ኮሮናቫይረስ፡ ዩትዩብ ጸረ ክታበት ዝኾኑ ግጉያት ሓበሬታታት ክኣሊ'ዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዩትዩብ፡ ኩሎም ዝጸደቑ ክታበታት ኮሮናቫይረስ ኣመልኪቱ ግጉይ ሓበሬታ ዘመሓላልፉ ዝኾነ ዓይነት ትሕዝቶ ዘለዎም ስረሓት ክኣልዮም ከም ዝኾነ ኣፍሊጡ።
እቶም ፍቓድ ዝተዋህቦም ክታበታት ሓደገኛ'ዮም፣ ኦቲዝም፣ መኻንነት ወይ መንሽሮ ከስዕቡ ይኽእሉ ዝብሉን ካልኦት ተመሳሳሊ ትሕዝቶ ዘለዎምን ቪድዮታት ክእለዩ ምዃኖም ሓቢሩ።
እዚ መምርሒ ኣካውንታት ኣንጻር ክታበት ዝኾኑ ጸለውቲ ክቋረጽ ዝገብር ምዃኑ ተሓቢሩ።
ከም ዩትዩብ ዝበሉ ኩባኒያታት ቴክኖሎጂ ስኑዕ ሓበሬታ ኣብ ምቅዋም ብዙሕ ብዘይምስርሖም ተነቒፎም'ዮም።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ፡ ፕሬዝደንት ጆ ባይደን ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝዝርግሑ ስኑዓት ሓበሬታታት ብዙሓት ክታበት ኮሮናቫይረስ ንከይወስዱ ምኽንያት ኮይኖም'ዮም ብምባል እቶም ኩባኒያታት ሓላፍነቶም ክዋጽኡ ሓቲቱ ነይሩ።
ዩትዩብ ኣብ ልዕሊ ብዛዕባ ክታበት ኮቪድ-19 ግጉይ ሓበሬታ ዘለዎ ትሕዝቶ እገዳ ካብ ዝገብር ንድሓር 130 ሽሕ ቪድዮታት ካብቲ ድረ ገጽ ክእለዩ ገይሩ'ዩ።
እዚ ሓድሽ ፖሊሲ፡ ከም ክታበታት ን ሄፓይታተስ ቢን ዝበሉ ካብ ዝጸድቁ ንነዊሕ ዓመታት ዝጸንሑ ክታበታት ጠሚቶም ዝስርሑ ምድላዋት'ውን ዘካትት'ዩ።
"ኣብዚ ሕጂ እዋን ብትካል ጥዕና ዓለም ኮነ ሰብ መዚ ጥዕና ድሕነቶም ዝተሓለወን ውጽኢታውነቶም ዝተረጋገጸን ክታበታት ዝምልከት ፖሊሲታት ግጉይ ሓበሬታ ሕክምና ብምስፋሕ ሽፋን ክንህቦም ኢና" ክብል ዩትዩብ ገሊጹ።
ይኹን'ምበር ምስቶም ክታበታት ብዝተሓሓዝ ዝቐርቡ ናይ ውልቂ ምስክርነት፣ ትሕዝቶ ፖሊሲ ክታበት፣ ብዛዕባ ፈተነታት ሓድሽ ክታበት፣ ዓወታት ወይ ውድቀታት ክታበት ዘርእዩ ታሪኻዊ ቪድዮታት ኣብቲ ድረገጽ ክጸንሑ ከም ዝፍቀዶም ኣመልኪቱ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት 2020 ፌስቡክ ክታበታት ውጽኢታዊ ኣይኮኑን ወይ'ውን ኦቲዝም የስዕቡ'ዮም ዝብል ግጉይ ሓበሬታ ዘለዎም ምድላዋት ከም ዝእግድ ክገልጽ እንከሎ፡ ተግባራዊ ንክገብሮ ግን ብዙሓት ማሕለኻታት ከም ዝገጠሞ ሓቢሩ።
ብተመሳሳሊ ኣብ ወርሒ መጋቢት ትዊተር'ውን ብዛዕባ ክታበት ብተደጋጋሚ ግጉይ ሓበሬታ ዝወዝዑ ተጠቀምቲ ከም ዝእግዶም ኣፍሊጡ'ዩ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







