ኣመሪካዊት ዲፕሎማሰኛ ኣብ ቀይዲ ንዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ረኺባ ኣዘራሪባ

ምንጪ ስእሊ, Suna/Twitter
ኣብ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ሓላፊት ክፍሊ ኣፍሪቃ፡ ኣብቲ ንሰለስተ መዓልታት ዝጸንሐ መገሽኣ፡ ድሕሪ እቲ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣቢሉ ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ፡ ዛጊድ ኣብ ቀይዲ ዝርከብ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ረኺባ ኣዛሪባቶ።
ወይዘሪት ሞሊ ፊ፡ ምስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ምንታይ ኣድሂቦም ከምዝተዘራረቡ ዝርዝር ሓበሬታ'ኳ እንተዘይሃበት፡ እቲ 'ዲሞክራስያዊ መሰጋጋገሪ መንግስቲ ናብ ንቡር ቦትኡ ዝምለሰሉ' መገዲ ኣመልኪቶም ከምዝተዘራረቡ ኣብ ትዊተራ ኣስፊሩ።
ኣመሪካ፡ ነቲ ብጥቅምቲ 25 ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ኣትሪራ ምኹናና ዝዝከር እዩ።
ነቲ ዕልዋ ስዒቡ፡ እቲ ሓበራዊ ወተሃደራውን-ሲቪላውን ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ዝፈረሰ ኾይኑ፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ሓዊሱ ብዙሓት ሲቪላዊ መራሕቲ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ይርከቡ።
እቲ ወተሃደራዊ መራሕትን ሲቪል መራሕትን ዝሐቖፈ ልፍንቲ፡ ፕረዚደንት ዖማር ኣልበሺር ካብ ስልጣን ምእለዩ ስዒቡ ነታ ሃገር ናብ ደሞክራስያዊ መንግስቲ ንምስግጋር ዘኽእል መረጻ ንክካየድ ዝሰርሕ ዝነበረ እዩ።
ሮይተርስ ከምዝበሎ፡ ወይዘሪት ሞሊ ፊ ነቲ ብድሕሪ እቲ ዕልዋ መንግስቲ ዘሎ ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣል-ቡርሃን'ውን ኣዛሪባቶ እያ።
እቲ ወኪል ዜና ንሃገራዊ ቴሌቪዥን ሱና ጠቒሱ ከምዝጸብጸቦ ድማ፡ ነቲ ዕልዋ መንግስቲ ስዒቡ ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ሲቪል መራሕቲ ምፍታሕ ተጀሚሩ ኣሎ።
እንተኾነ፡ ሰልፍታት ተቓውሞ ኣብ ሱዳን ክካየድ ቀንዩ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ መሳርሕቶም ዝተኣሰርዎም ጋዜጠኛታት፡ ነቲ ወተሃደራዊ መንግስቲ ብምኹናን ንበይኖምሰልፊ ተቓውሞ ወጺኦም ውዒሎም።
ጀነራል ቡርሃን፡ እቲ ሓበራዊ ሲቪል-ሰራዊት ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ኣፍሪሱ ንሲቪላውያን መራሕቲ እታ ሃገር ኣብ ቀይዲ ምእታዉ ስዒቡ፡ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ሰፊሕ ተቓውሞ ኣተኣናጊዱ ይርከብ።
ካብኡ ጀሚሩ ድማ፡ ኣብታ ሃገር ዲሞክራስያውን ሲቪላውን መሰጋጋሪ መንግስቲ ንክጣየሽ ዝሓቱ ሰልፈኛታት ናብ ጎደናታት ካርቱም ወጺኦም ተቓውሞ የስምዑ ኣለዉ።
ብቀዳም ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ግና፡ ኣብ ቅድሚ ሓያሎ ሓይልታት ጸጥታ ዝነበረ ኾይኑ ሓሙሽተ ሰልፈኛታት ከምዝተቐትሉ ኮሚቴ ማሕበር ደኳትር ሱዳን ገሊጹ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







