ሱዳን ንዑመር ኣልበሽር ናብ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ኣሕሊፋ ክትህብ ወሲና

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሱዳን ንፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣልበሽርን ክልተ ሓገዝቱን በቲ ኣብ ዳርፉር ዝተፈጸመ ገበን ኲናት ናብ ዝተኸሰሱሉ ዓለም ለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት (ኣይሲሲ) ኣሕሊፉ ክትህቦም ከምዝወሰነት ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሚርያም ኣል-ማህዲ ኣፍሊጣ፡፡
ንሳ ‘‘ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት እቶም ዝድለዩ ሰባት ናብ ዓለም ለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ኣሕሊፉ ክህቦም ወሲኑ’’ ከምዝበለት ማዕከን ዜና ሱዳን ሱና ጻብጺቡ፡፡
ሚኒስተር ሚርያም ነዚ ዝገለጸት ምስቲ ኣብ ሱዳን ምብጻሕ ዝገብር ዘሎ ኣኽባር ሕጊ እቲ ዓለም ለኻዊ ቤት ፍርዲ ከሪም ዓሳድ ከሃን ኣብ ዝተራኸበትሉ እዋን ከምዝኾነ ዝሓበረ እቲ ማዕከን ዜና፡ ሃገራ ‘‘ግዳያት ኲናት ዳርፉር ፍትሒ ክረኽቡ’’ ምስቲ ቤት ፍርዲ ከምእትተሓባበር ተዛሪባ ኢሉ፡፡
ኣብዚ እዋን ኣብ ከተማ ካርቱም ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ኮበር ዝርከብ ፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣልበሽር፡ በቲ ኣብ ሚያዝያ 2019 ዝተካየደ ህዝባዊ ናዕቢ ካብ ስልጣን ተኣልዩ ክእሰር ተገይሩ፡፡
ዘበነ ስልጣን ኣልበሽር ክሲ ገበን ኲናትን
ዘበነ ስልጣን ዑመር ኣልበሽር ብውግእን ብወረ ውግእን ዝተሓመሰ እዩ ነይሩ። ኣብ ዕድመ ስልጣኑ ሱዳን ፈጺማ ኣይረግአትን።
በሽር ኣብ ሰልጣን ክመጽእ እንከሎ'ውን ን21 ዓመት ዝቀጸለ ውግእ ሓድሕድ ደቡብን ሰሜንን ሱዳን ይካየድ ነይሩ።
ዋላ'ኳ እቲ ውግእ ኣብ 2005 ንኽውዳእ እንተተሰማምዑ፡ ካልእ ሓድሕዳዊ ኲናት ኣብ ምዕራባዊ ዳርፉር ተኸሲቱ።
ተቃወምቲ ሓይልታት ዳርፉር ብሰንኪ ተነጽሎ፡ ንመሰል ርእሰ ውሳነ ኣንጻር መንግስቲ ሱዳን ኩናት ምስ ጀመሩ፡ መንግስቲ ሱዳን ኣንጻሮም ወተሃደራዊ ስጕምቲ ክወስድ ወሲኑ።
እቲ ዝተወስደ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ሓያል ስለ ዝነበረ ድማ፡ ዑመር ኣልበሽር ብዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበን፡ ብገበናት ኵናትን፡ ኣብ ልዕሊ ሰባት ገበናት ብምፍጻምን ስለዝተኸሰሰ፡ ተኣሲሩ ንኣህጕራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ክቀረብ ትእዛዝ ተመሓላሊፉ።
እንተኾነ ግን፡ ንሱ ነቲ ክሲ ብተተደጋጋሚ ነጺግዎ እዩ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







