ግብጺ ንግድብ ህዳሰ "ከተዕንዎ" እያ- ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ

ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፐረዚደንት ትራምፕ፡ ትማሊ ምስ ጋዜጠኛታት ኣብ ዝነበሮ ርክብ፡ ምስ መራሕቲ ሱዳንን እስራኤልን ብስልኪ ከምዝተዘራረበን ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ጉዳይ ህዳሰ ክካየድ ዝጸንሐ ስምምዕ ክትነጽጎ ከምዘይነበራ ተዛሪቡ።

ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ሱዳንን እስራኤልን ዲፕሎማስያዊ ርክብ ክጅምራ ብምስምመዐን ናብ ቀዳማይ ሚኒስተራት ዓብደላ ሃምዶክን ቤንጃሚን ኔታንያሁን ደዊሉ ተዘራሪቡ። ኣብ ዝርርቦም ፕረዚደንት ትራምፕ ንጉዳይ ህዳሰ ዝምልከት ሕቶታት ከምዝተላዕለን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ፡ ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ጉዳይ ህዳሰ ግድብ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ስምምዕ ክበጽሓ ተስፋ ከምዘለዎ ተዛሪቡ።

ዓብደላ ሓምዶክ "ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ስምምዕ ክንበጽሕ ኢና ኢልና ተስፋ ንገብር"ክብል እንከሎ፡ ኣብ ቅድሚ ጋዜጠኛታት ኮፍ ኢሉ ምስቶም መራሕቲ ዝዘራረብ ዝነበረ ትራምፕ ግን፡ ንግብጺ እውን ተመሳሳሊ ዘረባ ከምዘተዛረባን እቲ ጉዳይ ሓደገኛ ምዃኑ ብምሕባር፡ ግብጺ "ነቲ ግድብ ከተዕንዎ እያ" ኢሉ።

ትራምፕ ብትኽክል እንታይ እዩ ተዛሪቡ?

ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ መንጎ እቲ ምስ መራሕቲ ሱዳንን እስራኤል ዝነበሮ ዝርርብ፡ ኩነታት እቲ ግድብ ከመይ ከምዘሎ ንቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ሓቲትዎ።

ኣስዒቡ ድማ እቲ ግድብ ዓብዪ ከምዝኾነን፡ ፍሰት ማይ ሩባ ናይል ገቲኡ ከምዘሎን ብምግላጽ፡ ንግብጻውያን ጸገም ከምዝፈጠረሎም ተዛሪቡ።

"መሰማምዒ ሓሳብ ኣቕሪበሎም ነይረ፤ ኢትዮጵያ ግን ነቲ ስምምዕ ኣፍሪሳቶ። ከምኡ ክትገብር ኣይነበራን። ዓብዪ ስሕተት እዩ" ብምባል ነቲ ስምምዕ ዕንቅፋት ከምዝኾነት ገሊጹ።

በዚ ምኽንያት ድማ ነታ ሃገር ዝወሃብ ዝነበሮ ሓገዝ ጠጠው ከምዘበሎ ሓቢሩ።

"እንህቦም ዝነበርና ብዙሕ ሓገዝ ጠጠው ኣቢልናዮ ኢና። በቲ ስምምዕ እንተዘይተገዚኦም ድማ ነቲ ሓገዝ ኣይክረኽቡዎን እዮም" ክብል ተዛሪቡ።

ብተወሳኺ " ናብ ናይል ማይ ከይፈስስ ዝገብር ግድብ እዮም ዝሰርሑ ዘለዉ" ዝበለ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ " ግብጺ በቲ ኩነታት ምሕራቓ ክተሓዘላ ኣይግባእን" ኢሉ።

ኣስዒቡ ድማ እቲ ኩነታት ከመይ ከምዘሎ ንቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ሓቲትዎ።

ዓብደላ ሓምዶክ ብግዲኡ" ኣብ ቀረባ እዋን ንኹሉ ኣብ ዘርብሕ ሓቛፊ ስምምዕ ክንበጽሕ ኢና ኢልና ተስፋ ንገብር" ክብል መሊሱሉ።

" እቲ ስምምዕ ተወዲኡ እዩ ነይሩ። ግን ኣፍሪሶምዎ እዮም። ከምኡ ክገብሩ ኣይኽእሉን። እቲ ኩነታት ድማ ሓደገኛ እዩ፤ ምኽንያቱ ግብጺ ከምኡ ኢላ ክትነብር ኣይትኽእልን። ነቲ ግድብ ከዕንውዎ (ግብጺ) እዮም። ዓው ኢለ እየ ዝዛረብ ዘለኹ ነቲ ግድብ ከዕንውዎ እዮም። ስለዚ ገለ ክገብር ኣለኒ" ብምባል ተዛሪቡ።

ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ነቲ ስምምዕ ክትቅበል፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዝከኣሎ ክገብርን ሓቲትዎ ኣሎ።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ኢትዮጵያ ኣፍሪሳቶ ዝበሎ ውዕል ግን ብግልጺ ኣይሓበረን።

ብተመሳሳሊ "ንግብጻውያን እውን ከምኡ ኢለ እየ ነጊረዮም። ብዓንቶብኡ እቲ ግድብ ከይስራሕ ደው ከብልዎ ነይሩዎም። ክሳብ ዝስራሕ ሱቕ ኢሎም ርእዮምዎ፡ ሕዚ ንምንታይ (ክብሉ ኣይኽእሉን)" ክብል ተዛሪቡ።