ኣብ ክልል ዓፋር ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ጉድኣት ከምዝበጽሐ ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ትካል መድሕን ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዩኒሴፍ፡ ኣብ ክልል ዓፋር ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ህጻናት ዝርከብዎም ልዕሊ 200 ሰባት ሞይቶም ዝብል ጸብጻባት ከምዘሰምበዶ ገሊጹ፡፡
ዩኒሴፍ ብዋና ዳይረክተር ሄነሪታ ፎረ ኣቢሉ ብዘውጸኦ መግለጺ፡ ብምኽንያት ኣብቲ ክልል ዘጋጠመ ኲናት ዝተፈናቐሉ ሰባት ተዓቊቦምሎም ኣብ ዝነበሩ ቤት ትምህርትን መደበር ጥዕናን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ልዕሊ 100 ህጻናት ዝርከቡዎም ልዕሊ 200 ሰባት ተቐቲሎም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ኣመልኪቱ።
ኣብ ክልል ዓፋር ዞባ ኣርባዕተ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ከቢድ ብረት፡ ብርክት ዝበሉ ሰባት ከም ዝሞቱን መጉዳእቲ ከም ዝበጽሖምን ሰብ መዚ እቲ ክልልን ምንጭታት ንቢቢሲ ገሊጾም።
ሓላፊ ኮሚዩኒኬሽን ኣቶ ኣሕመድ ኻሎይታ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ብምኽንያት እቲ ኣብቲ ክልል ዝካየድ ዘሎ ውግእ ዝተመዛበሉ ሰባት መጥቃዕቲ ፈጺሞም'ዮም ክብል እንከሎ ነዚ ስዒቡ ድማ ሰላማውያን ሰባት ተቐቲሎም ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
እንተኾነ፡ ወሃቢ ቃል ህወሓት ጌታቸው ሬዳ ብመገዲ ትዊተር ኣቢሉ ኣብ ዘውጽኦ መገለጺ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ክልል ዓፋር መጥቃዕቲ ፈጺሞም ንዝብል ክሲ ነጺጎዎ።
ንሱ ብተወሳኺ፡ ሓይልታት መንግስቲ ብ 5 ነሓሰ 2021 ኣብ ልዕሊ ወታሃደራቶም፡ ጋሊኮማ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ መጥቃዕቲ ከፊቶም ከምዝነበሩን '' ንጽጉማት ዝተዳለወ ቐረብ ዝሓዘ መኽዘን መንግስቲ ኣቃጺሎም ከይዶም'' ክብል ብትዊተር ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ ገሊጹ፡፡
ነቲ ተፈጺሙ ዝተባህለ መጥቓዕቲ ንምጽራይ ድማ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ሓቢሮም ክሰርሑ ፍቓደኛታት ከምዝኾኑ ኣፍሊጡ፡፡
ዩኒሴፍ እንታይ ኢሉ?
ትካል መድሕን ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዩኒሴፍ፡ ኣብ ክልል ዓፋር ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ህጻናት ዝርከብዎም ልዕሊ 200 ሰባት ሞይቶም ዝብል ጸብጻባት ከምዘሰምበዶ ገሊጹ፡፡
ዩኒሴፍ ብዋና ዳይረክተር ሄነሪታ ፎረ ኣቢሉ ብዘውጸኦ መግለጺ፡ ብምኽንያት ኣብቲ ክልል ዘጋጠመ ኲናት ዝተፈናቐሉ ሰባት ተዓቊቦምሎም ኣብ ዝነበሩ ቤት ትምህርትን መደበር ጥዕናን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ልዕሊ 100 ህጻናት ዝርከቡዎም ልዕሊ 200 ሰባት ተቐቲሎም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ኣመልኪቱ።
እቲ ትካል፡ ኣብቲ ብሕጽረት ምግቢ ዝተጠቐዐ ከባቢ ተፈጺሙ ብዝተባህለ መጥቃዕተ፡ ጠቓሚ ቀረብ ምግቢ ከምዝተቓጸለ እውን ሰሚዐ ኢሉ፡፡
ብሰንኪ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሰብኣዊ ቅልውላው እናኣስፋሕፈሐ ይኸይድ ከምዘሎ ዝገለጸ ዩኒሴፍ፡ ''ኩሎም ወገናት ውግእ ደው ከብሉን ብቕልጡፍ ኣብ ሰብኣውነት ዝተመስረተ ተኹሲ ደው ምባል ክትግብሩን ዩኒሴፍ ይጽውዕ'' ኢሉ፡፡
ብተወሳኺ ህጻናት ንምክልኻል፡ ኩሎም ወገናት ዝኽእልዎ ጻዕሪ ከገብሩ እቲ ትካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጸዊዑ፡፡
እንታይ'ዩ ኣጋጢሙ?
ኣብ ክልል ዓፋር ዞባ ኣርባዕተ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ከቢድ ብረት፡ ብርክት ዝበሉ ሰባት ከም ዝሞቱን መጉዳእቲ ከም ዝበጽሖምን ሰብ መዚ እቲ ክልልን ምንጭታት ንቢቢሲ ገሊጾም።
ሓላፊ ኮሚዩኒኬሽን ኣቶ ኣሕመድ ኻሎይታ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ብምኽንያት እቲ ኣብቲ ክልል ዝካየድ ዘሎ ውግእ ዝተመዛበሉ ሰባት መጥቃዕቲ ፈጺሞም'ዮም ክብል እንከሎ ነዚ ስዒቡ ሰላማውያን ሰባት ተቐቲሎም ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ኣካያዲ ስራሕ ሆስፒታል ዱፕቲ ዶክተር መሓመድ ዮሱድ ብወገኑ ኣስታት 40 ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ናብቲ ሆስፒታል ምምጽኦም ተዛሪቡ።
ናብቲ ሆስፒታል ምስ በጽሑ 12 ሰባት ከም ዝሞቱ ዝዛረብ ዶክተር መሓመድ ክልተ ሰባት ድማ ንዝለዓለ ሕክምና ናብ ኣዲስ ኣበባ ተላኢኾም ኢሉ።
ብዛዕባ እዚ ኣብ ልዕሊ መደበር ጥዕና ጋሊኮማ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ህወሓት ዝሃቦ ርኢይቶ የለን።
ኣቶ ኣሕመድ ከም ዝብሎ ግን ኣብ ዞባ ኣርባዕተ ጥራሕ ልዕሊ 76 ሽሕ ሰባት ተመዛቢሎም ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ግዝያዊ መዕቖቢ ቦታታት ከም ዝርከቡ ሓቢሩ።
እቲ ሓላፊ፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ኣብ መደበር ጥዕና ጋሊኮማ ዘዕቐቡ ሰባት እዩ ተፈጺሙ ክብል ከሲሱ።
እቶም ተመዛበልቲ፡ ኣብ ዞባ ፈንቲ ረሱ ድሕሪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ካብ ወረዳታት ያሎን ጎሊናን ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም ኣብ ወረዳ ጎሊና ጋሊኮማ ኣብ እትብሃል መደበር ጥዕናን ቤት ትምህርትን ብግዝያውነት ተዓቊቦም ይርከቡ ተባሂሉ።
ሓላፊ ኮምዩኒኬሽን ኣቶ ኣሕመድ ከም ዝብሎ፡ ኣብ መደበር ጥዕና ጋሊኮማ ልዕሊ 30 ሽሕ ተመዛበልቲ ዝርከቡ ኮይኖም፡ በቲ መጥቃዕቲ "ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮን ህጻናት ጉድኣት በጺሑዎም ኣሎ" ካብ ምባል ወጻእ ቑጽሪ እቶም ግዳያት ኣየነጸረን።
ዶክተር መሓመድ ብወገኑ እቶም ግዳያት ብንጣር ጉድኣት ዝበጽሖም፣ ብትኪ ዝተዓፈኑን ምቅጻል ዘጋጠሞምን'ዮም ክብል ተዛሪቡ።
ኣብቲ ክልል ኣብ ዝርከባ ወረዳታት ያሎ፣ እዋን ኣውራን ኲናት ይካየድ ከም ዘሎ ዝገልጽ ኣቶ ኣሕመድ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ትሕተ ቕርጺ ዕንወት ኣብጺሖም ክብል ይኸስስ።
ኣብቲ መደበር ጥዕና ካብ ፕሮግራም መግቢ ዓለምን መንግስቲ ፌደራልን ዝተረኽበ ናይ ረድኤት እኽሊ ነይሩ'ዩ ዝብል እቲ ሓላፊ እዚ'ውን በቲ ዝበጽሐ መጥቃዕቲ ሙሉእ ንሙሉእ ከም ዝተቓጸለ ሓቢሩ።
መንግስቲ ፌደራል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ 'በይናዊ ' ምቁራጽ ተጻብኦ ከም ዝኣወጀ እኳ እንተገለጸ፡ ሓይልታት ትግራይ ግን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘሎ ዕግታ ክሳብ ዝኽፈት ኲናት ጠጠው ከም ዘየብሉ ገሊጾም።
እቲ ኲናት፡ ሕጂ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ልሒኹ ተወሳኺ ሰብኣዊ ቅልውላው ከይፍጠር ተሰጊኡ ኣሎ።
ኣብ ክልል ኣምሓራ ብምኽንያት እቲ ኲናት ልዕሊ 200 ሽሕ ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ከም ዝተመዛበሉ መንግስቲ እቲ ክልል ምግላጹ ይዝከር።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







