃገር ግብረ ሽበራውያን ተባሎም ከምዝተበየኑ ካብ ምግላጽ ወጻእ ዝርዝር መብርሂ ከምዘይሃበት ሮይተርስ ጸብጺቡ፡፡








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







