ቅልውላው ኢትዮጵያ: ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘመላልሱ ልዕሊ 70 መራሕቲ መኪና ኣብ ቀይዲ ኣትዮም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ናብቲ ኲናት ዝካየድሉ ዘሎ ከባቢታት ሰሜን ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ሓገዝ ከጓዓዕዙ ውዕል ዝገበሩ 72 መራሕቲ መኪና ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ፡፡
እቶም ምስ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ዝሰርሑ ዝነበሩ መራሕቲ መኪና ኣብ ርእሰ ከተማ ዓፋር ዝኾነት ሰመራ ከምዝተኣሰሩ እቲ ውድብ ገሊጹ፡፡
ውድብ ሕቡራት ሃገራት እቶም መራሕቲ መኪና ንምንታይ ደው ክብሉ ከምዝተገበረ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ይሓትት ኣሎ፡፡
እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘስዓበ ኮይኑ ልዕሊ 5 ሚልዮን ሰባት ተጸበይቲ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ክኾኑ ገይሩ እዩ፡፡
ሰመራ፡ መራሕቲ እተን ሓገዝ ዝጸዓና ከበድቲ መካይን ናብታ ኣስታት 400 ሽሕ ሰባት ኣብ ጫፍ ዓጸቦ ዝርከቡላ ትግራይ እንትጓዓዙ ዘዕርፉላ ከተማ እያ፡፡
ብኣማኢት ዝቑጸራ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝጸዓና መካይን ካብታ እንኮ ምስ ትግራይ ዘራኽብ መንገዲ ዘለዋ ከተማ ከይሓልፋ ተኸልኪለን ከምዘለዋ እዩ ዝግለጽ፡፡
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ማእሰርቲ እቶም መራሕቲ መኪና ዛጊድ ዝሃቦ መግለጺ የለን፡፡
ሕቡራት ሃገራት 16 ሰራሕተኛታቱን ቤተሰቦምን ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተገፊፎም ከምዝተኣሰሩ ትማሊ ገሊጹ ነይሩ፡፡ ካልኦት ሽዱሽተ ድማ ተፈቲሖም ኣለዉ፡፡
መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቶም እሱራት ቀልጢፉ ክፈትሖም እቲ ውድብ ጸዊዑ ኣሎ፡፡
ጠበቓታትን ትካላት ሰብኣዊ መሰላትን፡ ሰብመዚ መንግስቲ፡ ተወለድቲ ትግራይ ዝኾኑ ሰራሕተኛታት መሰረት ዝገበረ ማእሰርቲ ይፍጽሙ ከምዘለዉ ይገልጹ፡፡ መንግስቲ ግና ንተወለድቲ ትግራይ ብኣልማማ ከምዘይኣሰረ ይምጉት፡፡
ኣንጻር መንግስቲ ትግራይ ዝቃለሱ ዘለዉ ሓይልታት ትግራይ ናብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ይግስግሱ ኣለዉ፡፡ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ዝተባህለ ካልእ ዕጡቕ ተቓዋሚ እውን ኣብ ጎኖም ተሰሊፉ ይርከብ፡፡
ብኣንጻሩ ህጹጽ እዋን ኣዊጁ ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ዜጋታት ናይ ውልቀኦም መሳርሒ ኲናት ከመዝግቡን ከባቢኦም ክከላኸሉን ብምጽዋዕ ኣብታ ሃገር ን6 ኣዋርሕ ዝጸንሕ ህጹጽ እዋን ኣዊጁ ኣሎ፡፡
ኤምባሲ ኣመሪካ ብምኽንያት ‘‘ኣዝዩ ተለዋዋጢ’’ ኩነታት ጸጥታ ዜጋታት ኣመሪካ ብቕልጡፍ ካብታ ሃገር ክወጹ ጸዊዑ፡፡
ብተመሳሳሊ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ቴሌኮም ተዋፊሩ ዝርከብ ኬንያዊ ዓርሞሸሽ ትካል ሳፋሪኮም፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዘይምርግጋእ ወጻእተኛታት ሰራሕተኛታቱ ካብታ ሃገር ክወጹ ከምዝገበረን ኢትዮጵያውን ሰራሕተኛታቱ እውን ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ክዓዩ ከምዝኣዘዘ ንቢቢሲ ገሊጹ፡፡
እቲ ኣብታ ሃገር ዝምዕብል ዘሎ ፖለቲካውን ጸጥታውን ኩነታት ንወፍሪ እቲ ትካል ኣብ ሓደጋ ከምዘውደቖ ዝሓበረ ሳፋሪኮም: ቀጻሊ ውሳነታት ንግዲ እቲ ትካል በቶም ስዒቦም ዝፍጠሩ ኩነታት ከምዝውሰን ሓቢሩ፡፡
ሳፋሪኮም ዝሓዘ ጥምረት ትካላት ቴሌኮም ኣስታት 2 ቢልዮን ዶላር ኣብ ኢትዮጵያ ንምውፋር ዝተለመ ኮይኑ፡ ኣብ ናይ መጀመርታ ሓሙሽተ ዓመታት ኣስታት ሓደ ሽሕ ሰራሕተኛታት ክቖጽር ትልሚ ሒዙ ነይሩ፡፡
ኣብቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ዝፍጸሙ ዘለዉ ጫካነ ዝተመለኦም ተግባራት ዘመላኽቱ ጸብጻባት ጾታዊ ጎነጻት እውን ብትካላት ሰብኣዊ መሰል ኣቢሎም ይወጹ ኣለዉ፡፡
ሓይልታት ትግራይ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከቡ ከባቢታት ምስተቖጻጸሩ ጾታዊ ዓመጽን ዘረፋን ፈጺሞም ክብል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ከሲሱ፡፡
ኣምነስቲ ቅድም ክብል እውን ሰራዊት መንግስቲ፣ ሓገዝቶም ዝነበሩ ካልኦት ወታሃደራትን ሚልሻታትን ኣብ ትግራይ ሰፊሕ ጾታዊ ዓመጽን ምድፋርን ከምዝፈጸሙ ገሊጹ ነይሩ፡፡
ብተመሳሳሊ ሁማን ራይትስ ዎች፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ጾታዊ ዓመጽ ዝበጸሐን ደቂ ኣንስትዮ ሓገዝ ከይረኽባ ይገብርን ማእካላት ጥዕና ቀረብ ከይረኽባ ይኽልክልን ኣሎ ክብል ከሲሱ፡፡
ልዕሊ 100 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ኢትዮጵያ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ፋና ምርግጋእ ተገይራ እትውሰድ ዝነበረት ሃገር ኮይና፡ ማእከል ዝተፈላለዩ ዓበይቲ ዓለምለኻዊ ትካላት እያ፡፡
ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ኲናት ደው ክብል ዝጸወዐ ኮይኑ ሕብረት ኣፍሪቃ ነቶም ኣብ ጎንጺ ዝተጸመዱ ወገናት ንምሽምጋል ዝገብሮ ጻዕሪ ክምዝሕግዝ ኣፍሊጡ፡፡








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







