ወጽዓታት ደቀንስትዮ ኣብ ናብራን ሓዳርን

ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበጽሕ ዓመጽን በደልን ንምውጋድ ካብ 25 ሕዳር ጀሚሩ ንኽልተ ሳምንቲ ዝጸንሕ ኣህጉራዊ ጎስጓስ የካይድ ኣሎ። ነዚ ምኽንያት ብምግባር ቢቢሲ ትግርኛ ምስ ኤርትራውያን ዘውዲ ተስፋማርያም (ኣባል ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ስዊዘርላንድ)፣ ኣልጋነሽ ገብረ (ገዲም ተጋዳሊት ኣባል ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ጀርመን)፣ ተኽለዮሃንስ ተወልደብርሃን ጎርድም (ጸሓፊን ገዲም ተጋዳላይን ተቐማጢ ዓባይ ብሪጣንያ)ን ዓውዲ ዘተ ኣካይዱ ኣሎ።
እዚ ዝጥቀስ ዘሎ ዓመጽን ግህሰትን ንኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ማዕረ ክንደይ ይጸልወን? እንታይ መረዳእታ ኸ ኣለና?
ነዚ ሕቶ ''ካብቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ግህሰታት ነጻ ዝኾንና ሕብረተሰብ ኣይኮናን፤ ኣብ ርእሰና ኣሎ'' ብምባል እትምልስ ኣልጋነሽ ገብረ፡ ነቲ ዘሎ ግህሰት ከም ነውርን ጽያፍን ከይረአናን ከይሓባእናን ክነውጸኦ ኣለና ትብል።
ከምኡ ምግባር ድማ ነተን ጽባሕ ዝመጽኣ ደቂ ኣንስትዮ ሓቢርካ ኣብ ምንባርን ምስራሕን ዝሓሸ ዕድል ከም ዝፈጥረለን ብምግላጽ፡ ነዚ'ያ ድማ ''እቲ ዘይንጥቀመሉ ዘሎና ሕጋዊ መስርሕ'' ክንጥቀመሉ ኣለና ብምባል እትዕድም።
ዘውዲ ተስፋማርያም ብወገና ''ነቲ ዓመጽ ከም ሕብረተሰብ ለሚድናዮ ኢና፤ ከም ንቡር ጌርና ወሲድናዮ ኢና'' ብምባል እያ ነቲ ሱር ዝሰደደ ግጉይ ማሕበረሰባዊ ኣረኣእያ እትገልጾ።
እዚ ጥራይ ዘይኮነስ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ፡ እቶም ንመሰል ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝግበር ጎስጓሳት ንዐአን ከም ዘይምልከተንን ከም ዘይግበአንን ገይረን ከም ዝሓስባ ብምግላጽ ካብ ባህሊ ዝነቐለ ክኸውን ከም ዝኸእል ድማ ግምታ ተቐምጥ።
ኣብቲ ንሳ እትዋሰአሉ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን ኤውሮጳ'ውን እንተኾነ፡ ካብቲ ዝነበርናዮ ይሓይሽ'ዩ ካብ ዝብል ክኸውን ይኽእል፤ ተመሳሳሊ ነገር ከም ዝረአ ትገልጽ።
ንምዃኑ እቶም ወጽዓታት እንታይ እንታይ እዮም ንዝብል ሕቶ ድማ፡ ዘውዲ ተስፋማርያም ''እቲ ወጽዓ እንብሎ ካብቲ ዝተሓተ ክሳብ ቅትለት እዩ'' ብምባል ትምልስ።
ብተወሳኺ ከም ትሑት ክፍሊት ዝበለ ናይ ኢኮኖሚ ወጽዓ፣ ካብ ቤት ትምህርቲ ምግላልን ብሓፈሻ ጓል ኣንስተይቲ ብምዃና ዝበጽሓ ኣድልዎን ትዝርዝር።
ኣብቲ እትነብረሉ ምዕራብ ዓለም እኳ ''ኣብ ሳልስቲ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ትቕተል'' ብምባል ጥርዚ እቲ ወጽዓ ትገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, AG
ኣልጋነሽ ብወገና እቲ ዓመጽ ''ካብ ምግሳጽ፣ ምግናሕ፣ ምጽራፍን ምድሃልን ይጅምር'' ትብል።
ብተወሳኺ ውሑዳት ዘይኮኑ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ሓዳር፡ ንደቂ ኣንስትዮ ከም መሐጎሲ ስምዒት እምበር ከም ኣካል ናይ ህይወቶም ስለዘይርእዩወን እታ ጓል ኣንስተይቲ ካብ ክሽነ ወጻኢ ካልእ ሓለፍነት ከምዘይወሃባ ትኣምን።
እተን ደቂ ኣንስትዮ 'ውን ነቲ ዝወርደን በደል ከምንቡር ስለዝወስደኦ፡ ክርደአኦ ነዊሕ እዋን ከምዝወስደለን ትዛረብ።
እዚ ጾታዊ በደል ንምንታይ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ የጋጥም? ዝብል ድማ ኣቶ ተኽለሃንስ ተወልደብርሃን፡ ጎርደን ''ምስ ባህልን እምነትን ዝኸይድ ጉዳይ እዩ'' ይብል።
ከም ኣብነት ድማ ''ኣዳም ንሄዋን ኣስሒታቶ'' ን ''ጎደሎ ፍጥረት'' ዝብልን ሃይማኖታዊ ኣስተምህሮን ብዛዕባ ወርሓዊ ጽግያት ዝወሃቡ ዝንቡዕ ኣረኣእያታትን ከም ኣብነት እቶም መሰረታት እቶም ወጽዓታት ከምዝኾኑ ይገልጽ።
ብሓፈሻ ግን ''ጉድለት ንቕሓት'' ዝፈጠሮ ከም ዝኾነ ይዛረብ።
እቲ ኣብ ሓርነታዊ ቓልሲ ዓብዩ ዝነበረ ርእሰ ምትእምማን ደቂ ኣንስትዮ ድሕሪ ናጽነት ንምንታይ ዘይቀጸለ? ንዝብል ሕቶ ኣልጋነሽ ''ኣነ ተጋዳሊት ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ እየ ነይረ።
እቲ ወጽዓ ዝተረደኣኒ 'ውን ናብኡ ምስመጻእኹ እዩ'' ትብል። ምኽንያቱ ድማ ምስ ህዝቢ ምስራሕ ምስ ጀመረት እቲ ዓመጻት ብዝያዳ ክረኣያ ከም ዝጀመረ ትገልጽ።
''ኣብኡ ግን ንሃገራዊ ናጽነት ዝምልከት እምበር ንጾታዊ ወጽዓይ ዘረጋግጽ ቃልሲ ኣየካየድኩን'' ብምባል ኣብቲ እዋን ይኹን ድሕሪኡ ዘጋጠምወን ጸገማት ተዛሪበናሉ ከምዘይፈልጣ ትገልጽ።
በዚ ምኽንያት ድማ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቅድሚ፣ ድሮን ድሕርን ናጽነት ብዙሕ ጸገማት ከምዘጓነፈን ትዛረብ።
ኮይኑ ግና ኣብቲ ሰውራ ዝነበረ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ፡ ነቲ ጓል ኣንስተይቲ ካብ ገዛ ወጺኣ ክትሓድር ኣይትኽእልን እያ ዝብል ዝነበረ ኣረኣእያ ከምዝሰበሮን ታሪኽ ከምዝሰርሓን ትገልጽ።
ጎርዶን ግን እተን ኣብ ገድሊ ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ ዝሓሸ ንቕሓት ከምዝነበረን እንተኾነ ድሕሪ ናጽነት ንመሰለን ኣብ ምቅላስ ካብተን ኣብ ዓዲ ዝጸንሓ ብዝሓሸ ከምዝተዋሳኣን የረድእ በዚ ድማ ሙሉእ እኳ እንተዘይኮነ ዝሓሸ ለውጢ መጺኡ እዩ ይብል።
እንተኾነ እተን ተጋደልቲ ዝነበራ ብምኽንያት ሸከም ናብራ ምንቅስቓሰን ከምቲ ናይ ሜዳ ከምዘይቀጸለ ይዛረብ።
እቲ እትደልየኦ መሰል ተቓሊስክን ዲኽን ከተረጋግጸኦ ወይስ ክወሃበክን ኢኽን ትጽበያ ንዝብል ሕቶ ዘውዲ ተስፋማርያም፡
''መሰልካ ክትዕደል ኣይትጽበን ኢኻ'' ብምባል እቲ ንደቂ ኣንስትዮ ዝሕዛእ 30% መናብር ናይ ኤርትራ ኮነ ካልአ ሓለፋ ከም ዘይትቕበል ትገልጽ።
ንሳ ዝኾነ ይኹን ሓላፍነት ጾታዊ ፍልልያት ብዘየገድስ ኣብ ዓቕሚ መሰረት ዝገበረ ክኸውን ከም ዝግባእ ትኣምን። ደቂ ኣንስትዮ ማዕረ ተሳትፎ ክገብራ ክመሃራን ነብሰን ከማዕብላን ከኣ ትጠልብ።
ደቂ ኣንስትዮ ኣብዚ እዋን ኣብ ኣኼባታት ካብ ምስታፍን ምንቅስቓስን ዝድርቱወን ምኽንያታት እንታይ እዮም ንዝብል ሕቶ ኣልጋነሽ፡ ሕጂ'ው ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ንዕቀት ከምዘሎን፡ እንተ ንሳ ግን ካብ ቃልሲ ከም ዘየብኮረትን ሃገራዊ ጉዳይ ይምልከተኒ እዩ ኢላ ከም እትኣምንን ትገልጽ።
እተን ኣብ ኣኼባታት ዝሳተፋ ደቂ ኣንስትዮ ድማ፡ ''ገዛኺ ዘይትሕልዊ፡ ደገ ደገ ክትብሊ ደቅኺ ከተጥፍኢ ኢኺ'' ከምዝበሃላን ድኹም መዳያተን እናመዝመዝካ ድሂልካ ስቕ ከምዝብላ ከምዝግበር ትሕብር።

ጎርደም ብወገኑ ንደቂ ኣንስትዮ ብጾታዊ ጉዳይ ጥራይ ምምልካት ወይ 'ውን ነጸብራቓት ምርኣይ ''ናይ ኩሎም ደቂ ተባዕትዮ ባህሪ እዩ ክትብል ኣይትኽእልን ኢኻ'' ብምባል፡ ደረጃ ንቕሓቶም ትሕት ዝበለ፡ ጸገም ዘለዎም ወይ 'ውን ክብለጹ ዝደልዩ ከም ዘለዉ ይዛረብ።
ነዚኦም ምቅላስ ግን ናይ ኩሉ ሓላፍነት ምዃኑ ይገልጽ።
ጎርዶን፡ ኣብ ስደት ዝነብሩ ኤርትራውያን ሰብ ሓዳርን ፍቑራትን ኣብ መንጎኦም ዝፍጠሩ ጸገማት ብኸመይ ይፈትሑዎም? መንቀሊ እቶም ጸገማትከ እንታይ እዮም? ዝብሉ ጉዳያት ምስ ኣተዓባብያ ዝተሓሓዝ ከምዝኾነ ይዛረብ።
"ምኽንያቱ እዚ እንርእዮ ዘለና ወለዶ፡ ፍረ ናይ መን እዩ እንተይልና ናይቲ ዘዕበዮ ኩነታት እዩ። እዞም መናእሰይ ካብ ማእኸላይ ደረጃ ኣትሒዞም ንኽረምታዊ ማእቶት ካብኡ ናብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ስለዝኸዱ ኣብ ትሕቲ ስድራ ቤት ክኹስኮሱሉ ዝግበኦም ዕድል ካብ ቤተሰቦም ወጺኦም ኣብ ውትህድርናን መዓስከርን ስለዝኸዱ፡ ብድሕሪኡ ከኣ ናይ ስደት ጉዕዞ ስለዘሎን'' ናይ ገዛእ ርእሱ ጽልዋ ከምዘለዎ ይሕብር።
ድሕሪ እዚ ድማ ኣብ ስደት ምስ መጽኡ ከምቲ ዝተጸበዩዎ ከምዘይረኽቡዎን በዚ ድማ ጎንጺ ከምዝፍጠርን ጎርደን ይገልጽ።
ኣልጋነሽ ብወገና፡ ኣብ ስደት ዝነብሩ ገለ ደቂ ተባዕትዮ ምስኦም ንዝተሰደዳ አሕዋቶም ገዲፎም ናብ ሃገር እናተመለሱ ናእሽቱ ከም ዝምርዐዉን እዚ ድማ ጽቡቕ መርኣያ ከምዘይኮነን ትዛረብ ይኹእ እምበር ናይ ምርጫ ሕቶ እውን ኣብ ግምት ክኣቱ ከምዘለዎ ተዛተይቲ ኣብ ግምት አእትዮም።

ዘውዲ ድማ እቶም ምኽንያታት እኳ ናይ ብዙሓት ድምር እንተኾኑ እቲ ቀንዲ ግን ካብ ሃገርካ ምእላይ ክኸውን ከምዝኽእል ትገልጽ።
ኣብ መስርሕ ስደት ዘጋጥሙ ስቅያትን፣ ምስ ባህሊ ወጻኢ ምርጻምን እውን ናቱ ጽልዋ ከምዘለዎ ትዛረብ።
ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝተሰደዳሉ ሃገር ብዝረኽበኦ ዝሓሸ ህይወትን ቁጠባዊ ዓቕምን ምኽንያትን ምስ ሰብኡተን ዘይምርድዳእን ልዕልናን ከምዘርእያ ወቐሳታት ይስማዕ'ዩ ንዝብል
''እቲ ጉዳይ ናይ ኢኮኖሚ ኣይኮነን'' እትብል ኣልጋነሽ እዚ ምግናን ከምዝኾነን ካልእ ጸገማት ከምዘለውን እያ ትገልጽ።
ጎርደም ብወገኑ፡ ቁጠባዊ ዓቕሚ ምውናነን ዘይኮነስ "ንሕና በቲ ናይ ቀደም ኣካይዳ ክንከይድ ንደሊ፡ ነቲ ቑጠባ ባዕልና ክንውንኖም ክነመሓድሮን፤ ናይ ኣቦ ልዕልነት ሒዝና ገበርትን ሓደግትን ክንከውን'' ስለንደሊ እዩ ይብል። እንተኾነ ጸገማት ፍትሕ ግን ናይ ብዙሓት ረቑሓታት ድምር ከም ዝኾነ ከኣ ይገልጽ።
ዘውዲ፡ ፍትሕ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዘለዎ ጽልዋ ክትግልጽ እንከላ፡ ''እቲ ዝሓሸ ኣቦን ኣደን ተሰማሚዖም ክነብሩ እዩ፤ እንተዘይኮይኑ ግን ንቖልዑ ኣብ ናይ ሓሶት ዓለም ከምዝነብሩ ስለእተምህሮም ስምምዕ ምስዘይህሉ ብእዋኑ ምፍልላይ ይሓይሽ" ትብል።
ሰባት እንተተፋትሑ እውን ደቆም ኣብ ምዕባይ ማዕረ ሓለፍነት ክስከሙ ከም ዝግባእ ትዛረብ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







