ምድራፍ ንጥዕና ዘለዎ ረብሓ እንታይ እዩ?

ካብ ንበይንኻ ብሓባርን ብጕጅለን ምድራፍ ድማ ዝሐሸ ረብሓ ኣለዎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ካብ ንበይንኻ ብሓባርን ብጕጅለን ምድራፍ ድማ ዝሐሸ ረብሓ ኣለዎ

ኣብ ዝዀነ ከባቢ ባንድታት ሙዚቃ ክደርፉ ክትርእዮም ትኽእል ኢኻ፤ ኣብ ማእከላት ዕዳ፡ መደበራት ባቡር፡ መዕበይ ኣረጋውያን፡ ኰታስ ካብ ኣፍደገ ገዛኻ ወጻኢ ዘሎ ጐደናን ብዘሐጕስ ሙዚቃ ይመልእዎ።

ንጥዕናኦም እውን ይሰርሑ ከም ዘለዉ ምፍላጥ የድሊ።

ካብ ሓንጎል ክሳብ ልቢ፡ ደርፊ፡ ብፍላይ ድማ ብጕጅለ ክኸውን እንከሎ፡ ሰፊሕ ረብሓ ከም ዘምጽእ ተረጋጊጹ ኣሎ።

ምድራፍ፡ ሰባት ክቀራረቡ፡ ኣካላትና ሕማም ንምምካት ክዳሎ፣ ቃንዛ ከይተረፈ ከጥፍእ ይኽእል።

ስለዚ፡ ድምጽኻ ኣውጺእካ ዓው ኢልካ ንምድራፍ ፈትን።

"ደርፊ ኣእምሮኣዊ፡ ኣካላዊ፡ ስምዒታውን ማሕበራውን ተግባር'ዩ" ይብል ኣብ ካምብሪጅ ኢንስቲትዩት ፎር ሙዚክ ቴራፒ ሪሰርች ተመራማሪ ኣሌክስ ስትሪት።

ንሱ፡ ህጻናትን ዓበይትን ካብ መጕዳእቲ ሓንጎል ንኽሓውዩ ብኸመይ ክሕግዝ ከምዝኽእል ኣፅኒዑ።

ስነኣእምሮኣውያን፡ ብሓባር ዝደርፉ ሰባት ከመይ ጌሮም ስምዒት ሓያል ማሕበራዊ ምትእስሳር ከማዕብሉ ከም ዝኽእሉ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዞም ይግረሙ እዮም።

ካብቶም ናብ ሰብ ዘይቀርቡ ዝበሃሉ እውን ከይተረፉ፡ ኣብ ምድራፍ ክኸውን እንከሎ ብሓደ ይጥርነፉ።

ምስ ዘይፈልጥዎም ሰባት ንሓደ ሰዓት ብሓባር ድሕሪ ምድራፎም፡ ዘይተለምደ ጥቡቕ ምትእስሳር ክፈጥሩ ከም ዝኽእሉ መጽናዕትታት የመልክቱ።

ርግፅ እዩ፡ደርፊ ንሳንቡእን ስርዓተ ምስትንፋስን ንጹር ኣካላዊ ረብሓታት ከምዘለዎ ዘገርም ኣይከውንን።

ገለ ተመራመርቲ ንኣብነት ሕማም ሳንቡእ ዘለዎም ሰባት ንምሕጋዝ ደርፊ ከም መሳርሒ ክጥቀሙሉ ጸኒሖም እዮም።

ጐሮሮና ምንቅስቓስ

ደርፊ ግን ካልእ ዝገርም ኣካላዊ ረብሓታት እውን ኣለዎ። ህርመት ልብን ጸቕጢ ደምን ሰባት ከም ዘመሓይሽ ተረጋጊጹ ኣሎ።

ብጕጅለ ምድራፍ ወይ መዝሙር ምዝማር፡ ንሓደ ዓይነት ሙዚቃ ምስማዕ ጥራይ ብዘይክእል መገዲ፡ ንናይ ሕማም ምክልኻል ዓቕምና እውን ከም ዘዕብዮ ተረጋጊጹ ኣሎ።

ነዚ ዝምልከት ዝተፈላለየ መግለጺታት ኣሎ።

ብመንጽር ስነህይወት፡ ደርፊ ነቲ ብቐጥታ ምስ ድምጽን ጭዋዳታትን ድሕሪት ጐረሮ ዝተኣሳሰር ቫጋስ ነርቭ ከም ዘንቀሳቕሶ ይሕሰብ።

እቲ ኣብ ደርፊ ዝሳተፍ ነዊሕን ቍጽጽር ዝግበረሉን ትንፋስ ምስ ደስታ፡ ጽቡቕ ስምዒትን ቃንዛ ከይስመዐካ ምስ ዝተኣሳሰሩ 'ኢንዶርፊን' እውን ይለቅቕ።

ደርፊ ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ ሓንጐልና ንዝርከቡ ሰፊሕ መርበብ ኒውሮናት እውን የነቓቕሕ፣ እዚ ድማ ምስ ቋንቋ፣ ምንቅስቓስን ስምዒትን ዝራኸቡ መትኒታት የነቓቕሕ።

እዚ ምስቲ ኣብ ምትንፋስ ደርፊ ዝጠልቦ ትዅረት ተደሚሩ፡ ውጽኢታዊ ይገብሮ።

"እቲ 'ጽቡቕ ስምዒት'፡ኣብቲ ዝደመቐ ድምጺ፡ ፍሽኽታን ኣቃውማን ንጹር'ዩ" ይብል ስትሪት።

ነዚ ረብሓታት እዚ እውን ገለ ሱር ዝሰደደ ምኽንያታት ክህሉ ይኽእል እዩ።

ገለ ተመራመርቲ ስነ-ሰብ፡ ሆሚኒድ ዝበሃሉ ጥንታውያን ኣቦሓጐታትና ቅድሚ ምዝራቦም፡ ምስ ተፈጥሮ ንምምስሳል ወይ ስምዒታት ንምግላጽ፡ ድምጺ ይጥቀሙ ከም ዝነበሩ ይኣምኑ።

እዚ ድማ ኣብ ምምዕባል ዝተሓላለኸ ማሕበራዊ ርክባት፣ ስምዒታዊ መግለጺን ስርዓትን ወሳኒ ተራ ተጻዊቱ ክኸውን ይኽእል እዩ።

"ንህጻናት ይዝመር፡ኣብ ቀብሪ ከይተረፈ ድማ ደርፍታት ይዝመር።ክፍሊ ቅድሚ ምእታውና ንዝምር፡ ፊደላት ብህርመታውን ዜማውን ኣቃውማ ንመሃር።"

ንሕማም ረሲዕን ወቕዕን ንምፍዋስ

እቲ ኣዝዩ ዘደንቕ ረብሓ ደርፊ፡ ሓንጎል ካብ ጉድኣት ንርእሱ ንኽጽግን ኣብ ምሕጋዝ ዘለዎ ተራ እዩ።

ህይወት ናይቶም ምስ ዝተፈላለዩ ሕዱር ሕማማት ዝነብሩ ሰባት ንምምሕያሽ ዝሕግዝ መንገዲ ኰይኑ ኣሎ።

ኣብ መላእ ዓለም፡ ተመራመርቲ፡ ካብ መንሽሮን ወቕዒን ዝደሓኑ ሰባት፡ ምስ ሕማም ፓርኪንሰንን ዲመንሽያን [ረሲዕ] ዝነብሩ ሰባትን ኣለይቶምን ዝተመስረቱ ውፉያት ማሕበረሰባዊ መዘምራን ምጽንባር ዘምጽኦ ረብሓ ኣጽኒዖም እዮም።

ንኣብነት ደርፊ ንሕሙማት ፓርኪንሰን ናይ ምዝራብ ዓቕሞም የመሓይሽ፣ እዚ ድማ እቲ ሕማም እናገደደ ምስ ዝኸይድ ከም መፍትሒ ይጥቀምሉ።

ከምኡ'ውን፡ ደርፊ፡ ምስ ቅልጡፍ ምጕዓዝ ዝመጣጠን ስፖርታዊ ምንቅስቓስ ምዃኑ ተረጋጊጹ ስለዘሎ ሓፈሻዊ ጥዕና ንምዕባይ ዝሕግዝ መንገዲ ይውክል።

"ደርፊ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ኰይኑ፡ ምስ ምንቅስቓስ ኣካላት ገለ ጐድናዊ ረብሓታት ኣለዎ" ይብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሳውዝሃምፕተን ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ፊዚዮቴራፒ ስርዓተ ምስትንፋስ ኣዳም ሉዊስ።

ተመራመርቲ ግን ነቲ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ጕጅለ ​​ደርፊ ምስታፍ ንኣእምሮ ናይቶም ምስ ነዊሕ እዋን ዝጸንሑ ሕዱር ሕማማት ዝነብሩ ሰባት፡ ዛጊድ ዘይተገልፀ ረብሓታት ከጕልሑ ድሌት ኣለዎም።

ነፍስ ወከፍ ድምጺ

ካብቶም ብደርፊ ዝያዳ ከም ዝጥቀሙ ዝተረጋገጸ ሕዱር ጸገም ስርዓተ ምስትንፋስ ዘለዎም ሰባት ይርከብዎም።

ኣብ ኢምፔርያል ኮሌጅ ለንደን ኣብ ሕክምና ስርዓተ ምስትንፋስ ክሊኒካዊ መምህር ዝዀነ ከይር ፊሊፕ፡ ደርፊ ንሰባት ካብዞም ሕማማት ከም ዘይፍውሶም፡ እንተዀነ ንልምዳዊ ሕክምናታት ዝምልእ ውጽኢታዊ ኵለንተናዊ ኣገባብ ኰይኑ ከገልግል ከም ዝኽእል ይገልጽ።

"ንገለ ጸገም ምትንፋስ ዘለዎም ሰባት፡ ኣገባብ ምስትንፋሶም ክቕይሩ ይሕግዞም፤ምናልባት ዘይስሩዕን ዘይብቑዕን ክኸውን ይኽእል'ዩ" ይብል ፊሊፕ።

"ገለ ኣብ ደርፊ ዝተመርኮሰ ኣገባባት ነዚ ብመንጽር ዝጥቀሙሉ ጭዋዳታት፡ ህርመትን ዕምቈትን [ምትንፋስ] ይሕግዙ፣ እዚ ድማ ነቶም ፀገማት ንምምሕያሽ ክሕግዝ ይኽእል።"

ደርፊ ብፍላይ ንሓንጎል ከምኡ’ውን ንስርዓተ ምስትንፋስ ዝጠቅም ይመስል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ደርፊ ብፍላይ ንሓንጎል ከምኡ'ውን ንስርዓተ ምስትንፋስ ዝጠቅም ይመስል

ከምኡ ዀይኑ'ውን፡ ደርፊ ነቶም መሰረታዊ ኵነታት ጥዕና ዘለዎም ሰባት ካብ ሓደጋ ነጻ ኣይኰነን።

ኣብ መጀመርታ ደረጃታት ለበዳ ኮቪድ-19 ብቅልጡፍ ብትንፋስ ዝመሓላለፍ ምዃኑ፡ እቲ ናይ ደርፊ ተግባር ንጕጅለታት ደርፊ ጸልዩዎም ነይሩ።

"ጸገም ስርዓተ ምስትንፋስ እንተሃልዩካ፡ ንኻልኦት ሰባት ኣብ ሓደጋ ብዘየእቱ መልክዑ፡ ነታ ሰሙን ኣብ ልምምድ መዘምራን ምሕላፍ ዝበለጸ'ዩ" ይብል ፊሊፕ።

ምናልባት ግን እቲ ኣዝዩ ዘደንቕ ረብሓ ደርፊ፡ ሓንጎል ካብ ጉድኣት ንርእሱ ክጽግን ኣብ ምሕጋዝ ተራ ዘለዎ ይመስል።

እዚ ድማ ብዛንታ ኣባል ኮንግረስ ኣሜሪካ ነበር ጋብሪኤል ጊፎርድስ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ኣብ 2011 ኣብ ዝተኻየደ ፈተነ ቅትለት ኣብ ርእሳ ብጥይት ካብ ሞት ምድሓና ስዒቡ ዝመጸ እዩ።

ኣብ ውሽጢ ነዊሕ ዓመታት፡ ጊፎርድስ ከመይ ጌርካ ትኸይድ፣ ትዛረብ፣ ተንብን ትጽሕፍን ዳግማይ ተማሂራ፡ ቴራፒስት ድማ ካብ ንእስነታ ጀሚሮም ዝነበሩ ደርፍታት ተጠቒሞም፡ ኣቓልቦኣ ዳግማይ ክትረክብ ሓጊዞምዋ።

ደርፊ ከም ሓደ ዓይነት ፍወሳ ተጠቒምካ፡ ሕዱር ሕሙማት ዘለዎም ንምሕጋዝ ዝግበር ፈተነታት እናዓበየ ይመጽእ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ደርፊ ከም ሓደ ዓይነት ፍወሳ ተጠቒምካ፡ ሕዱር ሕሙማት ዘለዎም ንምሕጋዝ ዝግበር ፈተነታት እናዓበየ ይመጽእ ኣሎ።

ተወሳኺ ረብሓታት ምድራፍ

ደርፊ፡ ቀጻሊ ኣቓልቦ ዝሓትትን ምዝካር ቃላትን ዘነቓቕሕን ብምዃኑ፡ ብኣእምሮኣዊ ምንቁልቋል ዝሳቐዩ ሰባት'ውን ክሕግዞም ይኽእል'ዩ ዝብሉ ክልሰ-ሓሳባት ኣለዉ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሄልሲንኪ ፕሮፌሰር ኒውሮሳይኮሎጂ ቴፖ ሳርካሞ፡ "ኣብ ኣረጋውያን፡ ደርፊ ዘለዎ ኣእምሮኣዊ ረብሓታት በብቕሩብ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ መርትዖታት ኣሎ" ይብል።

"ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ ዓቕሚ ደርፊ ብጭቡጥ ንኣእምሮኣዊ ምንቁልቋል ንምዝሕሓል ወይ ንምክልኻል ዘለዎ ዓቕሚ ብዙሕ ኣይንፈልጥን ኢና፡ እዚ ንዓመታት ዝከታተል ሰፊሕ መጽናዕቲ ስለዘድልዮ።"

ንስትሪት ግን፡ ኵሉ እቲ ሓያል ጽልዋታት ደርፊ ዘርኢ መጽናዕትታት - ብደረጃ ማሕበራዊ ይዅን ብደረጃ ኒውሮኬሚካላዊ፡ ኣድማሳዊ ኣካል ህይወት ወዲ ሰብ ምዃኑ የጕልሕ።

ሓደ ካብቲ ዘሻቕሎ ግን፡ ሰባት ብኸም ደርፊ ዝኣመሰሉ ንጥፈታት ኣብ ክንዲ ነንሕድሕዶም ዝተኣሳሰሩ፡ ኣብ ከም ማሕበራዊ ሚድያን ተዛመድቲ ቴክኖሎጂ ይፅመዱ ስለዘለዉ፡ ውሑዳት ጥራይ እዮም ረብሓታት ደርፍን ሙዚቃን ዝረኽቡ ዘለዉ።