ጄፍሪ ፌልትማን ምስ ፕረዚደንት ኬንያ ተራኺቡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝተመለሰ ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ጄፍሪ ፌልትማን፡ ኣብ ናይሮቢ ምስ ፐረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ድሕሪ ምዝርራቡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝተመለሰ መንግስቲ ኣመሪካ ኣፍሊጡ፡፡
ቤት ጽሕፈት ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ኣምባሳደር ፌልትማን ብአቆጻጽራ ግእዝ 28 ክሳብ 29 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም ምስ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታን ካልኦት መራሕቲ ፖለቲካን ተራኺቡ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ከምዝዘተየ ኣፍሊጡ፡፡
ፌልትማን ናይ ኬንያ ጻንሒቱ ምስዛዘመ ናብታ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ዝበጻሓ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከምዝተመለሰ ተሓቢሩ፡፡
ንሱ ነቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ እናተጋደደ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት መፍትሒ ንምእላሽ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ኢትዮጵያ ከምዝተጉዓዘ ተገሊጹ ነይሩ፡፡
ኣምባሳደር ፌልትማን ካብ 25 ክሳብ 28 ጥቅምቲ ኣብ ዝነበሩ መዓልትታት ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ደመቀ መኮነንን ሚኒስተር ምክልኻል ኣብርሃም በላይን (ዶ/ር) ከምዝተዘራረበ ቤት ጽሕፈት ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣፍሊጡ፡፡
እቲ ቤት ጽሕፈት ጉዕዞ እቲ ፍሉይ ልኡኽ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ይጋደድ ምህላው ከምዘተሓሳሰቦ ሓቢሩ፡፡
በዚ ምኽንያት እታ ሃገር ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጠረ ቅልውላው ንምፍታሕ ምስ ፈተውቲ ሃገራት፣ ሕቡራት ሃገራት፣ ሕብረት ኣፍሪቃን ካልኦት ትካላትን ሓቢራ ምስራሕ ከምእትቕጽል ኣፍሊጣ፡፡
ኣምባሳደር ፌልትማን ንተወሰኽቲ መዓልቲታት ኣብቲ ዞባ ከምዝጸንሕ እውን እቲ መግለጺ ኣመልኪቱ፡፡
ንሱ ብፍላይ ኣብ ሃገራት ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘሎ ኲናትን ፖለቲካዊ ቅልውላውን ክከታተልን መፍትሒ ንምርካብ ክሕግዝን እዩ ብፕረዚደንት ጆ ባይደን ቅድሚ ኣዋርሕ ተሸይሙ፡፡
ዛጊድ ናብቲ ዞባን ናብ ማእከላይ ምብራቕን ዝተመላለሰ እኳ እንተኾነ ዛጊድ ፍታሕ ከምዘየምጸአ እዩ ዝዝረብ፡፡
ነቲ እናተጎሃሃረ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ኢትዮጵያ ንምፍታሕ ሓያል ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ይካየድ'ኳ እንተሎ፡ ክሳብ ሕጂ ዘምጽኦ ጽልዋ የለን።
ነቶም ተጻባእቲ ወገናት ንምሽምጋል ዝተመዘዘ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ: ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሊሴጎን ኦባሳንጆ፡ ምስ ኣቦ መንበር ህወሓት ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዕዉት ዘተ ከምዘካየዱ'ውን ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ተዛሪቡ፡፡
ኣባል ሃገራት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብወገነን፡ ሰብ መዚ ኢትዮጵያን መራሕቲ ሓይልታት ትግራይን ምቁራጽ ተጻብኦ ክገብሩ፣ ዘይተገደበ ምብጻሕ ሰብኣዊ ረድኤት ክህሉ ከፍቅዱን እታ ሃገር ንምድሓን ፖለቲካዊ መፍትሒ ክገብሩን ተማሕጺነን።
ወሃቢ ቃል ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተነበረ ዕጽዋ ክሳብ ዝለዓል ሓይልታት ትግራይ ናብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝገብርዎ ግስጋሰ ከምዝቕጽሉ ተዛሪቡ።
ኣንጻር ሓይልታት መንግስትን መላፍንቶምን ዝዋግኡ ዘለዉ ሓይልታት ትግራይ ናብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ዝግስግሱ ዘለዉ ኮይኖም፡ መንግስቲ ብወገኑ ህዝቢ ክዕጠቕን ከባቢኡ ክሕሉን ይጽውዕ ኣሎ።
ብሰንኪ እዚ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ኣስታት ሸውዓተ ሚሊየን ህዝቢ ሰለስቲአን ክልላት ንህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ተቓሊዑ ከም ዝርከብ ጸብጻባት ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጹ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







