ዓብደላ ሓምዶክ ሱዳን ግዝኣታ ኣኽቢራ ምስ ኢትዮጵያ ጽቡቕ ዝምድና ክህልዋ ከምእትደሊ ገሊጹ

ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ

ሱዳን ምስ ኢትዮጵያ ጽቡቕ ዝምድና ክህልዋ ከምእትደልን፡ እንተኾነ ነቲ ቅድሚ ኣዋርሕ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽራ ንዘእተወቶ፡ ኢትዮጵያ ናተይ እዩ እትብሎ ግዝኣት ከም እትከላኸልን ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ተዛሪቡ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነዚ ዝበለ፡ ወተሃደራቱ ቅድሚ ኣዋርሕ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ንዘእተውዎን ምስ ኢትዮጵያ ንዘሰሓሕብን ከባቢታት ዶብ ዑደት ኣብ ዝገበረሉን ንዝተሃነጸ ትሕተ ቅርጺ መሪቑ ኣብ ዝኸፈተሉን ኣጋጣሚ እዩ።

ላዕለዎት መራሕቲ እታ ሃገር ዝኾኑ፡ ኣቦመንበር ወተሃደራዊ ቤት ምክሪ ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃንን ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክን ሱዳን ኣብቲ ዘሰሓሕብ ከባቢታት ኣልፋሽካ ንዝሃነጸቶ መሰረተ ልምዓት መሪቖም ምኽፋቶም ጸብጻባት ሓቢሮም።

ኣብ ኣልፋሽካ ዝርከብ ዋድ ከሊ ኣብ ዝተባህለ ቁሸት ኣብ ዝተኻየደ ስነስርዓት ምምራቕ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ኣብ ዘስምዖ ቃል ሃገሩ ምስ ኢትዮጵያ "ጽቡቕ ዝምድና" ክህልዋ ከምዝደሊ እንተኾነ ግና ግዝኣታ ከምእትሕሉን ሉዓላውነታ ከምእተኽብርን ምግላጹ ኣሶሽየትድ ፕረስ ጸብጺቡ።

ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣካል ግዝኣተን ከም ዝኾነ ብምግላጽ ንነዊሕ እዋን ክዘራረባሉ ዝጸንሓ ንሕርሻ ምቹእ ዝኾነ ከባቢ ኣልፋሽካ፡ ቅድሚ ትሽዓተ ኣዋርሕ፡ ሰራዊት ሱዳን ንሓረስቶት ኢትዮጵያ ብምውጻእ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ምእታው ዝዝከር እዩ።

ኢትዮጵያ እቲ ግዝኣት ናብ ዝነበሮ ተመሊሱ ዝርርብ ክካየድ'ኳ ብተደጋጋሚ እንተሓተተት ሱዳን ነቲ ጠለብ ብምንጻግ ኣብቲ ከባቢ ዝተፈላለዩ መሰረተ ልምዓት ክትሃንጽ ጸኒሓ ኣላ።

ጀነራል ኣል ቡርሃን ኣብቲ ስነስርዓት ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ኢትዮጵያ ጸኒሑ ናብ ሱዳን ተካቲቱ ኣብ ዘሎ ከባቢታት እቲ ዶብ ምርግጋእን ውሕስነትን ከም ዝሰፍን ንምግባር ከምዝሰርሕ ምዝራቡ ወኪል ዜና ሱዳን፡ ሱና ጸብጺቡ።

እቲ ጀነራል ወሲኹ፡ እቲ ግዝኣት ናብ ሱዳን ንኽምለስ እቲ ሰራዊትን ህዝብን ንዝገበሮ ጻዕሪ ብምድናቕ፤ እቲ ከባቢ ንሕርሻ ምቹእ ዝኾነ ልሙዕ መሬት ብምዃኑ ነፍሲ ወከፍ ስድሪ መሬት ከልምዑ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ዝዋሰንሉ ከባቢ ዝለዓል ናይ ዶብ ምስሕሓብ መዕለቢ ከይረኸበ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ኮይኑ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያውያን ሓረስቶት እዩ ጸኒሑ።

ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ስዒቡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብቲ ከባቢ ድሕሪ ምውጽኡ ወተሃደራት ሱዳን ናብቲ ከባቢ ብምእታው ንኢትዮጵያውያን ሓረስቶት ብምፍንቓል ነቲ ከባቢ ምቁጽጻሮም ዝዝከር እዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ተግባር ብምቅዋም፡ ሰራዊት ሱዳን ካብቲ ተቖጻጺርዎ ዘሎ ከባቢታት ክወጽእን እቲ ጉዳይ በቲ ኣቐዲሙ ዝተጀመረ ዝርርብ ክፍታሕ ብተደጋጋሚ እኳ እንተሓተተ መንግስቲ ሱዳን ነቲ ጠለብ ኣይተቐበሎን።