ቅልውላው ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንኣካረይቲ ገዛን ባንክታትን ዝምልከት ሓድሽ መምርሒ ወጺኡ

ምንጪ ስእሊ, ADDIS ABABA CITY PRESS SECRETARY
ኣፈጻጽማ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መላእ ሃገር ዝተኣወጀ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ዝከታተል እዚ፡ ተወሳኺ ሰለስተ ትእዛዛት ኣመሓላሊፉ።
እቲ ኣብ ግንባራት ሰሜንን ደቡብ ወሎን ዝካየድ ዘሎ ጽዑቕ ኲናት ስዒቡ፡ ብፍላይ ሓይልታት ትግራይ ንከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ምቁጽጻሮም ድሕሪ ምግላጾም እዩ እዚ ሓድሽ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ዝተነብረ።
እቲ ኣዋጅ ካብ ዝወጽአሉ ግዜ ጀሚሩ ዘሎ ሃገራዊ ኩነታትን ኣፈጻጽማኡን ትማሊ ዝገምገመ ኾይኑ፡ ኣብ ቐጻሊ ተግባራዊ ዝኾኑ ስጉምታት ወግዓዊ ገይሩ።
በዚ መሰረት ኣብ መስርሕ ኣፈጻጽማ እቲ ኣዋጅ "ዘይሕጋዊ" ውልቀሰባትን ብርክት ዝበለ ብረትን ሒዘ'የ ክብል እንከሎ፡ በዚ ድማ "ጸላኢ ሽም ኣካላት ጸጥታ ከጥፍእ ይንቀሳቐስ ኣሎ" ኢሉ።
በዚ ኣጋጣሚ ክጥቀሙ ዝደልዩ ኣካላት ጸጥታ ከም ዘለው ብምግላጽ "ኣብ ልዕሊ እዚኦም ስጉምቲ ክውሰድ ትእዛዝ ተመሓላሊፉ'ዩ" ኢሉ።
ብተወሳኺ ዝኾነ ይኹን መካረዪ ገዛ፡ መንነት እቲ ተኻራዪ ዝገልጽ ሙሉእ መረዳእታ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ኣብ ጥቕኡ ናብ ዝርከብ መደብር ፖሊስ ከይዱ ንከመዝግብ ትእዛዝ ብምትሕልላፍ፡ እዚ ዘይገበሩ ስጉምቲ ክውሰዶም ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ብኻልእ ወገን "ዘይሕጋዊ" ዝበሎም ውልቀሰባት ካብ ደንብን መምርሕን ሕጋዊ ኣሰራርሓ ብሄራዊ ባንኪ ወጻእ ዝውውር ገንዘብ የካይዱ ኣለው ብምባል፡ ካብቶም ሕጋዊ ኣሰራርሓታት ወጻእ ክንቀሳቐሱ ኣብ ልዕሊ ዝተረኸቡ ባንኪታት ስጉምቲ ክውሰድ ኣለዎ ኢሉ።
ብተወሳኺ ዝኾነ ዝተጭበርበረ ሰነድ መዘዋወሪ ገንዘብ ሒዞም ዝተረኽቡ ውልቀሰባት "ካብቲ ልሙድ ብዝተፈልየ ጥቡቕ ስጉምቲ ክውሰዶም" ዝብል ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ።
ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ኣብ ግንባራት ባቲ -ኣሳጊታ፣ ኣብ መዋስንቲ ከባቢታት ትግራይን ዓፋርን፣ ግንባር ወረዒሉ፣ ኣቀስታ፣ ከሚሴን ማይጸብርን ውግኣት ከም ዝተኻየዱ ሓቢሩ።
ኣብ ክልል ኦሮሚያ ሰሜን ሸዋ፣ ምዕራብ ሸዋ፣ ሆሮጉድሩን ምብራቕ ወለጋን ኣብ ዝርከቡ ገለ ወረዳታት ድማ ፍሉይ ሓይልን ሚሊሻን እቲ ክልል ምስ ፖሊስ ፌደራልን ሰራዊት ምክልኻልን ብዝወሰዱዎ ስጉምቲ "ኣባላት ሸኔ ተደምሲሶም፤ ኣብ ቀይዲ ውዒሎም" ኢሉ።
ኢትዮጵያ፡ ካብ 23 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ጀሚሩ ኣብ መላእ እታ ሃገር ተግባራዊ ዝኸውንን ንሽዱሽተ ወርሒ ዝጸንሕን ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ከም ዝኣወጀት ይፍለጥ።
ነዚ ኣዋጅ ስዒቡ ድማ፤ ሓይልታት ጸጥታ ከተማ ኣዲስ ኣባባ ምስ ህወሓት ርክብ ኣለዎም ዝበሎም ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወ እንተገለጸ'ኳ፡ ተወለድቲ ትግራይ ነበርቲ ኣዲስ ኣባበ ግን ብመንነቶም ማእሰርትን ግፍዕን ይበጽሖም ከምዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







