ግድብ ህዳሰ፡ 'ኣብ ፈላማይ ዓመት ከዋህልሎ ዝተመደበሉ መጠን ማይ መሊኡ’

ግድብ ህዳሰ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ናይ ዝናብ ኩነታት፡ ግድብ ህዳሰ ማይ ንምውህላል ምቹእ ከምዝነበረን፡ እቲ ግድብ ኣብ ፈላማይ ዓመት ከዋህልሎ ዝተመደበሉ መጠን ማይ መሊኡ ብዝባኑ ክፈስስ ከምዝጀመረ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ገሊጹ።

እቲ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ጽቡቕ ዝናብ ከምዝነበረን፡ ኣብ ፈላማይ ዓመት ንምውህላል ዝተሓሰበ ማይ ከምዝመልአን የብርህ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ቅድም ክብል ኣብ መፋርቕ ሓምለ እቲ ግድብ ማይ ምውህላል ከምዝጅምር ክገልጽ ጸኒሑ እዩ።

ግብጽን ሱዳንን ብወገነን፡ ኣብ ስምምዕ ከይተበጽሐ ማይ ምውህላል ምጅማር ኣብ’ቲ ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ ጸገም ዝፈጥር እዩ ክብላ ጸኒሐን እየን።

እቲ መግለጺ ብተወሳኺ፡ ብፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፎሳ ዝተመርሐ ናይ ሰለስቲአን ሃገራት ዘተ “ዕውት” ከምዝነበረ ይገልጽ።

ኢትዮጵያ፣ ግብጽን ሱዳንን ኣብ ቴክኒካዊ ጉዳያት ተወሳኺ ዘተ ብምግባር ኣብ ሓፈሻዊ ዘተ ክበጽሓ ተሰማሚዐን ድማ ኢሉ እቲ መግለጺ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፎሳ ብወገኑ፡ እቲ ዘተ “ዕውት” ነንባሩ ድሕሪ ምጥቃስ፡ ዘተ ሰለስቲአን ሃገራት ክቕጽል እዩ ኢሉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ እውን ብተመሳሳሊ እቲ ዝርርብ ውጽኢት ከምዘፍረየ እየ ገሊጹ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኣብ ምውህላል ማይ ናይ’ቲ ግድብን ከይዲ ዕዮኡን ዘተታት ክቕጽል ተረዳዲእና ኢሉ።

ናይ ግብጺ ኣሃራም ኦንላይን’ውን እቲ ዘተ ክቕጽል ስምምዕ ከምእተገበረ ጽሒፉ’ሎ።

ህንጸት ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ምስተዛዘመ፡ 6 ሽሕ ሜጋ ዋት ጸዓት ብምፍራይ፡ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ ክኸውን እዩ። 65 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ድማ፡ ካብ’ዚ ጸዓት ተረባሕቲ ክኾኑ ትጽቢት ኣሎ።