ኣመሪካ ዜጋታታ ብህጹጽ ካብ ኢትዮጵያ ክወጹ ጸዊዓ

ከተማ አዲስ አበባ

ምንጪ ስእሊ, Addis Ababa Press Secretary/FB

ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ሃንደበት እንተብኢሱ ንዜጋታቱ ከጓዓዕዝ ከም ዘይክእል ብምግላጽ፡ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ዜጋታቱ ብህጹጽ ክወጹ ኣጠንቂቑ።

ሓደ ላዕለዋይ በዓልስልጣን ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ዋሽንግተን ከምቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝተገብረ ናይ ምግዕዓዝ ውጥን ከምዘይብላ'ውን ሓቢሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ነቲ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ዝቐተለን ኣስታት ክልተ ሚልዮን ህዝቢ ዘመዛበለን ሓደ ዓመት ኣቑጺሩ ዘሎ ኲናት ደው ከብሉ ኣመሪካን ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ጸቕጢ ክገብሩ ጸኒሖም እዮም።

ኣመሪካ ነቲ ኲናት ሰላማዊ ፈፍታሕ ንምርካብ ንዝግበር ዘሎ ጻዕርታት ዕድል ንምሃብ ብዝብል ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብቲ ኲናት ተጸሚዶም ዘለው ወገናት እገዳ ካብ ምግባር ተቖጢባ ምህላዋ፡ ኣመሪካውያን ሰበስልጣን ይገልጹ።

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት እናበኣሰ ብምምጽኡ ኣመሪካ ቅድሚ ሒደት ሳምንታት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ዜጋታታ ክወጹ ምጽዋዓ ዝዝከር እዩ።

ብዘይካ ኣመሪካ ካልኦት ብርክት ዝበላ ሃገራት ዜጋታተን ካብ'ታ ሃገር ክወጹን ናብ ኢትዮጵያ ናይ ምጋሽ ውጥናት ዘለዎም ዳግመ ግምት ክገብሩን ከተሓሳስባ ጸኒሐን እየን።

ካብ መንጎአን፡ ብሪጣንያ፣ ሽወደን፣ ጀርመን፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ደቡብ ኮርያን ሩስያን ይርከብወን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ግና ውሳነ እተን ሃገራት ዝተጋነነ ምዃኑ እዩ ዝገልጽ።

እተን ሃገራት ኣብ ዘውጽእኦ ናይ መገሻ መጠንቀቕታ፡ ኣብ መጻኢ ካብ ኢትዮጵያ ምውጻእ ኣጸጋሚ ክኸውን ስለዝኽእል ዜጋታተን ናይ ንግዳዊ በረራ ኣማራጺታት ክሳዕ ዘሎ ካብታ ሃገር ክወጹ እየን መኺረን።

ኣመሪካ ኣቐዲማ ዜጋታታ ካብ ኢትዮጵያ ክወጹ ኣብ ዘዘኻኸረትሉ መጸዋዕታ፡ እቶም ብሰንኪ ሕጽረት ገንዘብ ካብ'ታ ሃገር ምውጻእ ንዝጽገሙ ዜጋታት ልቃሕ ክወሃብ ከምዝኽእል ገሊጻ ነይራ።

እተን ዝተፈላለያ ሃገራት ዜጋታተን ካብ ኢትዮጵያ ክወጹ ከተሓሳስባ ዝጀመራ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ደቡብ ወሎ ንዝርከባ ከተማታት ተቖጻጺሩ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክቕጽል ድልየት ከምዘለዎ ድሕሪ ምግላጹን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ድሕሪ ምእዋጁን እዩ።

እቲ ሓደ ዓመት ኣቑጺሩ ዘሎ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ካብ ትግራይ ሓሊፉ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ክሰፍሕ እንከሎ ብፍላይ ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ንደሓር ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ከቢድ ኲናት ይካየድ ኣሎ።

ነዚ ስዒቡ መንግስቲ ፌደራልን ምምሕዳር ክልላትን፡ ንምንቅስቓስ እቶም ዕጡቓት ሓይልታት ንምግታእ ናብ ህዝቢ ተደጋጋሚ ጻውዒት ኣቕሪቦም ኣለው፤ ብብርኪ ሃገር ድማ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ተነቢሩ ኣሎ።