ደቂ ተባዕትዮ፡ ደው ኢሎም ዶ ኮፍ ኢሎም ክሸኑ እዩ ዝምከር?

ኣብ ጀርመን መብዛሕትኦም ደቂ ተባዕትዮ ኮፍ ኢሎም'ዮም ዝሸኑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ደቂ ተባዕትዮ ክሸኑ እንከለው፡ ኣየናይ እዩ ዝሓይሽ ዝብል ዝጸንሐ ሓያል ሞገት ኣሎ።ኮፍ ኢልካ ዶ ደው ኢልካ?

ክሳብ ሕጂ፡ ኮፍ ኢልካ ምሻን ንጥዕና ረብሓ ከም ዘለዎ ዝሕብር ውዱእ ሕክምናዊ መርትዖ እኳ እንተዘየለ፡ እቲ ዝበለጸ ጽሬት ዘለዎ መገዲ ምዃኑ ግን ምርድዳእ ዘሎ ይመስል።

ኣደ መንበር ናይቲ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ፋውንዴሽን ዩሮሎጂ ዶክተር ሜሪ ጋርትዋይት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ "ንምሻን ቅኑዕ ይዅን ጌጋ መገዲ የለን፤ ኣብ ውልቀ ሰብ እዩ ዝምርኰስ፡" ትብል።

"ኮፍ ኢልካ ምሻን ግን ብሓቂ ዝያዳ ጽሬት ዘለዎ እዩ - እቲ ሽቓቕ ጽሩይ እንተዀይኑ።"

ዶክተር ጋርትዋይት ወሲኻ፡ ኣብ ዝሸንሉ እዋን ንናይ ምንቅስቓስ ወይ ሚዛን ናይ ምሕላው ጸገም ንዘለዎም ሰባት ወይ'ውን ኣብ ፍርቂ ለይቲ ካብ ድቃስና እንትንስእን ውሑስ መገዲ ክኸዉን ከም ዝኽእል ገሊጻ።

ኣብዚ ዙርያ ብዙሕ ዝጥቀስ መጽናዕቲ፡ ኣብ 2014 ኣብ ዩኒቨርሲቲ ላይደን ሆላንድ ዝተገብረ መጽናዕቲ እዩ።

ሓደጕጅለ ሓካይም፡ ኣቀማምጣ ኣካላት፡ ንዋሕዚ ሽንቲን ግዜ ምፍሳስን - ክሳብ ክንደይ ቅልጡፍ ከም ዝገብሮን ብኸመይ ከም ዝጸልዎን መርሚሩ።

እቶም ሓካይም፡ ኮፍ ምባል ኣብቶም ብግፍሒ ፕሮስቴት ዝሳቐዩ ደቂ ተባዕትዮ ሽንቲ ቀልጢፉ ክፈስስን ፍሕኛኦም ምሉእ ብምሉእን ባዶ ክኸውን ከም ዘኽእል ኣብ ጥዑያት ደቂ ተባዕትዮ ግን "ዝዀነ ፍልልይ" ከም ዘይረኣዩን ደምዲሞም።

ኣብ ክውንነት፡ ደው ኢልካ ሽንቲ ምሻን ንመብዛሕትኦም ደቂ ተባዕትዮ ኣዝዩ ግብራዊ እዩ፣ ኣብ ህዝባዊ ሽቓቕ ሪጋ ደቂ ተባዕትዮ ዶ ደቀንስትዮ ክቕልጥፍ ትዕዘቡ?

ደው ኢልካ ምሻን ግን ንኻልኦት ምቹእ ዘይኰነ ፈቘድኡ ዝርአ ፈሳሲ ናይ ምፍጣር ተኽእሎታት እዩ ዝውስኽ።

እዚ ኣብ ዝባን እቲ ዓይኒ ምድሪ ወይ ሽቓቕ ጥራይ ዝተርፍ ኣይኰነን።

ኣብ 2013 ሓደ ጕጅለ መጽናዕቲ ኣመሪካውያን መካኒካዊ መሃንድሳት፡ ኣዝዮም ንኣሽቱ ብማይክሮስኮፕ ጥራይ ዝርኣዩ ነጠብጣባት "ኣብ ዓቢ ኵርናዓትን ርሒቘም ዝርከቡ ከባቢታትን፡" ረኺቦም።

እዚ ማለት ኣብ ጥቓኦም ዝነበሩ ነገራት - ብራሽ ስኒ ሓዊሱ - ብሽንቲ ተበኪሎም ነይሮም ማለት'ዩ።

ሓቂ እዩ ገለ ባህልታት ደቂ ተባዕትዮ ኮፍ ኢሎም ክሸኑ የተባብዑ።

ንኣብነት ኣብ እስልምና ከም ኣካል ናይቲ ካብ ነቢይ መሓመድ ዝጅምር ስርዓተ ጽሬት፡ ኣነባብራን ትውፊትን - ሱና - ኮፍ ኢልካ ክትሸይን ይምከር።

ንመብዛሕትኦም ደቂ ተባዕትዮ ግን፡ ዝጸንሑ ልምዲታት እናተረስዑ ስለ ዝኸዱ፡ ደው ኢልካ ምሻን ሕጂ'ውን "ቍጽሪ ሓደ" ዝመርጽዎ መገዲ እዩ።

ሽቓቕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ 2023፡ 'YouGov' ዝተባህለ ትለል ኣብ 13 ሃገራት ደቂ ተባዕትዮ ንምሻን ዝመርጹዎ መገዲ መሰረት ዝገበረ መጽናዕቲ ኣካይዱ ነይሩ።

በዚ መሰረት፡ ኣብ መንጐ ኣህጕራት ከይተረፈ ዓቢ ፍልልይ ምህላው ረኺቡ።

40 ሚእታዊት ጀርመናውያን ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ግዜ ኮፍ ኢሎም ከም ዝሸኑ ክገልጹ እንከለው፡ 10 ሚእታዊት ደው ኢሎም ከም ዝሸኑ ገሊጾም።

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ድማ፡ እቶም 9 ሚእታዊት ኮፍ ኢሎም ከም ዝሸኑ ክገልጹ እንከለው፡ 33 ሚእታዊት ደው ኢሎም ከም ዝሸኑ ገሊጾም።

ኣብ ገለ ባህልታት፡ ኮፍ ኢልካ ምሻን ዘይ ከም ተባዕታዊ ባህሪ እዩ ዝቝጸር።

ኣብ ብራዚል፡ "ደቀንስትዮን እንቁርዖብን፡" እየን ኮፍ ኢለን ዝሸና ዝብል ሓደ ናይ ቀደም ብሂል ኣሎ።

ክኢላ ስነ ልቦና ፍልቀት ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ዶክተር ሮበርት ዳንባር፡ "ደቂ ተባዕትዮ ስለ ምንታይ ደው ኢሎም ከም ዝሽነኑ ዝሕብር [ፍልቀት] መርትዖ የለን፡" ይብል።

ብባህሪኡ ኮፍ ኢልካ ምሻን ዝብል ሓሳብ ዘይፈትዉ ደቂ ተባዕትዮ ምህላዎም ግን መመኽነይታ ኰይኑ ይቐርብ።

ዶክተር ጋርትዋይት ብወገና፡ "እቲ ሓቂ ገለ ደቂ ተባዕትዮ ደው ኢልካ፡ ገሊኦም ድማ ኮፍ ኢልካ ምሻን ዝያዳ ምቹእ ኰይኑ ስለ ዝረኽቡዎ'ዩ፡" ኢላ።

ነዚ ዝድግፍ ሕክምናዊ መርትዖ ክሳብ ዘይተረኽበ፡ እቲ ኣገባብ ብምርጫ ደቂ ተባዕትዮ ዝውሰን ኰይኑ ክቕጽል እዩ።

ምርጫኻ ደው ኢልካ ምሻን እንተዀይኑ ግን፡ ብውሑድ ፈቘድኡ ርስሓትን ፈሳሲን ዝሓድግ ከይከዉን ጥንቃቐ ግበር።