ቅልውላው ትግራይ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ሓገዝ ከይረኽባ ከልኪሉ

ምንጪ ስእሊ, AFP
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ትካላት ጥዕናን ግዳያት ጾታዊ ዓመጽን ሓገዛት ከይረኽቡ ከልኪሉ ክብል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ ጸብጻብ ከሲሱ።
እዚ 89 ገጽ ዘለዎ ጸብጻብ፡ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሕዳር ኲናት ካብ ዝጅመር ንድሓር ጾታዊ ዓመጽ ዝበጽሐን ካብ ሽዱሽተ ክሳብ 80 ዓመት ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ጥዕናዊ ጸገማት፣ ስነ ኣእምሮኣዊ በሰላን ተነጽሎን ከም ዘጋጠመን ይገልጽ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ናብቲ ክልል ሰብኣዊ ረድኤት ከይበጽሕ ኸልኪሉ ዝብሉ ጸብጻባት ክነጽጎም ጸኒሑ እዩ።
ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ኣብቲ ኲናት ዝተሳተፉ ኣካላት ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝፈጸሙን ኮነ ተባሂሉ ኣብ ልዕሊ ትካላት ጥዕና መጥቃዕቲ ከም ዝበጽሐን ሓቢሩ።
እዚ ድማ ግዳያት ጾታዊ ዓመጽን እቲ ሕብረሰተብን ሕክምናዊ ረድኤት ንከይረኽቡ ከም ዝገበረ ይገልጽ።
ብተወሳኺ ብምኽንያት እቶም ኣብቲ ክልል ዝተፈጸሙ ጾታዊ ዓመጻት ዝስዓበ ኣካላውን ስነ ልቦናውን ሃሰያ ከም ዘሎ ብምሕባር፡ እዚኦም ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት፣ ምስባር ኣዕጽምቲ፣ ናይ መውጋእቲ ቑስሊ፣ በሰላ ዝፈጠሩ ጸገማት ፌስቱላን ድሕሪ ስንባደ ዘጋጥም ጭንቀትን ከም ዝርከቡዎም ኣስፊሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝወጽአ ሓበራዊ ጸብጻብ መርመራ ጾታዊ ዓመጻት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራትን ብመንግስቲ ዝምወል ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ኣብ ትግራይ ገበናት ኲናት ተፈጺሞም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ምግላጹ ይዝከር።
ገሊኦም ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ክኾኑ ይኽእሉ'ዮም ክብል እንከሎ እቲ ጸብጻብ፡ እዚ ዘይሕጋውን ጃምላዊን ቕትለት፣ ምስቓይ፣ ጾታውን ጾታ መሰረት ዝገበረ ዓመጽን ሓዊሱ ከበድቲ ዝርዝራት ግህሰታትን መጥቃዕታትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ስደተኛታትን ከምኡ'ውን ግዱድ ምፍንቓል ሰላማውያን ሰባት ዝሓዘ እዩ።
"ኩሎም ኣብቲ ጎንጺ ዝተሳተፉ ኣካላት ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ንብረትን መጥቃዕቲ [ከም ኣባይቲ፣ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ሆስፒታላትን ትካላት እምነትን] ፈጺሞም ወይ ብዘይኣፈላላይ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ንብረቶምን ጉድኣት ዘብጽሕ መጥቃዕቲ ፈጺሞም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ዘተኣማምን ነገር ኣሎ" ክብል እቲ ጸብጻብ ይገልጽ።
ኣካል ናይቲ ኲናት ዝኾኑ መራሕቲ ትግራይ፣ መንግስቲ ኤርትራን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ግን እዚ ጸብጻብ ከም ዝቃወሙዎ ገሊጾም'ዮም።
ይኹን'ምበር፡ ተሓላቒ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ ጸብጻብ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዓለምለኻዊ ለገስትን መንግስቲ ኢትዮጵያን ካልኦት ኣብቲ ኲናት ዝሳተፉ ዘለው ኣካላትን ዝፍጽሙዎ በደላት ጠጠው ከብሉን ነቶም ክስታት ዓለምለኻዊ ምጽራይ ክካየድ ከፍቅዱን ጸቕጢ ክገብሩ ሓቲቱ ኣሎ።
እቲ ኣብ ትግራይ ኣብ ሞንጎ ሓይልታት ትግራይን ፌዴራልን ዝጀመረ ኵናት ዓመት ከቑጽር እንከሎ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ናብ ጎረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ልሒሙ ምኽንያት ሞትን ምዝንባልን ሰላማውያን ሰባት ኾይኑ ከም ዘሎ ይንገር።
ክሳብ ሕጂ ተጻብኦታት ጠጠው ንምባልን ፖለቲካዊ ፍታሕ ንምምጻእን ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት'ኳ ይግበር እንተሎ እቶም ተጻባእቲ ሓይልታት ግን ናብ ሓደ ስምምዕ ክበጽሑ ኣይክኣሉን ዘለዉ።
ኣብዚ እዋን ሓይልታት ትግራይ ኣዲስ ኣበባ ንምቁጽጻር ይደፍኡ ከም ዘለው ክገልጹ እንከለው፡ መንግስቲ ፌደራል ብወገኑ ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ነበርን ዓቕሚ ዘለዎም ዜጋታትን ናብቲ ሰራዊት ምክልኻል ክጽንበሩ ይጽውዕ ኣሎ።
ኣባላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ግን ሓይልታት ትግራይ ንቕድሚት ዝገብሩዎ ዘለው ግስጋሰ ጠጠው ኣቢሎም ክምለሱ፣ እቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘሎ ዕግታ ክልዓልን ብሄር መሰረት ዝገበሩ ኣፈላላያትን ጽልእን ክግትኡን ኣተሓሳሲበን።
ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተነበረ ዕጽዋ ክሳብ ዝለዓል ሓይልታት ትግራይ ናብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝገብርዎ ግስጋሰ ከም ዝቕጽሉ ዝዛረብ ወሃቢ ቃል ህወሓት ጌታቸው ረዳ ግን ናብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እንገብሮ ግስጋሰ ክቕጽል እዩ ብምባል ''ንፖለቲካዊ ጸገም ብወተሃደራዊ ሓይሊ ክፈትሖ እየ ዝብል ድልየት ዘለዎ'' ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ እዩ ክብል ነቒፉ ኣሎ።
ብሰንኪ እዚ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ኣስታት ሸውዓተ ሚሊየን ህዝቢ ሰለስቲአን ክልላት ንህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ተቓዒሉ ከም ዝርከብ ጸብጻባት ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጹ።
ኣብ ትግራይ ጥራይ፡ ኣስታት 400 ሽሕ ሰባት ኣብ ኣፍ ዓጸቦ ዝርከቡ ኮይኖም፡ ቑጽሮም ዘይተፈልጠ ኣማኢት ኣሽሓት ሞይቶም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ይግመት።
ኩሎም ተሳተፍቲ እቲ ኲናት ተጻብኦታት ጠጠው ከብሉን ሰብኣዊ ረድኤት ንምብጻሕ ዘኽእል መገዲ ብዘይተገደበ መልክዑ ክኸፍቱን ጻውዒት ይቐርበሎም ኣሎ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







