ኮሮናቫይረስ፡ ጎናዊ ሳዕቤናት ክታበት ምስ ሓደጋታት እቲ ለበዳ ምውድዳር ይከኣል'ዶ?

ምንጪ ስእሊ, Awelkeir MohammedSeid
ኣብዚ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ጥዕናን ካልኦት ጉዳያትን ዘኸትሎም ዘሎ ሳዕቤናት እናወሰኸ ይርከብ። ህይወት ሰባት ንምድሓንን ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ንምቁጽጻርን ብዝብል ድማ ክታበታት ማዕቢሎም ናብ ረብሓ ውዒሎም ኣለዉ። እንተኾነ ምስ ሳዕቤናት ክታበት ኮቪድ-19 ብዝተሓሓዝ ዝግለጹ ስግኣታት ኣለዉ።
ኣብዚ ጉዳይ ምስ ኤርትራዊ ዶክተር ኣወልኬር መሓመድ ስዒድ ኑርሑሴን፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ከተማ በርሚንግሃም ሓኪም ውሽጣዊ ሕማማት፣ ናይ ስትሮክ [ወቕዒ ርእሲ]ን ዕድመ ዝደፍኡ ሰባትን ዘካየድናዮ ቃለ-መሕትት እነሆ፦
ቢቢሲ፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት እቲ ኣብ ኣመሪካ እትርከበን ሃገራት ክወሃብ ዝጸንሐ ክታበት ጆንሰን ጆንሰን፡ ምስ ምርጋእ ደም ብዝተሓሓዝ ክቋረጽ ሰብመዚ ጥዕና ኣመሪካ ይምሕጸኑ ኣለዉ። ድሮ ደቡብ ኣፍሪቃን ሕብረት ኣውሮጳን'ውን ደው ኣቢለንኦ ወይ ኣደናጒየንኦ ኣለዋ። ፈለማ እንታይ ኣጋጢሙ፡ መጠን ናይቲ ስክፍታታት ክሳብ ክንደይ'ዩ? እቲ ዝብሃል ዘሎ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ምስ ሓደጋ ኮቪድ-19 ክወዳደር ይኽእልዶ?
ዶክተር ኣወልኬር፡ ጆንሰን ጆንሰን ዝባሃል ክታበት ንግዚኡ ጠጠው ኢሉሎ። እቲ ቐንዲ ምኽንያቱ ከኣ ንኣስታት 6.8 ሚልዮን ሰባት ክታበት ምስተወሃበ ኣብ ሽዱሽተ ሰባት ዘይልሙድን ሓደገኛን መርጋእቲ ናይ ደም ስለዘጋጠመ ንዕኡ ንምምርማር ብዝብል'ዮም ኣቋሪጾምዎ ዘለዉ።
ብምቕጻል'ውን ኤጀንሲ መድሃኒታት ኣውሮጳ ኣብ ኣርባዕተ ሰባት ዘይልሙድ ዝኾነ መርጋእቲ ደም ምስኡ'ውን ለውጢ ናይ ደም ማለት ዋሕዲ 'ፕላትሌት' ዝበሃሉ ኣካል ዋህዮታት ደም ስለዘስዓበ ኣቋሪጾምዎ ኣለዉ።
ማዕረ ኽንደይ የሰክፍ ዝብል ሕቶ ንምምላስ፡ ብዙሕ ዘሰክፍ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ንዕኡ ዝቖጻጸራ ትካላት ኣውሮጳ፥ ዓዲ እንግሊዝ ይኹን ኣሜሪካ ይምርምርኦ እየን ዘለዋ። ኣብዚ እዋን ከኣ እቲ ክታበት ምስ መርጋእቲ ደም ርክብ ከምዘይብሉ እዩ ዝግለጽ ዘሎ። ንኣብነት ኣብ ኣውሮጳ እቲ ዝባሃል ዘሎ ጎናዊ ሳዕቤን እንተሃልዩ ካብቲ ጉድኣቱ ጥቕሙ ስለዝበዝሕ ብዘይስግኣት ክንጥቀመሉ እዩ ዝሕበር።
እቲ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ምስ ኮቪድ-19 ክወዳደር ይኽእል'ዶ ንዝብል ድማ እቲ ሕማም ዘምጽኦ ዘሎ ሳዕቤናት ኩላህና ከምእንፈልጦ እዩ። ልዕሊ 3 ሚልዮን ሰባት ብደረጃ ዓለም ናብ ሞት ተቓሊዖም ኣለዉ። ስለዚ ሳዕቤናት እቲ ክታበት ምስ ኮቪድ ብምትሕሓዝ እንተሪኢናዮ ግን ብጣዕሚ ውሑድ'ዩ። ስለዚ ብፍጹም ክወዳደር ኣይክእልን። ስለዚ ዝኾነ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ምስእንሰምዕ ክንፈልጦን ክንርድኦን እዩ ዘለና እምበር ብኡ ምኽንያት ነቲ ክታበት ክንነጽጎ የብልናን።
ቢቢሲ፡ እቲ ብእንግሊዛዊ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፈርድን ትካል መድሃኒት ኣስትራዘኒካን ዝፈረየ፡ ኦክስፈርድ-ኣስትረዘኒካ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ካልእ ክታበት'ውን ካብ ስግኣት ናጻ ኣይወጸን ዘሎ። ከምዝፍለጥ ሓያሎ ሃገራት ኣውሮጳ ኣወንዚፈንኦ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብመሰረት ምኽሪ ትካል ምቁጽጻር መድሃኒታት እቲ ሕብረት፡ መሊሰን ክጥቀማሉ ጀሚረን'የን። እተንኾነ፡ ዴንማርክ ብሰንኪ'ቲ ናይ ደም ምርጋእ ሳዕቤናት ምሉእ ብምሉእ ከምዘቋረጸቶ ኣፍሊጣ'ላ? እቲ ስክፍታ ካብ ምንታይ'ዩ ዝምንጩ? ብዛዕባ'ዚ ክታበት'ከ ሓድሽ ዝተፈጥረ ነገር ኣሎ'ድዩ?
ዶክተር ኣወልኬር፡ እቲ ቀንዲ ጉዳይ ኦክስፎርድ-ኣስትራዜኔካ ብዝብል ዝፍለጥ ክታበት ምስቲ ናይ ደም ምርጋእ ርክብ ኣለዎ ድዩ የብሉን ዝብል'ዩ። መጀመርያ ብ7 መጋቢት [2021] ኣብ ኦስትርያ ዘጋጠመ ሞት'ዩ ነዚ ዘበገሶ። ብምቕጻል'ውን ኣብ ዴንማርን ኖርወይን ብድሕሪ ምውሳድ እቲ ክታበት ሞት ስለዘጋጠመ ጠጠው ከብልዎ ወሲኖም።
ጀርመን ከኣ ኣብ መጋቢት ነቲ ክታበት ጠጠው ኣቢላቶ። ምስቲ ክታበት ርክብ ኣለዎ ድዩ የብሉን ዝብል ክተጻሪ እያ ጠጠው ዘበለቶ። ኤጀንሲ መድሃኒታት ኣውሮጳ ግን ዋላ ሳዕቤናት እንተሃለዎ ስሕት ኢሉ ስለዝርከብ ማለት ካብቲ ጉድኣቱ ጥቕሙ ስለዝበዝሕ ሰብ ንኽጥቀመሉ ሓቢሮም።
ናይ ዓዲ እንግሊዝ እትሪኢኻዮ'ውን እቲ 'ኤም ኤች ኣር ኤ' [ኤጀንሲ ቁጽጽር መድሃኒትን ናውቲ ሕክምናን እንግሊዝ] ዝሃቦ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ ክሳብ 31 መጋቢት ኣስታት 79 ሰባት ናይ ደም መርጋእቲ ዘጋጠሞም ኔሮም። ከምኡ'ውን ዋሕዲ ናይቶም 'ፕላትሌት' ዝበሃሉ ዋህዮ ደም ምስኡ ዝተትሓሓዘ ምዃኑ ሓቢሮም። እዚ ድማ ድሕሪ 20 ሚልዮን ሰባት ክታበት ምውሳዶም'ዩ ኣጋጢሙ። ካብዞም 79 እቶም 19 ሰባት ሞይቶም። ስለዚ ካብ 1 ሚልዮን ሰባት ኣብ 4 ሰባት ናይ ደም መርጋእቲ ከጋጥም ይኽእል'ዩ ዝብል ሓበሬታ ኣሎ።
ኣብዚ እዋን 'ኤም ኤች ኣር ኤ' [ኤጀንሲ ቁጽጽር መድሃኒትን ናውቲ ሕክምናን] ዝህቦ ዘሎ ምኽሪ፤ ትሕቲ 30 ዓመት ዕድሚኦም ዝኾኑ፡ ካልእ ኣማራጺ ክታበት ክወሃቦም ዝሕብር'ዩ።
ቢቢሲ፡ እዚ ዝካየድ ዘሎ ስነፍልጠታዊ ወይ ሞያዊ ክትዓትን፡ ናይ ምቁራጽ ውሳነታትን ኣብ ብዙሓት ሰባት ስክፍታ ኣሕዲሩ'ሎ። ነቲ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታዉ፡ ህዝቢ ወይ ተጠቃሚ እንታይ ክገብር ኣለዎ ትብል?
ዶክተር ኣወልኬር፡ ኣብዚ ክትዕ ይኹን ስነፍልጠታዊ ምርምራት እናተኻየደ እንከሎ ዝተፈላለየ ሓበሬታ ክንረክብ ንኽእል ኢና። እቲ ቐንዲ ግን ኣብ መንግስትና ይኹን ኣብ ከባቢና ንዘሎ ሓበሬታ ተኸቲልና ክንኸይድ እምሕጸን።
እቲ ዘሎ ውሳነታት ብፍላይ ምስ ኦክስፎርድ-ኣስትራዜኔካ ልዕሊ 30 ዓመት ዝዕድሜኦም ንኽወስድዎ ትሕቲ 30 እንተኾይኖም ግን ኣማራጺ ክታበት ክወሃብ ዝበሃል ውሳነ ክውሰን ከሎ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዘለዎም ዓይነትን ትሕዝቶን ክታበት ተራእዩ እዩ ዝውሰን። ስለዚ ዝኾነት ሃገር ብዘላትሉ ኩነታት መሰረት ክትውስን ትኽእል'ያ። ስለዚ ነቲ ከባቢና፣ መንግስትናን ሰብሞያን ዝሃቡና ምኽሪ ተኸቲልና ክንኸይድ ይሕብር።
ቢቢሲ፡ ብዛዕባ'ቶም ካልኦት ዝወሃቡ ዘለዉ ክታበታትከ እንታይ ክትብለና ትኽእል? ክንደይ'ዮም? ኣበይ'ዮም ዝወሃቡ ዘለዉ? ዝሓሸ ንምፍላጥ፡ ሓድሕዶም ከነወዳድሮም ንኽእል ዲና?
ዶክተር ኣወልኬር፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ልዕሊ 200 ዝኸውን ክታበት ኮቪድ-19 ኣብ ምምዕባል ኣሎ። ብተወሳኺ'ውን ኣስታት 50 ዓይነታት ክትባት ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻት ምርምር በጺሖም ኣለዉ። ቀዳማይ ካልኣይ ሳልሳይ ኣብ ዝብል ማለት'ዩ። እቶም ኣብ ሳልሳይ ደረጃ በጺሖም ዘለዉ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ይዋሃቡ ኣለው።

ምንጪ ስእሊ, Awelkeir MohammedSeid
እዚ ክታበታት ንሓድሕዶም ክተወዳድሮም ኣይትኽእል ኢኻ። ምኽንያቱ ዋላ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ዘሎ ቀጻሊ ምምርማርን ኣሉታዊ ሳዕቤናት እናመዛዘንካን ከምኡ'ውን ናይቲ ቫይረስ ለውጢ እንተሃልዩ እናተቐየረ ዝኸይድ ዓይነት ክታበት ስለዝኾነ ኣብ ቅድሚት ዝረአ እዩ ዝኸውን።
ቢቢሲ፡ እዚ ዝወሃብ ዘሎ ክታበታት ክሳብ ሕጂ ኣብ መግታእ ናይቲ ለበዳ እንታይ ግደ ተጻዊቱ'ሎ ትብል? ዝካየድ ዘሎ ወፍርታት ክታበት ናይቲ ቫይረስ ብከመይ ትግምግሞ?
ዶክተር ኣወልኬር፡ ክታበት ኣብ ምቁጽጻር ለበዳ ኮቪድ-19 ኣገዳሲ ተራ ኣለዎ። እዚ ድማ ከምቲ ንሪኦ ዘለና ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ንኣብነት ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ብጣዕሚ ጽቡቕ ሸፈነ ገይሮም ኣለዉ። ኣብ ውሽጢ ክልተ ወርሒ ዳርጋ 60 ሚኢታዊት ሓድሽ መልከፍቲ ከይረኣይ ገይሮም። ኣብዚ ድማ እቲ ክታበት ጥራይ ዘይኮነስ እቲ ናይ ምውሻብን ዕጽዋን ተራ ከምዘለዎ እዩ ዝሕበር።
ኣብታ ሃገር ልዕሊ 30 ሚልዮን ዝኸውን ህዝቢ ክታበት ወሲዱ'ሎ። እዚ ብደረጃ ዓለም ምዑሩይ ብዝኾነ መገዲ ክዝርጋሕ ምስዝኽእል ንምቁጽጻር እቲ ቫይረስ ዝሕግዝ'ዩ። ትካል ጥዕና ዓለም ብዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ን92 ሃገራት ኣብዚ ዓመት ክታበታት ክዝርግሕ መደብ ኣለዎ። እዚ ዕውት ምስዝኸውን ከኣ ጽቡቕ ውጽኢት ክርከብ ተስፋታት ኣሎ።
ቢቢሲ፡ ብሓፈሽኡ፡ ኩነታት ናይቲ ለበዳን ናበይ ገጹ'ዩ? ሕጂ'ውን ኣብ ገለ ሃገራት ወይ ከባቢታት እቲ ለብዒ ክውስኽ ይረአ፡ ኣብ ገለ ድማ ይጎድል ኣሎ፡ መዓስ ካብ ዕጽዋ ንገላገል ንኸውን ትብል?
ዶክተር ኣወልኬር፡ ትካል ጥዕና ዓለም ዘውጽኦ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ ዝኾነ ዓይነት ሓድሽ ክታበት ክመጽእ ከሎ ሓሙሽተ ዝተፈላለየ መድረኻት'ዩ ዝሓልፍ። እቲ ቐዳማይ መድረኽ እቲ ሕማም ኣብ ዝብርትዓሉ እዋን ክታበት ይምዕብልሞ ከምዚ ንገብሮ ዘለና ህዝቢ ክወስዶ ይግበር።
ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ምርምር ምስበጽሐ ከኣ ብምኽንያት እቲ ስሕት ኢሉ ዝረኣይ ጠንቂ ወይ ዘይዝውቱር ኣሉታዊ ሳዕቤናት ሰባት ኣብቲ ክታበት ዘለዎም እምነት ይውሕድሞ፤ ክወስዶ'ውን ይማታእ። እዚ ከኣ ተቐባልነት እቲ ክትባት ክውሕድ ይገብር። እቲ ክትባት እንተዘይተወሲዱ ድማኒ እቲ ሕማም ዝያዳ እናማዕበለ ካልኣይ ወይ ሳልሳይ ደረጃ ማዕበል ለበዳ ኮቪድ-19 የጋጥም ማለት'ዩ።
ሓበሬታ እናበርሀ ምስከደ ግን መንግስቲ ይኹን ዝምልከቶ ኣካል እንዳጻረዮ ምስዝኸይድ ነቲ ህዝቢ እናንቀሐን መረዳእታ እናሃበን እቲ ክታበት ከምሓድሽ ተቐባልነት ረኺቡ ህዝቢ ይወስዶሞ እንዳተዓወተ ይኸይድ። ኣብዚ እዋን ድማ ኣብቲ ካልኣይ ወይ ሳልሳይ ደረጃ ኢና ንርከብ።
ብተወሳኺ ሓድሽ ዓይነት ቫይረስ ኮቪድ-19 እናተለወጠ ምስዝኸይድ ነቲ ዓይነት ክታበት እውን እናቐየርዎን እናማሓየሽዎም ስለዝኸዱ ንዓመታት እውን ዝቕጽል እዩ ዝኸውን። ስለዚ ንዝመጽእ ዓመታዊ ይኹን ኣብ ሽድሽተ ወርሒ ዝወሃብ ክታበት እንተቐሪቡልና ዘሰክፍ ኣይኮነን።
መዓስ ኢና ናብ ንቡር ንምለስ ንዝብል ከኣ ከምቲ ንሪኦ ዘለና ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ ምሉእ ዓለም ዝያዳ እናወሰኸ ናብተን ትሑት ኣታዊ ዘለወን ሃገራት እውን የጥቅዕ ኣሎ። ስለዚ እቲ ቅድሚ ሕጂ ንገብሮ ዝነበርና [ጥንቃቐ] ክንገብሮ ይምሕጸን። እዚ ድማ ኢድካ ምሕጻብ፣ 'ማስክ' ምጥቃም፣ ክሳብ ክልተ ሜትሮ ምርሕሓቕ፣ ገዛና'ውን ክፉት ክኸውን ምግባር ዝብሉ ካብቶም ክነዘውትሮም ዘለዉና እዮም። ክታበት ምውሳድ እውን ነቲ ሕማም ንምቁጽጻር ይሕግዝና።
ቢቢሲ፡ ኣብ መወዳእታ ንተኸታተልትና ከተሕልፎ እትደሊ ብዛዕባ'ቲ ለበዳ፡ ክታበታቱን ካልእን ዝምልከት ሞያዊ ምኽሪ እንተለካ ዕድል ክንህበካ?
ዶክተር ኣወልኬር፡ ከምለበዋ ከመሓላልፎ ዝደልይ ምስ ክታበት ኮቪድ-19 ዝተሓሓዝ ጎናዊ ሳዕቤናት ምስ እንሰምዕ ክንፈልጦን ክንርድኦን እዩ ዘለና። ምኽንያቱ ብድሕሪ ምውሳድና ከምኡ እንተኣጋጢሙና ንዝምልከቶ ንኽንሕብር እዩ'ምበር ነቲ ክታበት ንኸይንወስዶ ኣይኮነን።
ኣብዚ እዋን'ዚ ካብቲ ጉድኣቱ ጥቕሙ ስለዝዛይድ ከምኡ'ውን ነቲ ሕማም ንምቁጽጻር ስለዝሕግዝ ብዕቱብ ተኸታቲልና ክንወስዶ ይምሕጸን። የቐንየለይ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







