ኮሮናቫይረስ፡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ፌስቡክ ብዝጸሓፈቶ ጽሑፍ ክትእሰር ተፈሪዱዋ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቱኒዝያዊት ጸሓፊት ማሕበራዊ ሚዲያ፡ ቅዱስ መጽሓፍ ቁርዓን ብዝጽሓፈሉ መገዲ ብዛዕባ ኮቪድ-19 ህየላዊ [ሳትሪካል] ጽሑፍ ብምጽሓፋ፡ ማእሰርቲ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ተፈሪዱዋ።
ጓል 28 ዓመት ኤምና ቻርኪ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ህዝቢ መምርሒታት ምክልኻል ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ተግባራዊ ንምግባር ክገብሮም ዝግባእ ነገራት ዝምልከት፡ ኣብ ፌስቡክ ብዝጸሓፈቶ ጽሑፍ'ያ ተኸሲሳ።
ኤምና፡ ሰባት ንነብሶም ካብዚ ሕማም ንምክልኻል ዘድልዩዎም መምርሒታት ሓለዋ ውልቃዊ ጽርየት ዝምልከት'ኳ እንተጽሓፈት፡ ነቲ ጽሑፍ ቅዱስ መጽሓፍ እስልምና ቁርዓን ብዝጽሓፈሉ መገዲ ጽሒፋቶ ብዝብል'ያ ገበኛ ተባሂላ።
ንሳ ኣብ ዝሃበቶ ቃለ መጠይቕ ግን፡ እቲ ጽሑፍ ንሰባት ዘሰንብድ ዘይኮነ፡ ዘዋዚ መልእኽቲ'ዩ ኢላ።
እንተኾነ፡ ቤት ፍርዲ ቱኒዝያ "ኣብ መንጎ ሃይማኖት ጽልኢ ብምፍጣር" ብዝብል ገበነኛ ኢሉዋ ኣሎ።
ኤምና ይግባይ ክትሓትት ትዳሎ ብምህላዋ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣይኣተወትን።
ኤምና ብ2 ግንቦት ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝጸሓፈቶ ጽሑፍ፡ ዓንቀጻት ቅዱስ መጽሓፍ ብዝተጽሓፉሉ መገዲ ስለ ዝኾነ እምበር፡ ትሕዝቶ እቲ ጽሑፍ ናይ ጥዕና መልእኽቲ ዝሓዘ ምዃኑ ትዛረብ።
ሰባት፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ኢዶም ክሕጸቡን ኣካላዊ ርሕቀቶም ክሕልውን ዝምዕድ ከም ዝኾነ'ውን ገሊጻ።
መጀመርታ እቲ ዝጽሑፍ ዝተጽሓፈሉ መገዲ ዘርቀቐን ዘዳለወን ግን ኣብ ፈረንሳ ዝነብር ኣልጄሪያዊ ኢ-ኣማኒ እዩ ተባሂሉ።
ኤምና፡ እዚ ጽሑፍ ኣብ ፌስቡክ ዝጠቅዐትሉ ጊዜ ኣብ እዋን ጾመ ረመዳን ኮይኑ፡ ኣብቲ እዋን ቱሪዝያ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ኣዋጅ ዕጽዋ ነይራ።
እዚ ጽሑፍ፡ ብዙሓት ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝነቐፉዎን ሓያል ቁጥዐ ዘልዓለን ብምንባሩ፡ ገሊኦም ኤምና ክትቕጻዕ ጎስጓስ ይገብሩ ነይሮም።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







