ማሕበራዊ ሚድያ፡ ፌስቡክ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ 9 ቢልዮን ዶላር ከሲቡ ተባሂሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ልሒኾም ካብ ዝወጽኡ ዓለምለኻዊ ሰነዳት ብዝተረኸበ ሓበሬታ፡ ንኣደዳ ነቔፌታ ተቓሊዑ ዘሎ ፌስቤክ ኣብ ሳልሳይ ርብዒ ዓመት ናይ 2021 ልዕሊ ትጽቢት መኽሰብ ከምዝገሓጠ ኣረጋጊጾም።
እዚ ዓርሞሽሽ ትካል ማሕበራዊ ሚድያ፡ ካብ ወርሒ ሓምለ ክሳብ መስከረም ኣብ ዝነበረ ሰለስተ ኣዋርሕ 9 ቢልዮን ዶላር ምርካቡ ክረጋገጽ እንከሎ፡ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ናይ ዝሓለፈ ዓመት 7.8 ቢልዮን ዶላር ጥራይ'ዩ ረኺቡ ነይሩ።
እንተኾነ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ህዝቢ ዝቐረበት ኣፕል ኣይኦኤስ 14 ኣብ ውሽጢ መተግበሪታቱ ብዝገበሮ ምምሕያሻት፡ ፌስ ቡክ ናብ ፍሉያት ዓማዊሉ መወዓዋዒታት ከይገብር ዕንቅፋት ኮይንዎ እዩ።
ፌስ ቡክ ክሳብ ክንድዚ መኽሰብ ክግሕጥ ዝኸኣለ፡ ሓንቲ ካብ ልዕለዎት ሓለፍቲ እቲ ትካል ዝነበረት ብዛዕባ 'ግዕዙይ' ኣሰራርሓ እቲ ትካል ናብ ሚድያታት ቀሪባ ምስ ተዛረብት፡ ከቢድ ነቐፌታ ኣብ ዝቐርበሉ ዘሎ እዋን እዩ።
እታ ፍራንሲስ ሃውገን ዝተብሃል ኣባል ፌስቡክ ዝነበረት ንህዝቢ ዘቃልዓቶ ሰነድ፡ ፌስቡክ ልዕሊ ድሕነት ዓማዊሉ ውልቃዊ መኽሰባቱ ከምዘገድሶ ዝገልጽ እዩ።
ብዙሓት ጸብጻባት፡ ፌስቡክ ካብ ኣመሪካ ወጻኢ፡ ጽልኢ ዝዅስኩሱ ዘረባታትን፡ ወሲባዊ ንግዲ ዘበረታትዑ ትሕዝቶን ዘለዎም ነገራት ኣብ ገጻቱ ክቆጻጸሮም ከምዘይክኣለ እዮም ዘርድኡ።
ትማሊ፡ መስራትን ላዕለዋይ ኣካያድን ፌስቡክ ማርክ ዙከርበርግ፡ ምስ ኣውፈርቲ ኣብ ዝገበሮ ምይይጥ "እዞም ንርእዮም ዘለና ሰሊኾም ወጺኦም ዝብሃሉ ዘለዉ ሰነዳት ኮነ ኢልካ ንትካልና ንምዕናው ናይ ሓሶት ምስሊ ከምዝህልዎን ንምግባር ተዓሊሞም ዝግበሩ ዘለዉ'ዮም" ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







