ቅልውላው ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ከተማ ከሚሴ ኣብ ምንታይ ኩነታት ትርከብ?

ካርታ

ሓይልታት ትግራይን ንርእሱ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ኢሉ ዝጽውዕ ሓይልን ኣብ ክልል ኣምሓራ ንእትርከብ ከተማ ምምሕዳር ፍሉይ ዞባ ብሄረሰብ ኦሮሞ ዝኾነት ከሚሴ፡ ከም ዝተቖጻጸሩ ክገልጹ ምጽንሖም ይዝከር።

ሓይልታት ትግራይ ብሰኑይ 22 ጥቅምቲ 20214 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] በቴ፣ ቡርቃን ሓርቡን ዝተባህላ ከባቢታት ከም ዝተቖጻጸሩ ገሊጾም።

ምስቲ መንግስቲ ኣሸባሪ ጉጅለ ሸኔ ኢሉ ዝጽውዖ ዕጡቕ ሓይሊ ኦሮሞ ብምዃን ንከተማ ከሚሴ ከም ዝተቖጻጸሩዋ እዮም ሓቢሮም ነይሮም።

ኣመሓዳሪ ዞባ ብሄረሰብ ኦሮሞ ኣሕመድ ሓሰን ግን "እዞም ሓይልታት ነታ ከተማ 'ተቖጻጺሮምዋ' ክብሃል ኣይኽእልን" ይብል።

እቲ ኣመሓዳሪ "ተቖጻጺሮምዋ ዘይኮነ ናብታ ከተማ'ዮም ኣትዮም። ኣብ ዝተረጋግአ ኩነታት ኮይኖም ክኣ ነታ ከተማ ኣይተቖጻጸሩዋን። ተኹሲ እዩ ዝስማዕ" ክብል ይዛረብ።

ነበርቲ ግና፡ ኣብቲ ዞባ መሓውር መንግስቲ ከም ዘየለውን እታ ከተማ ኣብ ትሕቲ ቑጽጽር ሓይልታት ትግራይ ከም ዘላን ገሊጾም።

ደብዳብ ነፈርትን ዝበጽሐ ጉድኣትን

ሓይልታት ትግራይን ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን ነታ ከተማ ድሕሪ ምቁጽጻሮም ኣብቲ ከባቢ ብዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ ብዙሓት ሰባት ከም ዝተቐትሉ ነበርቲ ንቢቢሲ ገሊጾም።

ኣብ ዝሓለፈ ቐዳም 37 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም ጀሚሩ ጨፋ ሮቢትን በቴን ኣብ ዝብሃሉ ከባቢታት ከምኡ'ውን ገጠራት ኣጣዬ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ ሰባት ከም ዝተቐትሉ ይዛረቡ።

ሽሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ነባሪ ብምኽንያት እቲ ደብዳብ ነፈርቲ ብዙሓት ሰባት ከም ዝሞቱን ኣባይቲ ክቃጸሉ ከም ዝርኣየን ይዛረብ።

በቴ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ገጠር ከባቢ ኲናት ይካየድ ምህላው ብምግላጽ ብሰንኪ እዚ ዝተመዛበሉ ሰባት ሰብኣዊ ረድኤት ኣብ ዘይረኽቡሎም ቦታታት ተበቲኖም ከም ዝርከቡ'ውን ሓቢሩ።

ኣብ ዞባ ምምሕዳር ብሄረሰብ ኦሮሞ ወረዳ ዱሙጋ ከተማ ሰንበቴ ዝነብር ካልእ ውልቀሰብ ድማ ኣብቲ ከባቢኡ ኲናት እንተዘይሃለወ'ውን ኣብ ኣጣዬ ግን ውግእ ከም ዘሎን ድምጺ ከቢድ ብረት ከም ዝስማዕን ገሊጹ።

ንሱ፡ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣብ ወረዳ ኣርጡማ ከተማ ጨፋ ሮቢ ብዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ሓዊሱ ብዙሓት ዜጋታት ከም ዝተቐትሉ ይፈልጥ እየ ይብል።

ኣመሓዳሪ እቲ ዞባ ኣቶ ኣሕመድ ሓሰን ግን፡ ብደብዳብ ነፈርቲ ዝተጎድኡ ሰላማውያን ሰባት የለውን ኢሉ።

መንግስቲ ፌደራል ኣብ ቀረባ ሰሙናት ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ደብዳብ ነፈርቲ ይፍጽም ከም ዘሎ እኳ እንተገለጸ፡ ኣብ ከሚሴን ከባቢኡን ብዛዕባ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ግን ዝበሎ የለን።

ኣብቲ ዞባ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ውግእ "ሰባት ተቐቲሎም. ዝምታን ጾታዊ ዓመጽን ተፈጺሙ'ዩ" ዝብል ኣቶ ኣሕመድ ኣርጡማ ፉርሲ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ ውግእ ይካየድ ምህላው ሓቢሩ።

ኣብ ዝተረፉ ቦታታት ድማ እቲ ሓራስታይ "ኣርባዕተ ዋላ ሓሙሽተ ኮይኑ ኣንጻር እቶም ዕጡቓት ይገጥም ኣሎ" ኢሉ።

ወሲኹ ሓይልታት ትግራይ ናብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እቲ ዞባ "ኣትዮም'ዮም" ምስ በለ "ብዝተረጋግአ መልክዑ ግን ኣይተቖጻጸሩዎምን። ተኹሲ'ዩ ዝስማዕ" ክብል ተዛሪቡ።

"ልፍንቲ ወያነ ዝኾነ ሸኔ ብሽም ኦሮሞ ምስኦም ይዋጋእ ኣሎ" ኢሉ።

ካልእ ነባሪ ከተማ ሰንበቴ ዝኾነ ውልቀሰብ ድማ፡ ኣብቲ ከባቢ ውግእ ከም ዘየለ፤ ብኣንፈት ኣጣዬ ግን ድምጺ ከቢድ ብረት ከም ዝስማዕ ተዛሪቡ።

ሰራዊት ምክልኻል ነታ ከተማ ኣቋሪጹ ንኣንፈት ኣጣዬ ክጉዐዓዝ ከም ዝርኣየ'ውን ሓቢሩ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ብሄረሰብ ኦሮሞ ኣቶ ኣሕመድ ሓሰን፡ ብሰንኪ ኣብቲ ዞባ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ካብ ቤት ንብረቶም ዝተመዛበሉ ሰባት የለውን ይብል።

"ህዝብና ኣይተመዛበለን፤ መሬቱ ንምውራር ዝመጽአ ተዋጊኡ ይምክት እምበር መሬቱ ገዲፉ ኣይመዛበልን። ነቲ ክዘምቶ፣ ክዕምጾን ከፍርሶን ዝመጽአ ሓይሊ ይዋግኦ'ዩ ዘሎ" ኢሉ።

ሓይልታት ትግራይ ምስ ህዝቢ ጸገም ከም ዘይብሎምን፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውኣን ሰባት ዝኾነ መጥቃዕቲ ከም ዘይፍጽሙን እዮም ደጋጊሞም ዝገልጹ።