ህንዲ፡ ን'ምህለላ ዝናብ' ብዝብል ኣብ ማእከል ህዝቢ ዕርቃነን ወጺአን ዝኸዳ ቆልዑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ማእከላይ ዞባ ህንዲ፡ ዝናብ ክመጽእ ኣብ ዝተኻየደ ምህለላ 6 ትሕቲ ዕድመ ኣዋልድ ዕርቃነን ከምዝወጻ ተገይሩ።
እቲ ፍጻመ ኣብ ሓደ ደርቂ ዘጋጠሞ፡ ኣብ ክፍለ ሃገር ፕራደሽ ዝርከብ ዓዲ'ዩ ተፈጺሙ።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሰብ ዝቀባበለሉ ዘሎ ካብቲ ቦታ ዝወጸአ ምዃኑ ዝተገልጸ ቪድዮ፡ እተን ኣዋልድ እንቁርዖብ ዝተኣስረሉ ለዓት (ዕንጨይቲ) ተሰኪመን ክጓዓዛ የርኢ።
ነበርቲ እቲ ከባቢ፡ እቲ ባህላዊ ልምዲ ንኣማልኽቲ ዝናብ ብምፍታው ማይ ክሃርም ዝገብር'ዩ ኢሎም ይኣምኑ።
ኮሚሽን ሓለዋ መሰላት ህጻናት ህንዲ፡ ብዛዕባ'ቲ ፍጻመ ካብ ሰብ መዚ እቲ ከባቢ ጸብጻብ ክወሃቦ ሓቲቱ ከምዘሎ ተገሊጹ።
ፖሊስ ናይቲ ዓዲ ዝርከበሉ ዞባ ማደህያ ፕራደሽ ብወገኑ፡ ዝኾነ ወግዓዊ ጥርዓን ከምዘይቀረበሉ'ኳ እንተገለጸ፡ ምጽራይ ከምዝጀመረ ሓቢሩ'ሎ።
"እተን ኣዋልድ ዕርቃነን ወጺአን ክኸዳ ተገዲደን እንተኾይነን ስጉምቲ ክውሰድ'ዩ" ክብል ሓላፊ ፖሊስ ዲ-ኣር ተኒዋር ንኣገልግሎት ዜና ፕረስ ትራስት ህንዲ ተዛሪቡ።
እተን ቆልዑ 5 ዓመት ዝርከብአን ኣዋልድ፡ ደድሕሪአን ካልኦት ዝዝምራ ኣንስቲ እናሰዓብአን ብሓባር ተሰሪዐን ክኸዳ ይራኣያ።
እቲ ገስጋስ ናይቲ መስርዕ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ገዛ ደው ዝብል ኮይኑ፡ እተን ዕርቃነን ዝወጻ ቆልዑ ጥረ ዘርኢ እናኣከባ፡ ናብቲ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ቤተመቕደስ ናይቲ ማሕበረሰብ የወፍይኦ።
"እዚ ዝናብ ከምጽኣልና'ዩ ኢልና ኢና እንኣምን" ክትብል ሓንቲ ኣብቲ መስርዕ ዝነበረት ጓለ-ኣንስተይቲ ነቲ ኣገልግሎት ዜና ተዛሪባ።
ሓደ ብዓልመዚ ናይቲ ከባቢ ድማ፡ ስድራቤት ናይተን ቆልዑ ከምዘፍቀዱለንን ባዕሎም'ውን ኣብቲ ምህለላ ከምዝተሳተፉን ገሊጹ።
"ኣብ ከምዚኦም ጉዳያት፡ እቲ ምምሕዳር፡ ከምዚ ዓይነት እምነት ረብሓን ፍረን ከምዘይብሉ ነቶም ነበርቲ ከንቅሖም ጥራይ'ዩ ዝኽእል" ክብል ክሪሽና ቻይታንያ ይዛረብ።
ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታት ህንዲ፡ ሕርሻ ኣብ ዝናብ ናይቲ 'ሞንሱን' ተባሂሉ ዝፍለጥ ወቕቲ'ዩ ዝምርኮስ። ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ድማ ዝተፈላለዩ ናብ ኣማልኽቲ ዝናብ ዝቐርቡ ምህለላታትን ልምድታትን ኣለዉ።
ኣብ ገለ ከባቢታት፡ 'ኣባጅጎ' ጠሉ ከውርድ መጋርያታት ሓዊ ክኣጉዱ እንከለዉ፡ ኣብ ገሊኡ ድማ እንቁርዖብ ወይ ኣእዱግ ይምርዓዉ። ገለ ድማ፡ ነቶም ኣማልኽቲ ዝናብ ዝውድስ ዜማታት ይዝምሩ።
ገለ ነቲ ማሪታዊ እምነት ዘይኣምንሉ ሰባት፡ እቲ ልምዲ ንሰባት ካብቲ ዘጋጥሞም ጸገማት ንግዚኡ ክወጹ (ክርስዑ) ዝተማህዘ'ዩ ይብሉ። ገለ ባህላዊ ኪኢላታት ብወገኖም፡ ደገፍ ንምርካብ ናብ ዝኸድዎ ምስጠፍኦም ዘካይድዎ ልምዲ'ዩ ክብሉ ይምጉቱ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







