ቅልውላው ትግራይ፡ ንኢትዮጵያ ዝምልከቱ ልዕሊ 92 ሽሕ ትሕዝቶታት ፌስቡክን ኢንስታግራምን ተኣልዮም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ነቲ ዝዓበየ ማሕበራዊ ሚድያ ፌስቡክን ወናኒ ዝኾነ ሜታ፡ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ንኢትዮጵያ ዝጥምቱ ልዕሊ 92 ሽሕ ኣብ ፌስቡክን ኢንስተግራምን ዝተወዝዑ ትሕዝቶታት ስጉምቲ ከምዝኣለየ ኣፍሊጡ።
እዚኦም፡ መምርሒ ናይ ጽልኣት ዘረባ ዝጥሓሱ ከም ዝኾኑን 98 ሚኢታዊት ብኻልኦት ሪፖርት ከይተገብሩ ከም ዝተበጽሓሎምን ሓቢሩ።
ኩባኒያ ሜታ "ኣብታ ሃገር፡ ንልዕሊ ክልተ ዓመት ዝነበሩ ከበድቲ ግጭታትን ስግኣት ድሕነት ሰባትን ንምሕላው ዘኽእል ሓፈሻዊ ስትራቴጂ ክንትግብር ጸኒሕና ኢና" ይብል።
በዚ መሰረት ቅድሚ ክልተ ዓመት ኢትዮጵያ ናብ ምድብ "ንጎንጽን ዓመጽን ዝለዓለ ተቓላዕቲ'የን ዝተባህላ ሃገራት ተሰጋጊራ እያ" ኢሉ።
ኩባኒያ ሜታ፡ ፖሊሲታት እቲ ትካል ዘየኽብሩ ትሕዝቶታት ብምእላይ፣ መሰል ሓሳብ ብናጽነት ምግላጽ ብምድጋፍን ሰባት ኣብ ኦንላይን ኾኑ ካብኡ ወጻእ ድሕነቶም ንክሕሎን ትኹረት ገይሩ ከም ዝሰርሐ ሓቢሩ።
ኣብታ ሃገር ብዙሓት ቋንቋታት ስለ ዝዝረቡ ግን ብኹለ መዳይ ኣድላዪ ኢሉ ዝሓሰቦ ብሙሉኡ ንክዕወት ከም ዘጸግሞ ሓቢሩ።
ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ግን ሪፖርት ዝቐርበሎምን ዘፈጽመሎምን ሜላታት ከም ዝተመሓየሹ ኣፍሊጡ።
ኣብ ኢትዮጵያ፡ ማእከል እቲ ጎንጺ ዝኾኑን ኣርባዕተ ብቀንዲ ቋንቋታት ትግርኛ፣ ኣምሓርኛ፣ ኣፋን ኦሮሞን ሶማልን ዝወጽኡ ትሕዝቶታት ከም ዝገምገሞም ገሊጹ።
ኢትዮጵያውያን፡ ግህሰታት ዓለምለኻውን ዘቤታውን ሰብአዊ መሰላትን ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብን ክርእዩ ከለው ብቐሊሉ ሪፖርት ዝገብርሉ ሜላ ብምምችቻው እቶም ዝፍጸሙ ግህሰታት ክንምርምሮም ንኽእል ኢና ኢሉ።
ብቋንቋታት ኣምሓርኛ ኮነ ኣፋን ኦሮሞ ዝቃልሑ ናይ ጽልኣት ዘረባታት ሪፖረት ከይተገብሩ ዝፈልጠሉ ቴክኖሎጂ ከም ዘሎ'ውን ገሊጹ።
በዚ ምኽንያት ካብ ወርሒ ግንቦት ክሳብ ጥቅምቲ 2021 ኣብ ዘሎ ግዜ ፖሊሲ እቲ ኩባኒያ ዝጻረሩ ናይ ጽልኣት ዘረባታት ትሕዝቶ ዘለዎም ንኢትዮጵያ ዝምልከቱ ልዕሊ 92 ሽሕ ትሕዝቶታት ፌስቡክን ኢንስታግራምን ስጉምቲ ከም ዝተወስዶም ሓቢሩ።
ብግንቦት 2021፡ ብቋንቋ ኣምሓርኛ ዝተጽሓፉ ንተቓወምቲ ፖለቲከኛታት ወይ ጉጅለታት ዘነኣእሱ ናይ ሓሶት ገጻት ከም ዝኣገደ ገሊጹ።
"ብድሕሪ እዞም ጽሑፋት ዘለው ሰባት ዝተዋደደን ትኽክለኛ ዘይኮነን ናይ መጥቀሚ ሽም ተጠቒሞም ኣብ ምንታይ ከም ዝነብሩ? እንታይ ከም ዝሰርሑ? ከጋግዩ ጽዒሮም እዮም" ኢሉ።
ብመጋቢት 2021 ብተመሳሳሊ ኣብ ግብጺ ኾይኖም ትኹረቶም ንኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ቱርክን ዘነጻጸሩ ገጻት ከም ዝዓጸወ ይዝከር።
ኣብ ቀረባ'ውን ፌስቡክ፡ 'ጎነጽ ዘለዓዕል' ዝበሎ ብቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ዝተጠቀዐ ጽሑፍ ከም ዝኣለዮ ይፍለጥ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚስጢራት ፌስቡክ ዘቃልዐት ሰራሕተኛ እቲ ኩባኒያ ዝነበረት ፍራንሲስ ሃገን፡ ፌስቡክ ኣብ ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ዘለዓዕሉ 'መልእኽታት' ጠጠው ከም ዘየበለ ነቒፋ ተዛሪባ።
ንኮሚቴ ሓገግቲ ኣመሪካ ቃላ ዝሃበት ፍራንሲስ ኣብ ሞንጎ ኣብ ኢትዮጵያን ሚያንማርን ብዝተልዓሉ ጎንጺታት ብፌስቡክ ዝተወዝዑ ሓበሬታታትን ምትእስሳር ተረኺቡ'ዩ ኢላ።
"ስጉምቲ ዘይወስድ እንተኾይኑ ሕዚ እንርእዮም ዘለና ጸግዒ ዝሓዙ ተግባራት ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ከይበጽሑ ይሰግእ። ኣብ ኢትዮጵያን ሚያንማርን እንርእዮም ዘለና ነገራት ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ዝበጽሑን መጀመሪ ዘስግእ ምዕራፍ ታሪኽን'ዮም" ብምባል ገሊጻ።
ፌስቡክ መራሕቲ ጉጅለታት ምልክን ሽበራን ኣብ ጥቕሚ የውዕሉዎ ከም ዘለው ዝገለጸት ፍራንሲስ፡ "ከምዚኦም ዝበሉ መልእኽታት ኣብ ከም ኢትዮጵያ ዝበላ ብብሄር ዝተኸፋፈላ ሃገራት ጎንጺ የልዕሉ ኣለው" ክትብል ኣብሪሃ።
ወሃቢ ቃል ፌስቡክ ኣንዲ ስቶን ግን ብትዊተር ኣብ ዝሃቦ መልሲ ፍራንሲስ ኣብቲ ትካል ንኽልተ ዓመታት ከም ዝሰርሐት ብምግላጽ ብቐጥታ ናይቲ ኩባኒያ ጸብጻባት እትረኽበሉ መገዲ ኣይነበራን ምባሉ ይዝከር።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







