ኮሮናፓስ፡ ድሕሪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዴንማርክ ዶባታ ክትከፍት ዝሕግዛ ዘሎ ፓስፖርት

ኮሮናፓስፖርት

ኣብ ዴንማርክ፡ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ኣፍቀርቲ ስፖርት ናብ ስታዲየማት ክኣትውን፤ ባራት፣ ሬስቶራንትን ቤተመዘክራትን ክኽፈቱ ክፍቀድ'ዩ።

እዚ፡ ዴንማርክ ንስጉምታት ኮሮናቫይረስ ኣብ ምፍኳስ ካብ እትወስዶም ዘላ ስጉምታት ዝጥቀስ'ዩ።

እንተኾነ፡ ዜጋታት እዛ ሃገር እዚ ሓድሽ ናጽነቶም ክጽምብሉ ዝኽእሉ፡ ካብ ኮሮናቫይረስ ናጻ ምዃኖም ዘረጋግጽ ኮሮናፓስ ወይ ድማ ኮሮና ፓስፖርት ከርእዩ እንተኽኢሎም ጥራሕ'ዩ።

እዚ ኣብ ቴሌፎንካ ዝጽዓን ዲጅታላዊ መተግበሪ ኮይኑ፡ ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ካብ ኮሮናቫይረስ ናጻ ዲኻ፣ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ካብ ካልኣይ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ናጻ'ዶ ነይርካ ወይ'ውን ሰርተፊኬት ክታበት ኣለካ'ዶ ዝብል የርኢ። ኣድላዪ እንተኾይኑ፡ ብወረቐት'ውን ክኸውን ዝኽእል ነገር'ዩ።

እንተኾነ ግና ብፍላይ ድሕሪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝመጽአ ስጉምቲ ዕጽዋ፡ ዲጅታላዊ ሰርተፊኬት ምጥቃም ዝውቱር ኮይኑ ኣሎ።

ሕብረት ኤውሮጳ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ: እዚ ኣሰራርሓ ኣብ ኩለን 27 ኣባል ሃገራት እቲ ሕብረት ክተኣታትዎ መደብ ኣለዎ።

ኣብ ገለ ሃገራት እዚ ፓስፖርት ጉዳይ ውልቃዊ ሚስጢራት ኣብ ግምት ብምእታው ኣካታዒ እኳ እንተኾነ፡ ዴንማርክ ግን ሙሉእ ንሙሉእ ተግባራዊ ዝገበረት ፈላማይቲ ሃገር ኮይና ኣላ።

ካብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ብዝተፈለየ፡ እዛ ኣብ ስካንዲቭያን እትርከብ ሃገር ሳልሳይ ለብዒ ኮሮናቫይረስ ኣብ ምውጋድ ዝተዓወተት'ያ።

ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ጀሚራ ከኣ ዕጽዋታት ከተፍኩስ ጀሚራ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብታ ሃገር ዝምዝገብ መጠን መልከፍትን ሞትን ኣብ ኤውሮጳ እቲ ዝተሓተ ኮይኑ፡ ሰብ መዚ እታ ሃገር እቲ ለበዳ ተቖጻጺርናዮ ኢና ኢሎም ይኣምኑ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ቀዳመይቲ ሚኒስትር እታ ሃገር ሚቴ ፍሬድሪክሰን "ሕጂ ካብ ካልኦት ብዝተፈለየ ኩሉ ነገራት ክንከፍቶ ንኽእል ኢና" ኢላ ነይራ።

መብዛሕትኦም ስጉምታት ግን ንኮሮናፓስ ኣብ ግምት ዘእተው'ዮም።

እዚ ፓስፖርት፡ ኣብ ስማርት ስልኪ ብዝጽዓን 'ሚኒሰንሀድ' [ማይሀልዝ] ዝተባህለ መተግበሪ ዝሰርሕ ኮይኑ፡ ምስ ስርዓት መለለዪ መንነት ዴንማርክ ዝተራኸበ'ዩ።

ኩሎም ነበርቲ 'ሲፒኣር' ዝተባህለ ፍሉይ ቑጽሪ መለለዪ መንነትን ዝርዝር መንነቶም ዝሓዘት ቢጫ ናይ ጥዕና ካርድን ኣለዎም።

ኮሮናፓስ፡ ኣብ ቀረባ ዘለካ ኩነታት ጥዕና የርኢ
መግለጺ ስእሊ, ኮሮናፓስ፡ ኣብ ቀረባ ዘለካ ኩነታት ጥዕና የርኢ

ኣብ መንግስታዊ ትካል ጥዕና መርመራ ኮሮናቫይረስ ምስ ገበርካ፡ እቲ ካርድ ስካን ኮይኑ ውጽኢት መርመራ'ውን ምስኡ ክተሓሓዝ ይግበር።

ኣብ ናይ ውልቂ ትካላት ጥዕና እንተኾይኑ ድማ፡ ወይ ነታ ካርድ ስካን ይገብሩ፤ እንተዘይኮይኑ ድማ እቲ ሲፒኣር ጽሒፎም ድሓር ሓጺር መልእኽቲ ጽሑፍ ይልእኹ።

ስለ ዝኾነ፡ እቲ ተጠቃሚ ናብታ መተግበሪ ብምእታዉ ኩነታት ጥዕንኡ ክፈልጥ ይኽእል፤ ኮሮናፓስ ክኣ ይህልዎ።

ነዚኣ ሒዝካ ናብ ትካላት ንግድን ካልእን ትኸይድ።

ኣብ ዝቕጽል ወርሒ ከኣ ዴንማርክ ነዚ መተግበሪ ብካልእ ኣዝዩ ዝተመሓየሸ መተግበሪ ክትትክኦ እያ።

'ውሕስነት ክስምዓካ ይገብር'

ናይ መካነ እንስሳትን ሕዛእታትን ተኸፊቶም ፈለማ ኮሮናፓስ ዝርኣዩ ቦታታት'ዮም።

ንኣብነት ኮፐንሃገን ዝተባህለ መካነ እንስሳት፡ ብዙሓት ስድራቤታት እትርእየሉን ሃለዋት ኮሮናቫይረስ እትርስዐሉን ቦታ'ዩ።

ብዙሓት ሰባት፡ ቴሌፎኖም ሒዞም ነታ መተግበሪ ኣርእዮም ንክኣትው ነዊሕ ሪጋ ሒዞም ኢኻ ትርእዮም።

ሓደ ንቢቢሲ ቃሉ ዝሃበ ተጠቃሚ "ውሕስነት ክስምዓካ'ዩ ዝገብር" ክብል በቲ ኣሰራርሓ ሕጉስ ምዃኑ ተዛሪቡ።

ካልእ ፖርሺያ ዝተባህለት ከኣ "ኣካል ሕጂ ዝህልወና ህይወት'ዩ ዝመስለኒ። መጠን መልከፍቲ ንከይውስኽ ከኣ ክንቕበሎ ኣለና'የ ዝብል" ክትብል እንከላ፡ ካልእ ወሃቢ ርኢይቶ ግን "ዘድልየና ኣይመስለንን" ክብል ዘለዎ ስግኣት ገሊጹ።

ጊቴ ኣለሲንግ ዝተባህለት ወናኒት እንዳ ጸጉሪ ግን፡ ኮሮናፓስ ዝተዓጸው ትካላት ኣብ ምኽፋት ሓጋዛይ ተራ ከም ዝህልዎ ትዛረብ።

ንሳ፡ ብ6 ሚያዚያ 2021 ናይ ስራሕ ቦትኣ ከፊታቶ።

እቲ መተግበሪ፡ ዓማዊል ብርእሰ ተኣማንነት ንክግልገላ ከም ዝሓገዘ ብምግላጽ "ሕጉሳት ኮይነን'የን ጸጉረን ዝስርሓ" ኢላ።

"ኣነ ተኸቲበ'የ፤ እታ ኣብ ቴሌፎነይ ዘላ ፓስፖርት ምርኣይ ጥራይ እዩ ካባይ ትጽቢት ዝግበር። ኩሉ ነገር ዳግም ክጅመር ኣለዎ" ብምባል ቀዳመይቲ ሚኒስትር ሚቴ ንዜጋታታ ተተባብዕ።

ኣብ ዴንማርክ ናይ መዘናግዒ ቦታታት ክኽፈቱ ጀሚሮም

ኩነታት መርመራ ዴንማርክ

ዴንማርካውያን፡ ኣብ ሰሙን ሓደ ወይ ክልተ ግዜ ናብ ትካላት ጥዕና ብምኻድ ብናጻ መርመራ ኮሮናቫይረስ ክገብሩ ይተባብዑ።

እዛ ሃገር፡ ካብ ካልኦት ሃገራት ዓለም ብዝተፈለየ ልዑል መጠን መርመራ ዝገበረትን ዝርኣየላን እያ።

"5.8 ሚሊየን ህዝቢ ኣለና፤ መዓልታዊ ልዕሊ ፍርቂ ሚሊየን ህዝቢ ክንምርምር ንኽእል ኢና" ትብል ሓላፊት ኣገልግሎት ሕክምና ኮፐንሃገን ክርስቲን ቬስተርጋርድ ኒልሰን።

ኣስታት ሓደ ሚሊየን ዜጋታት እታ ሃገር ቀዳማይ ዙርያ ክታበት ወሲዶም'ዮም።

እንተኾነ፡ ኣብዚ እዋን ሰብ መዚ ጥዕና ዴንማርክ ክታበት ኣስትራዘኔካ ምርጋእ ደም ከስዕብ ስለ ዝርኣዩዎ ደው ኣቢሎምዎ ኣለው።

ኣብ መጀመርታ ወርሒ ነሓሰ ግን፡ ነቶም ብዕድመ ዓበይቲ ዝኾኑ ክትኸትብ ክትጅምር'ያ፤ ስለ ዝኾነ ቐጻሊ መርመራ ምክያድ ኣገዳሲ ገይራቶ ኣላ።

ዴንማርካውያን ብዛዕባ እዚ ፓስፖርት እንታይ ይስምዖም?

ሎሚ መዓልቲ፡ ንዴንማርካውያን ዓባይ መዓልቲ'ያ።

ሬስቶራንታት፣ ቤተመዘክራት፣ ኣብያተ ሻሂ፣ ቤተ ንባብን ናይ ጥበብ ቦታታትን ኩሎም በሮም ክኸፍቱ'ዮም።

ነዛ ኮሮናፓስ ዝሓዙ ኣፍቀርቲ ስፖርት ከኣ ኣብ ስታዲየማት ብምእታው ዝደለዩዎ ግጥማት ክርእዩ ይኽእሉ።

ካብ 10 እቶም ትሸዓተ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ነዚ መደብ ምኽፋት ትካላት ንግዲ ክድግፉዎ እንከለው፡ ኢንዳስትሪ ኮንፈደሬሽን ዴንማርክ ከኣ ንትግባረ ኮሮና ፓስፖርት ደጊፉዎ ኣሎ።

"ኣብ ዝተፈለየ ኩነታት ዝመጽአ ፍልይ ዝበለ መተግበሪ'ዩ፤ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኩሉ ነገር ምኽፋት ዘይኮነ፡ ነዚ ቅልውላው ዕውት ብዝኾነ መገዲ ከሰጋግሩ ዝኽእሉ መፍትሒታት ምምጻእ'ዩ" ኢሉ ፈጻሚ ስራሕ እቲ ኮንፈደሬሽን ላርስ ሳንዳል።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ህዝቢ ዴንማርክ ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ዝተወስዱ ስጉምታት ኩሎም ደጊፉዎም'ዩ።

ይኹን'ምበር፡ እዚ ናይ ሕጂ መገዲ ከኣ ኣመና በዚሑ ዝብሉ ኣለው።

እዚ ናይ ክታበት መረጋገጺ ፓስፖርት ንምዕጻው፡ ልዕሊ 40 ሽሕ ፌርማ ተኣኻኺቡ ኣሎ።

መሃዚ እቲ መተግበሪ ከኣ ገለ ምህዞታት ዘይስነምግባራውን ንህዝቢ ዝኸፋፍሉን'ዮም ይብል።

ኣብ ቀረባ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ዕጽዋ ተቓዊሞም ሰልፊ ኣካይዶም ነይሮም።

ይኹን'ምበር፡ ጉዳይ ኮሮና ፓስፖርት በዙሕ ዘካትዕ ኣይኮነን።

ኣብ ቀረባ ዝተኻየደ ዳህሳስ ከም ዘመላኽቶ፡ 67 ሚኢታዊት ዴንማርካውያን እቲ ፓስፖርት ጽቡቕ ሓሳብ'ዩ ክብሉ እንከለው፡ 16 ሚኢታዊት ጥራሕ ይቃወሙዎ።

ኮሮና