ንመሰል ደቀንስትዮ ህንዲ ዝተቓለሰት ከፋቲት በሪ ጠበቓ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እዛ ብለበዳ ኮቪድ ዝጸልመተት ዓመተ 2020፡ መሰላት ደቀንስትዮ ዝተኸብረላ መበል 100 ዓመት ምዃና ክትዝክር ቀሊል ኣይኮነን። ደቀንስትዮ ኣመሪካ መሰል ምድማጽን ምምራጽን ካብ ዝጎናጸፋ 100 ዓመት ኮይኑ ኣሎ።
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ናይ መጀመርታ ናይ ሕጊ ተማሃሪት ጓለንስተይቲ ኣብ ቤት ፍርዲ ክትኣቱ ካብ ዝፍቀዳ እውን 100 ዓመት መሊኡ ኣሎ።
እታ ኣብ ቤት ፍርዲ “ሊንኮሊንስ ኢን ለንደን” ዝቐረበት ተማሃሪት ሕጊ ህንዳዊት እያ ነይራ። ንሳ እታ ኣብ 1924 ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ቦምበይ ክትማጎት ዝተፈቕደላ ናይ መጀመርታ ሞያዊት ጓለንስተይቲ ጠበቓ ነበረት።
ሚታን ላም፡ ኣብ 1898 ካብ ርኹባትን ገስገስትን ስድራ-ቤት ተወሊዳ። ኣብ 1911 ምስ ወላዲታ ሀራባይ ታታ ንዕረፍቲ ናብ ካሽሚር ምስ ከደት ምስታ ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ንመሰል ምድማጽ ደቀንስትዮ እትቃለስ ሕልፍቲ ኣንስታዊት (ፈሚኒስት) ሶፊያ ዱሊፕ ሲንግ ተራኺባ።
ላምን ወላዲታ ታታን፡ በቲ “ምርጫ ንደቂ ኣንስትዮ” ዝብል ጭርሖ ዝተለጠፎ ሕብራዊ ቦርሳ ሳንግ ተመሲጠን ኣብቲ መሰል ንደቀንስትዮ ህንዲ ዝብል ወፍሪ ቀልጢፈን ጥሒለን።
ኣብታ ግዝኣት ህንዲ፡ ኣብ መንጎ እቶም ሃገራውያን ተቓለስቲ፡ ጉዳይ ምርጫ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣዝዩ ኣካታዒ ጉዳይ ኮነ። መሰል ምምራጽ ደቂ ኣንስትዮ’ዶ ይቐድም ወይስ ሕቶ ናጽነት ዝብል ዓቢ ክትዕ ተፈጥረ።
ላም፡ “ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ጠለባት ተገራጫውነት የለን” ብማለት ተኻትዐት። ነቲ ዕቃበታት ደቂ ተባዕትዮ ኣንጻር መሰል ምርጫ ደቂ ኣንስትዮ “ናይ ሳምና ዓፍራ እዩ” ክትብል ገለጻቶ።
“ደቂ ተባዕትዮ ‘ምምሕዳር ሃገር ካብ ልደትና እተዋህበና መሰል እዩ” ክብሉ እንከለው፡ ታታ፡ ከኣ ብ1918፡ ናይታ ውርይቲ ሃገራዊት ተቓላሲት ሳንግ፡ መሰል ደቀንስትዮ ጭርሖ ብምልዓል፡ “ንሕና እውን ናይ ምምራጽ መሰል ካብ ልደትና እተዋህበና እዩ” ብምባል ድምጻ ኣስምዐት።
ኣብ ቀውዒ ናይ 1919፡ ኣብ ቦምበይ ዝነበራ ጉጅለ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብቲ ፓርላማ ዓባይ ብሪጣንያ ብዛዕባ ጉዳይ ምርጫ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ፖለቲካዊ ሕዳሰ ህንዲ ግምት ክገብረሉ ኣብ ዝመደበሉ እዋን ወከልተን ንለንደን ሰዲደን ነይረን። እዚ ከኣ ብጽገና ሞንተጉ ቻልምስ ፎርድ ይጥቀስ።
ጓል 21 ዓመት ላምን ወላዲታ ታታን ብፍታወን ኣብ ቃልሲ መሰል ምድማጽ ደቀንስትዮ ተወፍየን ክሰርሓ ጀመራ። ንዓዲ እንግሊዝ ንክኸዳ ናይ ኣርባዕተ መዓልቲ ዕድል ምስ ተዋህበን፡ ነቲ ኣብ ፓርላም ከቕርበኦ ዝመደባ ጭብጥታት ብመርከብ እንተጓዕዛ እየን ኣሰናዲአነኦ።
ታታን ላምን፡ ህንዲ ብጾታ ኣመኻንያ ነተን ፍርቂ ኣካል ሕብረተ ሰብ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ እንተደኣ ኣግሊላተን፡ ትርጉም ዘለዎ ፖሊቲካዊ ምምሕያሽ ክመጽእ ኣይክእልን እዩ ኢለን ተማጎታ።
“ብዘይ ምትሕብባር ደቂ ኣንስትዮ ለውጢ ከተምጽእ ምፍታን ኣብ ሑጻ ቤት ከም ምስራት እዩ ዝቑጸር ክብላ ኣረድኣ። ዋላ’ኳ ሽዑ ክስመዓን ክዕወታን እንተዘይከኣላ እቲ ዘቕረባኦ መርትዖታትን መረዳእታትን ግን ፓርላማ ብሪጣንያ ዕሽሽ ኢሉ ኣይሓለፎን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ምምራጽ መሰል፡ ዞባ ህንዲ ክውስኖ ሓዲጎምዎ። ኣብ 1921 ከኣ ክልቲአም ናይ ቦምበይን ማድራስን መራሕቲ ንደቀንስትዮ፡ ድሩት ዝኾነ ናይ ምድማጽ መሰል ኣፍቂዶም።
እንተኾነ ስበ-ስልጣን ብሪጣንያ እቲ ኣድማሳዊ መሰል ፍቓድ መረጻ “ንህንዲ ሕማቕ እዩ” ኢሎም እዮም ዝካትዑ ነይሮም።
ንመሰል ምድማጽ ደቀንስትዮ ህንዲ ዝቃለሳ ዝነበራ ኣደን (ታታን) ጓልን (ላምን)፡ ካብ ህዝቢ ዓባይ ብሪጣንያ ዓቢ ኣድናቖት ረኺበን።
ካብቲ ዳሕራይ ቀዳማይ ምኒስተር ብሪጣንያ ዝኾነ ራምሰይ ማክዶናልድን ካብታ ኣብነታዊት ተሓላቂት ደቂ ኣንስትዮ ሚልሰንት ፋውሴትን እውን ልዑል ደገፍ ረኺበን።
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ንመሰል ምድማጽ ደቀንስትዮ እትጣበቕ ዝነበረት ተወላዲት ንጉሳዊ ቤት ሲክ፡ ንግስቲ ሶፍያ ዱሊፕ ሲንግ፡ ንላም ካብ ዝጸለዋ ስሙያት ተቓለስቲ ደቀንስትዮ ሓንቲ ኢያ።
ላም፡ እቲ እተካይዶ ዝነበረት ምንቅስቓስ መሰል ምርጫ ደቂ ኣንስትዮ፡ ድሒሩ ናብ ናይ ሕጊ ዓለም ከም እተምርሕ ገይሩዋ። ኣብ ለንደን ትምህርቲ ሕጊ ኣጽኒዓ። ካብ ዩኒቨርሲቲ ኤልኤስኢ ለንደን ብዓውደ ቁጠባ ናይ ማስተርስ መዓርግ ረኺባ።
ኣብ 1923 ኣብ ብሪጣንያ፡ ኣብ ዓውደ ጥብቅና ዝተዋስአት ፈላሚት ህንዳዊት ጓል ኣንስተይቲ ተባሂላ ኣፍልጦን ብልጫን ተዋሂባ። እታ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ልዑል ስምን ክብርን ዝረኸበት ክኢላ ሕጊ ኣብ ታሕሳስ 1923 ብመርከብ ናብ ህንዲ ተመሊሳ።
ኣብታ ዓመት እቲኣ መንግስቲ ህንዲ፡ ደቀንስትዮ ህንዲ ከም ጠበቓታትን ተኸራኸርቲ ሕግን ንከይሰርሓ ኣጽኒዑዎ ዝጸንሐ ሕጊ ስለዘልዓሎ ንላም ጽቡቕ ኣጋጣሚ ነይሩ።
ላም፡ ኣብቲ ብደቂ ተባዕትዮ ጠበቓታትን ኣኽበርቲ ሕግን ዝመልአ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ቦምበይ እታ እንኮ ጓል ኣንስተይቲ ጠበቓ ስለዝነበረት ከቢዱዋ ነይሩ።
“ነቶም ብማዕጾ ዝቀላቀሉ ብጾት ምስ ረኣኹ፡ ንነብሰይ ንፈለማ እዋን ኣብ መካነ እንስሳታት ከም ዝኣተወ ሓድሽ እንስሳ ኮይኑ ተሰሚዑኒ” ብምባል ትዝተኣ ትገልጽ።
“ጽላሎተይ ካብታ ላይብረሪ ናብቲ ሓባራዊ ክፍሊ ምስ በጽሐ፡ ደስ ዘይብለካ ጸጥታ ኣሎ፡ እዚ ከኣ ብዛዕባይ ኣዝየ ክነቕሕ ይሕግዘኒ ነይሩ” ትብል።
ላም ኣብ ቤት ፍርዲ ቦምበይ ክትጣበቕ ምስቀረበት እቲ ጸላኢ ደቂ ኣንስትዮ ብኣሽካዕላል ክድህላ ፈቲኑ ይኽውን እዩ - እንተኾነ ላም ብቐሊለ ትደንን ሰብ ኣይነበረትን።
ብመሰረት ሓበሬታ ዳኛ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፡ ላም ንሓደ ንጹርን ዘየማትእን ጉዳይ ዘለዎ ዝወከለ ጠበቓ ክትገጥም ተገዲዳ።
እቲ ጠበቓ “ዓሚለይ ጽቡቕ ጉዳይ ስለዘለዎ ክሰዓር ኣይኽእልን’ዩ፡” ዝብል እምነት ዝነበሮ እዩ። “ይኹን እምበር ነቲ መጻርርቱ ብጓል ኣንስተይቲ ተሳዒርካ ኢሉ ከዋርዶን ከሕፍሮን ይደሊ ምንባሩ ይሕበር”።
ኣብ ውሽጢ ሒደት ዓመታት ከኣ ላም፡ ሓደ ጽኑዕ ዝኾነ ሕጋዊ ሽም ክትምስርት ክኢላ። ንሳ ብዝተፈላለየን ሕውስዋስን ዝኾኑ ጉዳያት፡ ማለት ካብ ተምየንቲ ገንዘብ ክሳብ ሕጋውነት ናይ ኣይሁዳዊ ምሕጻይ ንምርጫ ዝኣመሰሉ ጉዳያት ጥብቅና ቆይማ ኣብ ቤት ፍርዲ መጒታ።
ካብ ቤት ፍርዲ ወጻኢ ከኣ፡ ንጾታዊ ኣድልዎ ኣብ መርዓን ውርሻን ዝምልከቱ ጉዳያት ቅርጺ ኣብ ምትሓዝ ትሕግዝ ነይራ። ከምኡ’ውን ውፍይቲ ተቓላሲት ንመሰልን፡ ኣፍራዪት ጠበቃ ኣብ ጉዳያት መሰላት ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ክትከውን በቒዓ።

ነዚ ሕጋዊ ምንቅስቃስ ንለውጢ ከኣ ምስቲ ኣብ ባይታ ዝነበረ ማሕበራዊ ስራሕ ብምውህሃድ፡ ኣብ መንጎ እቲ ናይ ቦምበይ ምሁራት ብቅብኣ ዝስእልዎም ሻውላት እናተመላለሰት ትገብሮ ነይራ።
ላም እቲ ድኻታት ሕብረተሰብ ህንዲ ዝነብሩ ትሕተ ቅርጽን፡ ጥዕናዊ መሳርሒታትን ኣመሓዪሻ፡ ንገለ ክፋል ስደተኛታት ከኣ ክጣየሱ ሓጊዛ።
”ጉባኤ ኩለን ደቂ ኣንስትዮ ህንዲ” ብዝብል ከኣ ብርክት ዝበሉ ንጥፈታት ማሕበራዊ ድሕነት ኣተኣታትያን መሪሓን።
ኣብ 1947 ዓመተ ናጽነት ህንዲ፡ ላም ኣብ ርእሲ እቲ ዝጸንሓ ህቡቡነትን ተቐባልነትን ብዝገበረቶ ጻዕሪ መሊሳ ደሚቓ። ላም ኣብ ህንዲ ፈላሚት ምስሌነ ከተማ ቦምበይ ኮይና ተሸይማ።
ድሕሪ ገለ ዓመታት ከኣ ከም ወኪል ደቂ ኣንስትዮ ህንዲ ኮይና ኣብ ምሉእ ዓለም ክትዛወር ምስ ጀመረት ሓሓሊፉ ድንጻወ ከስዕብ ጀሚሩ። ንሳን-ፍራንሲስኮ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ክትበጽሕ ኣብ ዝኸደትሉ እዋን፡ እቲ ምስሌነ ናብቲ ናይታ ከተማ ቤት ማእሰርቲ ክትርኢ ይወስዳ ‘ሞ በትሪ ፖሊስ ከኣ ሂብዋ።
ኣብ ህንዲ ግን ምስሌንነት ብቐንዱ ናይ ክብሪ ሽመት እዩ። ብዙሓት “ጓል ኣንስተይቲ ምስሌነ ክትከውን ምኽኣላ ብጣሚ ተደኒቖም። ምኽንያቱ ናይ ኣሜሪካ ምስሌነታት ምስ ብረት ሕሉፍ ሌላ ዘለዎም ኣዝዮም ቅልጡፋት ፖሊስ እዮም።
ላም ግን ኪኢላ ናይ ሕግን ተቓላሲት መሰልን እያ። ኣብ ዝኽራ ከኣ ብዛዕባ እቲ ኩነታት ትጠቅስ።
ላም፡ ብ1981 ቅድሚ ምሟታ፡ ተሳትፎ ደቀንስትዮ ኣብ ሕግእ ጥብቅናን ንፖለቲካውን ማሕበራውን ሕዳሴ ከለዓዕሎ ይኽእል ብዝብል ተስፋ ንብዙሓት ደቀንስትዮ ወለዶታት ተሓለቅቲ መሰላት ንኪኾና ምሂራ እያ።
ስርሓን ስራሕ እተን ብኣማኢት ዝቑጸራ ዘይፍለጣ መራሕቲ ደቂ ኣንስትዮን: ደቀንስትዮ ህንዲ ሕጊ ንክመሃራን ኣብ ሞያ ሕጊ ንኽነጥፋን ልዑል መገዲ ጸሪጉ እዩ።
እንተኾነ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተገብረ መጽናዕቲ ከምዘነጽሮ፡ ሓደ ሓደ ዓበይቲ ናይ ሕጊ ትካላት ህንዲ ኣዝዩ ዘደንቕ ጾታዊ ማዕርነት ከርእያ እንከለዋ፡ እቲ ናይታ ሃገር ሕጋዊ ክኢላታት፡ ገና ብደቂ ተባዕትዮ ዝተዓብለለ ኮይኑ ይርከብ።
ልክዕ ቅድሚ ሓደ ሚእቲ ዓመት ኣቢሉ፡ ህንዳዊት ተቓላሲት ሰብኣዊ መሳላት ላም፡ ኣንጻር’ቲ ኣብ ጾታ ዝተመርኮሰ ልብኻ ዝትንክፍ ተነጽሎ “ዝኾነ ፈተነ ከይተገብረ ከመይ ጌርካ ደቂ ኣንስትዮ ብቑዓት ኣይኮናን ኢልካ ክትእውጅ ትኽእል?” ዝብል ሕቶ ብምልዓል ተማጒታ ነይራ።
ከምዚ ዝኣመሰለ ቃላት እምበኣር ሎሚ፡ ነተን ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ኮነ ካብኡ ወጻኢ፡ ኣብ ኣባታዊ ኣተሓሳስባ ዓሪደን ዘለዋ ደቀንስትዮ መልሲ ዝህብ እዩ።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







