'ኣፍሪቃ እንታይ ምዃና ንዓለም ከርኢ'የ'- ኣይሾውስፒድ

ኣመሪካዊ ዩቱበር ኣይሾውስፒድ ኣብ ኤስዋቲኒ ተዋጋኢ ንምዃን ኣብ ዝካየድ ስነ-ስርዓት ምጅማር ተሳቲፉ

ምንጪ ስእሊ, Eswatini Tourism

መግለጺ ስእሊ, ኣመሪካዊ ዩቱበር ኣይሾውስፒድ ኣብ ኤስዋቲኒ ተዋጋኢ ንምዃን ኣብ ዝካየድ ስነ-ስርዓት ምጅማር ተሳቲፉ

ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለምና ኣዝዮም ህቡባት ዝዀኑ ፈጠርቲ ትሕዝቶታት - content creators- ኣብታ "ብዘገርም ነገራት ዝመልአት" ዝበላ ኣፍሪቃ፡ ኣብ 20 ሃገራት ዑደት ኣብ ዝገብረሉ ዘሎ እዋን፡ ቀልቢ መብዛሕትኦም መንእሰያት ዝዀኑ ኣድነቕቱ ብዙሓት ሰባት ክስሕብ ቀንዩ ኣሎ።

ኣብ ሩዋንዳን ኢትዮጵያን ዝርከቡ ቈልዑ፡ ነቲ ኣብ ኢንተርነት ዝፈልጥዎ ጅግናኦም ብኣካል ክሓቝፍዎ ከለዉ ብሓጐስን ፍናንን ነቢዖም።

እዚ 'IShowSpeed' ​​ወይ ብቐሊሉ 'Speed' ብዝብል ​​ዝፍለጥ መንእሰይ፡ ሕጂ ኣብ ዩትዩብ ልዕሊ 48 ሚልዮን ሳብስክራይበራት ኣለዉዎ።

ካብ ሰለስተ ክሳብ 11 ሰዓታት ብዝጸንሕ ልዑል ሓይሊ ዘለዎ፡ ዕግርግር ዝመልኦን ፍጹም ጽሑፍ ዘይተዳለወሉን ኣቀራርባኡ ይፍለጥ።

ኣፍሪቃውያን ኣመሪካውያን'ውን ነቲ "Speed ​​Does Africa" ​​ዝብል ዑደቱ፡ ፍሉይ ፍቕርን ክብርን የርእዩዎ ኣለው።

ንሱ፡ ገና ሕጂ'ዩ 21 ዓመት ዝመልእ ዘሎ።

ኣብ ኤስዋቲኒ "ሎጊጂማኮ" ዝብል ቅጽል ስም ተዋሂብዎ - ትርጕሙ ድማ "እቲ ጐያዪ" ማለት እዩ።

ካልኦት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ድማ "ስፒዳኒ" ኢሎም ሰምዮሞ ኣለዉ።

ትኽክለኛ ስሙ ዳረን ዋትኪንስ ጁንየር ዝዀነ ስፒድ፡ ሰባት ኣብ ኣንጎላ - እታ ናይ መጀመርታ ዝበጽሓላ ሃገር - ዘርኣዩዎ ኣቀባብላ ካብ ዝገመቶ ንላዕሊ እዩ ኰይኑዎ።

ሓደ ደጋፊ ኣብ ገማግም ባሕሪ "my mom's kinda homeless" - 'ኣደይ ዳርጋ ግዳም ሓደር'ያ' - ዝብል ስፒድ ዝሰርሖ ሚም ዳግማይ ሰሪሑ ጸኒሑዎ።

"ሓወይ ኣይሕሱን እየ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ፍቕሪ ኣዝየ ፈትየዮ። ኣብዚ ዘሎ ነገር ፍሉይ እዩ፡" ክብል ነቶም ብቐጥታ ኣብ ዩትዩብ ዝከታተሉዎ ዝነበሩ ሰባት ተዛሪቡ።

ኣብ ውሽጢ 28 መዓልታት፡ ምስ ጕጅለኡ - ክኢላታት ካሜራ፡ ጸጥታን ሎጂስቲክስ ዘለዎ- ኣብ ናይጀርያ፡ ኣይቨሪኮስት፡ ላይበርያን ጋናን ሓዊሱ ኣብ 20 ሃገራት ኣፍሪቃ ክበጽሑ መደብ ኣለዎም።

ንሱ ነቲ ተፈጥሮኣዊ ጸጋታት ክርኢ፡ ገለ ታሪኽ ክመሃር፡ መዓልታዊ ህይወት፡ ባህልን መግብን ክድህስስ፡ ስፖርት ክጻወት፡ ምስ ኣድነቕቱ ክራኸብ፡ ምስ ገለ ምኒስተራት ቱሪዝም ክራኸብ - ብሓፈሻ ድማ ንዝዀነ ይዅን ብፍጥነት ኣብ ዝጕዓዘሉን ብቐጥታ ኣብ ዘመሓላልፈሉን እዋን ዝገጠሞ ኵሉ ክመሃረሉ መደብ ኣለዎ።

"ኣፍሪቃ ብሓቂ እንታይ ምዃና ንዓለም ከርኢ እደሊ፡" ክብል ስፒድ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን ተዛሪቡ።

ገለ ሰባት ነቲ ዑደት፡ በቶም ኣብ ኢንተርነት ዝገብሮም ምንቅስቓሳት ንነብሱ ጥራይ ዝረብሓሉ ዕምቈት ዘይብሉ ተግባር እዩ ክብሉ ይነቕፉዎ።

ኣብ መድረኽ 'AskAnAfrican Reddit'፡ ባክዩሙ ዝተባህለ ነባሪ ኒጀር፡ ነቲ ዑደት "ኣዘናጋዒ" ዝዀነ ሰብ ዝገበሮ ንሓጺር እዋን ዝጸንሕ ባህ ዘብል ነገር ክብል ገሊጹዎ።

ስፒድ፡ ኣብ ሓቀኛ ህይወትን ኵዕሶ እግርን ዝተሞርኰሰ ትሕዝቶታት ምቕራብ ቅድሚ ምጅማሩ፡ ተጻዋታይ ጌም ኰይኑ ኣብ 2022 ኣዝዩ ፍሉጥ ኰይኑ።

እቲ ዘርኣዮ ዕብየት ኣካታዒ እዩ።

ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ጓለንስተይቲ ጾታ መሰረት ዝገበረ ዘስተናዕቕ ርእይቶ ድሕሪ ምሃቡ፡ ካብ ኵሉ ናይ ሪዮት ጌምስ ናይ ኦንላይን ውድድራት ንሓዋሩ ተኣጊዱ እዩ። ይቕሬታ ሓቲቱ ጌጋኡ'ውን ተኣሚኑ።

ሓደ እዋን'ውን፡ ንሓደ ናይ ጌም ገጸ ባህሪ ምሉእ ብምሉእ ተዓዘብቲ እናርኣየ ኣብ ዘይግቡእ ጾታዊ ንጥፈታት ክዋሳእ ብምግባር ንሓደ ሰሙን ካብ ዩቱብ ተኣጊዱ ነይሩ።

IShowSpeed ​​ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty Images

መግለጺ ስእሊ, IShowSpeed ​​ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ወለዶ እዚ እዋን ዝዀኑ ጄንዚን ንኣሽቱ -ጄን ኣልቫን-፡ ነቶም ብዝዀነ ዓይነት ምመያ ወይ ሳንሱር ዘይሓልፉ ትሕዝቶታቱ ይፈትውሉ።

ወዲ 16 ዓመት ዛምብያዊ ቺንያማ ዮንጋ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "እቲ ንሱ ዘለዎ ዓይነት ጸዓትን ዝገብሮ ነገራትን ብሓቂ ደስ ይብለኒ፡" ኢሉ።

ኣብ ዛምብያ፡ ስፒድ ኣብ ወሰን ሞሲ-ኦኣ-ቱንያ ወይ ቪክቶርያ ፎልስ ኣብ ዝርከብ ዴቭልስ ፑል ኰይኑ ምስ ዛምብያዊ ፈላሚ ሂፕ-ሆፕ ስላፕዲ ራፕ ክገብር ተራእዩ።

ኣብ ርእሰ ከተማ ሉሳካ ድማ ጸጕሩ'ውን ተቐምቒሙ - እዚ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምስ ተዘርግሐ ኣብኡ ዝውሕዙ ኣሽሓት ሰባት ኣሐጒሱ።

"ንሱ ባዕሉ ኰይኑ እዩ ዝቐርብ - ካብቲ ልሙድ ብብዝሒ ስክሪፕትን ብሞያዊ መገዲ ዝተኣርመን ቪድዮታት ድማ ኣዝዩ ዝተፈልየ'ዩ፡" ይብል ቺንያማ።

ወዲ 11 ዓመት ሄንሪ ዳል ኣብ ዓዲ እንግሊዝ እዩ ዝመሃር። ንሱ፡ "ብሓቂ መስሓቕ'ዩ፤ ናይ ብሓቂ ንፉዕ'ዩ። ገንዘብ የወፍይን ኣብ ጸገም ንዝርከቡ ሰባት ይሕግዝን፡" ብምባል ስለ ምንታይ ከም ዝፈትዎ ይረዛብ።

ኣብ ርእሰ ከተማ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ዳርጋ ንኣርባዕተ ሰዓታት ዝወሰደ ቀጥታዊ ፈነወ ነይሩዎ።

መብዛሕትኡ ግዜ ድማ በቲ ሓንሳብ ሓንሳብ ህውከት ዝመልኦ ርክባትን ንጥፈታትን ብዙሓት ይግረሙ ነይሮም።

ስፒድ፡ ሓጺር ስረን መለለይኡ ዝዀነት ቁጽሪ ሸውዓተ ማልያ ኩዕሶ እግሪን ተኸዲኑ'ዩ ዝረአ። ናብ ኢትዮጵያ ምእ ኣተወ ኸኣ ብጫ ናይ ኢትዮጵያ ማልያ ለቢሱ - ኣብ ዙርያ እታ ርእሰ ከተማ ይዘውር ነይሩ።

ናብ ቀንዲ ማእከል ዕዳጋ እታ ከተማ ዝዀነ መርካቶ፣ ናብ ቤተ መዘክር ሳይንስ ኢትዮጵያ ከይዱ ንሓንቲ መርኣዪት ነፋሪት ኣውዲቑ፣ ናብ ቤተ መዘክር ዓወት ዓድዋ ብምኻድ ኣብ 1896 ንሓይልታት ጥልያን ዝሰዓሩ ተዋጋእቲ ኢትዮጵያ ንምኽባር ጥራይ እግሩ ተጓዒዙ።

እታ ሃገር ናይ ገዛእ ርእሳ ኣቈጻጽራ ከም እትጥቀም ምስ ፈለጠ፡ "ጽናሕ!... 2018'ዩ። ወዲ 13 ዓመት እየ ማለት ድዩ? ሮናልዶ ገና ኣብ ርያል ማድሪድ'ዩ ዘሎ?፡" ኢሉ።

ስፒድ ምስ ዝተፈላለዩ ሳዕሳዕቲ'ዉን ባህላዊ ተልሂታት እታ ሃገር ክልሀ ተራእዩ። እዚ ንወዲ 33 ዓመት ኣካያዲ ሆቴል ዮናይኤል ታዲዎስ ፍሉይ ህሞት እዩ ነይሩ።

ዮናይኤል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ምስ ኩሎም ሳዕሳዕቲ ክዋሳእ ከሎ ዝነበሮ ሓይሊ ዘገርም እዩ ነይሩ። ብተወሳኺ ስፒድ ብዙሕ ጥረ ስጋ ንምፍታን ተባዕ ነይሩ፡" ኢሉ።

ስፒድ ኣብ ሓደ ካብ ፈነወታቱ ንሚስ ዩኒቨርስ ዙምባብወ 2025 ሊሻንዳ ሞያስ ክፈልጣ ብዘይምኽኣሉ ገለ ክትዕ ኣለዓዒሉ እዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ስፒድ ኣብ ሓደ ካብ ፈነወታቱ ንሚስ ዩኒቨርስ ዙምባብወ 2025 ሊሻንዳ ሞያስ ክፈልጣ ብዘይምኽኣሉ ገለ ክትዕ ኣለዓዒሉ እዩ

ጕዕዞ ስፒድ ከምቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ዙምባብወ ሃራረ ዘጋጠመ፡ ብዘይ ክፍተት ዝካወን ዘሎ ጕዕዞ ኣይነበረን።

ወይዘሪት ዩኒቨርስ ዙምባብወ ሰላም ክትብሎ ምስ ወጽአት፡ እታ ንግስቲ ጽባቐ ብጌጋ ኣብቲ ዕግርግር ዝመልኦ ህሞት ዕሽሽ ተባሂላ።

ገለ ንስፒድ ክሓቑፉን ምስኡ ስእሊ ክስኣሉን ዝተጓየዩ ኣድነቕቱ፡ ብናይ ጸጥታ ጋንታኡ ክእለዩ ተራእዩ።

ስፒድ ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናብ መቓብር ሃጸይ ሃይለስላሴ ክበጽሕ እንከሎ - ብሰንኪ ኢንተርነት ነቲ መደብ ኣቋሪጽዎ።

ሓደ ካብቶም ኢትዮጵያውያን ኣዳለውቲ ውሽጢ ዓዲ ዝዀነ ዮናይኤል፡ "ብዛዕባ ኢትዮጵያ ብዘለዎም ግጉይ ኣረኣእያ፡ ብዙሓት ፈጠርቲ ዕድል ኣይህቡናን፡" ብምባል ብስፒድ ሕጕስ ምዃኑ ገሊጹ።

ባክዩሙ ግን ዝያዳ ትኹረት ዝተነፍጎ ዝመስል ነገር ከም ዘሎ ይጠቅስ።

"ብዙሓት ከምልኩዎ ምርኣይ ዘሕዝን ኰይኑ ይስምዓካ፡ ምኽንያቱ መብዛሕትኡ መህደሚ ዝዀነ ነገር ይደሊ ምህላው ዘጉልሕ እዩ።"

ንሱ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት መዓልታዊ ዝገጥምዎም ነገራት ከም ስእነት መንበሪ ኣባይትን ሽቕለት ኣልቦነትን ዝኣመሰሉ ነገራት ብምጥቃስ፡ "እዚ ትርጉም ዘለዎ ባህላዊ ምልውዋጥ ኣይኰነን። ካብ ስርዓታዊ ሕሰም ንሓጺር እዋን ዝጸንሕ ምዝንጋዕ'ዩ" ይብል።

ንዮናኤል ግን እቲ ምብጻሕ ከምቲ ተስፋ ዝገብሮ ዝነበረ ጽልዋ ኣሕዲሩሉ።

"ኣብ መላእ ዓለም ሰባት ብዛዕባ ሃገርና ኣወንታዊ ነገራት ይረዛቡ ኣለው። ብናይ ሓንቲ መዓልቲ 'ስትሪሚንግ' ነቲ ትረኻ ዳግማይ ክንቕይሮ ከም እንኽእል ርኢና ኢና።"

ይዅን'ምበር፡ ሓደ ትሕዝቶታት ዝፈጥር ብዝገብሮ ናይ ሓደ መዓልቲ ምብጻሕ - ክሳብ ክንደይ ዓቢ ብዘየገድስ - ብሓቂ ዓለማዊ ትረኻታት ኣህጉር ኣፍሪቃ ንምቕያር እዅል ድዩ?

ጅማሮ እዩ ትብል ኣደ ዛምብያዊ መንእሰይ ቺንያማ ሳምባ ዮንጋ።

"ስፒድ ኣብ ውሽጢ ሓበንን ሓባራዊ መንነትን ክደልዩ ዝጸንሑ ብዙሓት መንእሰያት - ኣብ መላእ ዲያስፖራን ኣብታ ኣህጉርን - ውሽጣዊ ምልዕዓል ፈጢሩ'ዩ።"