ፌስቡክ ድምጸይ ንምዕፋን ኣብ ረብሓ ይውዕል ኣሎ - ተጣባቒት መሰላት ደቂኣንስትዮ

ፍሽኽ ዝበለት ሰበይቲ

ምንጪ ስእሊ, Hanna Paranta

“ኣብ ሶማሊያ ኣይቐተልናክን፤ ሎሚ ኣብ እንግሊዝ ብናጽነት ትነብሪ ኣለኺ ግን ከኣ ኣብ ፌስቡክ ድምጽኺ ክንዓብሶ ኢና” - ዝብል መጠንቀቕታ ናብታ ተወላዲት ሶማሊያ ዝኾነትን ኣብ እንግሊዝ እትነብርን ተጣባቒት መሰላት ዝበጽሐ’ዩ።

ሃና ኣቡበከር ብዝብል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ትፍለጥ ሃና ፓራንታ ፌስቡክ ብምጥቃም ነተን ጾታዊ ግሰትን ዘቤታዊ ጥቕዓትን ዝበጽሐን ደቂኣንስትዮ ትሕግዝ። ቅድሚ ሓደ ዓመት ነቲ እትገብሮ ምንቅስቓስ ካብ ዝቃወሙ ሰባት ስልኪ ተደዊሉ ምፍርራሕ ከምዝበጽሓ ትዛረብ።

ናብ ፌስቡክ ዝቐርቡ ክስታት ነቲ ካብ ጥቕዓት ነጻ ናይ ምዃን መሰል ንምድፋእ ዘውዕሉ መሳርሒ ኮይኖም የገልግሉ ከምዘለዉ ትዛረብ ሃና።

ፌስቡካ ልዕሊ 130,000 ሰዓብቲ ኣለውዎ፤ እንተኾነ እቶም ንማዕርነት ደቂኣንስትዮ ዘይቕበሉ ገለ ሶማሊያውያን ናብ ፌስቡክ ክስታት ብምቕራብ ነቲ ትጥቀመሉ ገጽ ከዕጽዉ ተደጋጋሚ ጻዕርታት ከምዝገብሩ ትዛረብ።

ፈተነ ምምራዝ

ኣብ እንግሊዝ እትነብር ጓል 44 ዓመት ሃና ፓራንታ ቆልዓ 7 ዓመት ኮይና’ያ ናብ ስዊድን ከይዳ ምንባር ዝጀመረት። ኣብኡ ድማ ብወለንተኣ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ኣብ ምሃብ ክትነጥፍ ጀሚራ። ንዝሓለፉ 10 ዓመታት’ውን ኣብ ጉዳይ መሰላት ደቂኣንሰትዮ ግንዛበ ናይ ምዕባይ ስራሕቲ ክትሰርሕ ጸኒሓ።

ንሳ ኣብ እንግሊዝ ጉዳይ ጾታዊ ግህሰትን ዘቤታዊ ጥቕዓት ዝኾና ኣባላት ማሕበረሰብ ዳያስፖራ ሶማሊያ ዓብዪ ቆላሕታ ሂባ ኣብ ምስራሕ ትርከብ። ኣብ ሶማሊያ ከኣ ዝተፈላለዩ ሰብኣዊ ሓገዛት ብምግባር ትፍለጥ። ኣብታ እስላማዊት ሃገር ዘለዉ ዓቃባውያን ጉጅለታት ቀንዲ ስግኣታት እዮም።

ናብታ ሃገር ክትገይሽ ከላ ንድሕነታ ብዝብል ብሓለውቲ ተዓጂባ እያ ትንቀሳቐስ፤ ንመወዳእታ ጊዜ ድማ ኣብ ወርሒ መስከረም 2020 ተጓዒዛ። ኣብቲ ሽዑ እዋን ኣብቲ ዘዕረፈትሉ ሞቓዲሹ ዝርከብ ሆቴል ሓደ ሰብ ናብ መግባ መርዚ ብምእታው ክቐትላ ፈቲኑ ነይሩ።

ነቲ መግቢ ስለዘይበልዓቶ ግን ክትተርፍ ኪኢላ። በዚ ከይኣክል ዕጡቓት ሰባት መጺኦም ጨውዮም ክወስድዋ ብምፍታኖም ዓጀብታ ስለዝበጽሑላ እቶም ዕጡቓት ዝሓሰብዎ ከይፈጸሙ ሃዲሞም።

ናብ እንግሊዝ ምስተመለሰት ፌስቡካ ብተደጋጋሚ ክዕጸውን ክግደብን ጀሚሩ። ነዚ ዝገብር ድማ ትካል ፌስቡክ’ዩ ነይሩ። ናብቲ ትካል ክስታት ብምቕራብ ፌስቡካ ክዕጸው ዝጽዕሩ ሰባት ድምጻ ንምዕፋን ብምሕሳብ ከምዝኾነ ትኣምን።

ምስ ፌስቡክ ንምዝርራብ ጻዕሪ’ኳ እንተገበረት፤ እቲ ትካል ብሓሶት ንዝቐርቡ ክስታትን ጥርዓናትን ክመምይ ወይ ክቆጻጸር ከምዘይከኣለ ትዛረብ። በዚ ምኽንያት ከኣ ግዳይ ዝተወደበ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ከምዝኾነት ትሓስብ።

‘ጽላሎት እገዳ’

“ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ንፌስቡክ ክረኽቦም ፈቲነ ኔረ። ኩሉ ነገር ነጊረዮም። እዞም ጉጅለ ንፌስቡከይ ከዕጽዉ ከምዝደልዩን መፈራርሕታት ከምዝበጽሑንን ኣፍሊጠዮም። ዝሰምዓኒ ግን ኣይረኸብኩን” ትብል ሃና።

እቶም ኣብ ልዕሊኣ ክስታት ዘቕርቡ ሰባት “ንሰባት ዒላማ ዝገበሩን ክስታት ዘቕርቡን ልዕሊ 300 ኣባላት ዝሓቖፈ ጉጅለ ፌስቡክ መሴንጀር” ከምዘለዎም ትኣምን።

ሓደ ደጋፊኣ ናብቲ ጉጅለ ብሕቡእ ተጸምቢሩ ኣብቲ ጉጅለ ዝባሃሉ ነገራት ብስእሊ ሒዙ ልኢኹላ ነይሩ። ነዚኦምን ካልኦት ክስታትን ናብ ፖሊስ እንግሊዝ ምስኣቕረበት ናብ ኩባንያ ፌስቡክ እውን ሲዲዳቶ።

ፌስቡክ ነቶም ኣብ ልዕሊኣ ዝቐርቡ ክስታት ምጽራይ ከይገበረሎም ክዓጽዋ ምኽኣሉ ሻቕሎም ከምዝፈጠረላ ሃና ትዛረብ።

ቢቢሲ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ካብ ፌስቡክ መብርሂ ንምርካብ ድሕሪ ምፍታኑ ገለ ኣብ ልዕሊ ናይ ፌስቡክ ገጻ ተነቢሮም ዝጸንሑ ገደባት ከምዝተልዓሉ ሓቢራትና። ንኣብነት ብቐጥታ እናኣተወት ተመሓላልፎ ዝነበረት ፈነወ ክትቕጽለሉ ኪኢላ።

ፌስቡክ ነቐፍቲ ርእይቶታት ምሃብ ከምዘፍቅድ ዝሓበረ ወሃቢ ቓል እቲ ትካል፡ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሰባት “ጥቕዓት ወይ ግህሰት” ምፍጻም ግን ከምዝግድብ ገሊጹ።

“ቀልብና ንዝሰሓቡ ዓመጽ ዘለዎም ትሕዝቶታት ኣሊና ኢና” ብምባል ኣብዚ እዋን ኣብ ኣካውንታት እታ ውልቀሰብ ዝተነበሩ ገደባት ከምዘየለዉ ተዛሪቡ።

ሃና ፓራንታ ግን ሎሚ’ውን እንተኾነ ኣብ ልዕሊኣ “ጽላሎት እገዳ” ከምዘሎ ትገልጽ። ነዚ ከም መረዳእታ እተቕርቦ ድማ እትጥቅዖም ትሕዝቶታት ናብ ሰዓብታ ዝበጽሑሉ ኩነታት ዝደኸመ ምዃኑ’ዩ።

ሓደሽቲ ሰዓብቲ ብዙሕ ዘይምርካባን ትኽክለኛ ዋና ፌስቡክ ኣካውንት ንምፍላይ ዝግበር ምልክት [‘ብሉ ቲክ’] ክትወሃብ ዘይምኽኣላን ተወሰኽቲ ቅርታታት ሃና እዮም።

ምልመላ ደቂኣንስትዮ

ኣብ ልዕሊ ናይ ፌስቡክ ገጻ ብቐጻሊ ክስታት ዘቕረቡ በዓል መን’ዮም? ንዝብል ሕቶ እቲ መልሲ ዝበዝሓ ደቂኣንስትዮ ከምዝኾና የመልክት።

ጋዜጠኛን ጎስጓሲት ጥዕና ኣእምሮን ኣሚና ሙሴ፡ ነቶም ናብ ፌስቡክ ክስታት ዘቕርቡ ጉጅለ ዝጸሉ ሓደ ፍሉጥ ሶማሊያዊ ምህላዉ ከምዘረጋገጸት ትዛረብ።

ንሱን ካልኦት ደቂተባዕትዮን ኣብ ደገ ንዝነብራ ሶማሊያውያን ደቂኣንስትዮ ብምምልማል፡ ኣንጻር ፍሉጣት ተቓለስቲ መሰላት ደቂኣንስትዮ ንዝገብርዎ ቃልሲ ከምዝጥቀሙለን ኣሚና ትገልጽ።

“ሓዳረን ዝፈትሓን ስራሕ ዘይብለንን ኣደታት ወይ መቕርቦም’ዮም ዝምልምሉ። ኣብ ብሕታውነት ዘለዋ ከምኡ’ውን ካብ ንሃገረን ካብ ዘለወን ስምዒት ኣዝየን ዝረሓቓን ይመርጹ” ክትብል ነቲ ኩነታት ተረድእ።

ገንዘብ ብምሃብ ድማ ዝደለይዎ ነገር ክፍጽማ ይገብረወን። በዚ መሰረት ኣንጻር ተጣበቕቲ መሰላት ደቂኣንስትዮ ዝኾና ሶማላውያን ዝኾኑ ሰፋትሕቲ ጎስጓሳት የካይዳ። ሃና ፓራንታ ሓንቲ ካብተን ግዳያት’ያ።

“መራሒ እቲ ጉጅለ ዝኾነ ውልቀሰብ ፈለማ ‘ኣካላት ደቂሰብ ተዘዋውር እያ’ ይብለኒ ነይሩ። ጸኒሑ ‘ሶማሊያውያን ደቂኣንስትዮ ናብ ንግዲ ወሲብ ተዋፍር እያ’ ኢሉ። ብድሕሪኡ ከኣ ንሶማሊያ ናብ ክርስትያን ሃገር ንምቕያር ትፍትን ኣላ’ ክብል ተዛሪቡ” ትብል ሃና።

ከምዚኦም ዝበሉ ፕሮፓጋንዳታት ድማ ኣብ ልዕሊ እትጥቀመሉ ፌስቡክ ብዙሓት ክስታታት ክቐርቡ ምኽንያት ይኾኑ። ብዙሓት ከም ገበነኛ ገይሮም ስለዝቖጽርዋ ኣብ ስርሓ ጽለዋ ኣሕዲሩ’ሎ።

ሃናን ኣሚናን ሓደ ሕቶ የልዕላ - ‘ፌስቡክ ስለምንታይ ኣብቶም ዝቐርቡ ክስታት እኹል ምጽራይ ዘይገብር?’ ካብ ማሕበረሰብ ሶማሊያ ዝተረኸባ ደቂኣንስትዮ ብምዃነን እቲ ጉዳይ ቆላሕታ ከምዘይረኸበ ይኣምና።

ጋዜጠኛ ኣሚና ነዚ ጸገም ኣብ ምፍታሕ ፌስቡክ ዓብዪ ሓላፍነት ከምዘለዎ ብምግላጽ ነዚ ክገብር እንተኾይኑ ድማ ስራሕቲ ትርጉም ዝዓሙ ብዙሓት ሶማሊያውያን ክቖጽር ከምዘለዎ ትምዕድ።

ፌስቡካ ሕዚ’ውን ምዕጻዉ ከይቕጽል ዘስግኣ ሃና ብወገና እተን እትሕግዘን ደቂኣንስትዮ ብዘይደጋፊ ከይተርፋ ስክፍትኣ ትገልጽ።