'ወርቃዊ ደም'፡ ሳሕቲ ዝርከብ ዓይነት ደም ንምምዕባል ዝግበር ዘሎ ሳይንሳዊ ፃዕሪ፡ ግን ስለምንታይ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ካብ ሽዱሽተ ሚልዮን ሰባት ሓደ ጥራይ እዩ 'Rh null' ዝበሃል ዓይነት ደም ዘለዎ።
ሕጂ ተመራመርቲ ህይወት ሰባት ከድሕን ይኽእል እዩ ብዝብል ተስፋ ኣብ ቤተ-ፈተነ ነዚ ዓይነት ደም ከማዕብሉዎ ይጽዕሩ ኣለዉ።
ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዝግበር ምምሕልላፍ ደም፡ ንዘመናዊ ሕክምና ቀይርዎ እዩ።
ሓደ እዋን እንተተጐዲእና ወይ ከቢድ መጥባሕቲ እንተድኣ ኣድልዩና፡ ብኻልኦት ዝተለገሰ ደም ህይወትና ከድሕኖ ይኽእል እዩ።
ካብዚ መስተንክር ኣገባብ እዚ ግን ኵሉ ሰብ ክርባሕ ኣይክእልን እዩ።
ሳሕቲ ዝረአ ዓይነት ደም ዘለዎም ሰባት ምስ ናቶም ዝሰማማዕ ዝተለገሰ ደም ንምርካብ ይጽገሙ'ዮም።
ሓደ ካብዚ ዓይነት ደም፡ – Rh null– ኣብ ዓለምና ኣብ 50 ብወግዒ ዝፍለጡ ሰባት ጥራይ ይርከብ።
ምምሕልላፍ ደም ዘድልዮ ሓደጋ እንተ ኣጋጢምዎም፡ ናይ ምርካብ ዕድሎም ጸቢብ እዩ።
ነዚ ጸገም ንምፍታሕ ድማ፡ እቶም 'Rh null' ዘለዎም ኣብ ክንድኡ ንነዊሕ እዋን ዝዕቀብ ናይ ገዛእ ርእሶም ደም ከቐምጡ ይተባብዑ።
ግን፡ ዋላ'ኳ ሳሕቲ እንተዀነ፡ እዚ ዓይነት ደም'ዚ ብኻልእ ምኽንያታት'ውን ኣዝዩ ክቡር እዩ።
ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ ሕክምናን መጽናዕትን፡ ሓሓሊፉ "ወርቃዊ ደም" ተባሂሉ ይጽዋዕ።
ተመራመርቲ ነቲ ኣብዚ እዋን'ዚ ዝተለገሰ ደም ብኸመይ ከም ዝጥቀመሉ ዝድርት ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ዝስዕሩሉ መገድታት ኣብ ዝደልዩሉ ዘለዉ እዋን፡ ሓፈሻዊ ምምሕልላፍ ደም ንምፍጣር እውን ክሕግዝ ይኽእል እዩ።
ዓይነታት ደም ብኸመይ ይምደቡ?
ኣብ ዙርያ ኣካላትና ዝዘውር ዓይነት ደም፡ ኣብ ልዕሊ ቀያሕቲ ዋህዮታት ደም ፍሉያት ምልክታት ምህላዎምን ዘይምህላዎምን መሰረት ብምግባር እዩ ዝምደብ።
እዞም ብ 'ኣንቲጀን' ዝፍለጡ፡ ካብ ግዳማዊ ዋህዮ ዝወጽኡን ብስርዓተ ምክልኻል ኣካላትና ክረኣዩ ዝኽእሉን ፕሮቲናት ወይ ሽኮር ዝሓቘፉ እዮም።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ብሪስቶል ፕሮፌሰር ስነ-ህይወት ዋህዮታት ኣሽ ቶየ፡ ሓደ ሰብ "ካብ ናይ ገዛእ ርእሱ ደም ዝተፈላለዩ ኣንቲጀናት ዝሓዘ ደም ለጋሲ እንተተዋሂቡዎ፡ ነቲ ደም ጸረ-ኣካላት ፈጢሩ ከጥቅዖ ይኽእል፡" ይብል።
"እቲ ደም ዳግማይ እንተተመሓላሊፉ ንህይወቱ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ክኸውን ይኽእል'ዩ።"
እቶም ዝዓበየ ናይ ምክልኻል ምላሽ ዝለዓዓሉ ክልተ ስርዓታት ጕጅለ ደም፡ ABOን Rhesus (Rh)ን እዮም።
ሓደ ጕጅለ ደም 'ኤ' ዘለዎ ሰብ ኣብ ልዕሊ ቀያሕቲ ዋህዮታት ደሙ 'ኤ ኣንቲጀን' ክህልዎ እንከሎ፡ 'ቢ ዓይነት ደም ዘለዎ ሰብ ድማ 'ቢ ኣንቲጀን' ኣለዎ።
ጕጅለ ደም ኤቢ ክልቲኦም ኣንቲጀናት ኤን ቢን ክህልዎም ከሎ፡ ጕጅለ ደም ኦ ድማ ክልቲኦም የብሉን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ነፍሲ ወከፍ ዓይነት ኣርኤች፡ Rh፡ ኣወንታዊ ወይ Rh ኣሉታዊ ክኸውን ይኽእል።
'ኦ' ኣሉታዊ ደም ዘለዎም ሰባት፡ ደሞም ኤ፡ ቢ ወይ ኣርኤች [Rh] ኣንቲጀን ስለ ዘይብሉ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣድማሳውያን ለገስቲ ተባሂሎም ይግለጹ። እዚ ግን ካብ መጠን ንላዕሊ ምቕላል እዩ።
ቀዳማይ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ -ክሳብ ጥቅምቲ 2024 ኣብ ዘሎ ግዜ- 47 ዝፍለጡ ጕጅለታት ደምን 366 ዝተፈላለዩ ኣንቲጀናትን ኣለው።
እዚ ማለት ሓደ 'ኦ' ኣሉታዊ ደም ልግሲ ዝረክብ ሰብ፡ ንዝዀነ ካብቶም ካልኦት ኣብኡ ዘለዉ ኣንቲጀናት ናይ ምክልኻል ምላሽ ክህልዎ ይኽእል'ዩ - ዋላ'ኳ ገለ ኣንቲጀናት ካብ ካልኦት ዝያዳ ናይ ምክልኻል ምላሽ እንተለዓዕሉ።
ብሓፈሻ፡ ልዕሊ 50 ኣርኤች- Rh- ኣንቲጀናት ኣለዉ። ሰባት ብዛዕባ ኣርኤች ኣሉታ [Rh negative] ምዃኖም ክዛረቡ ከለዉ ናብ Rh(D) antigen እዮም ዝጠቕሱ ዘለዉ።
ቀያሕቲ ዋህዮታት ደም ግን ካልኦት ኣርኤች ፕሮቲናት ኣለዎም።
ኣብ መላእ ዓለም እውን ብዙሕ ዓይነት ናይ Rh ኣንቲጀናት ስለ ዘሎ፡ ብፍላይ ኣብ ሓንቲ ሃገር ካብ ውሑዳት ብሄራት ዝመጽኡ ሰባት፡ ናይ ለገስቲ ምትእስሳር ምርካብ በዳሂ ይገብሮ።
'Rh null' ዓይነት ደም ዘለዎም ሰባት ግን፡ ኵሎም 50 Rh ኣንቲጀናት ይጐድሎም።
እዞም ሰባት እዚኦም ካልእ ዓይነት ደም ክረኽቡ ዘይክእሉ እኳ እንተዀኑ፡ Rh null ደም ምስ ኵሎም እቶም ብዙሓት Rh ዓይነታት ደም ዝሰማማዕ እዩ።
እዚ ድማ መብዛሕትኦም ሰባት ክረኽብዎ ስለ ዝኽእሉ፡ ኵሎም ፍልልያት ABO ዘለዎም ውልቀሰባት ሓዊስካ፡ 'ኦ' ዓይነት ደም Rh null ኣዝዩ ክቡር ይገብሮ።
ሓደ ሕሙም፡ ዓይነት ደሙ ኣብ ዘይፍለጠሉ ህጹጽ ኵነታት፡ ኦ ዓይነት Rh null ደም ብትሑት ሓደጋ ኣለርጂ ክወሃቦ ይኽእል ነይሩ።
በዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ተመራመርቲ ነዚ "ወርቃዊ ደም" ዘባዝሕሉ መገዲ፡ ይደልዩ ኣለዉ።
"Rh [ኣንቲጀናት] ዓቢ ናይ ምክልኻል ምላሽ ይህቡ፤ ስለዚ ዋላ ሓደ ካብኦም [ካብኣቶም] ፈጺምካ እንተዘይብልካ ብመሰረቱ ብመንጽር Rh ክትምልሰሉ ዘለካ ነገር የለን፡" ይብል ፕሮፌሰር ቶየ።
"ዓይነት ደም Oን Rhን null እንተዀይኑ፡ እዚ ቁሩብ ኣድማሳዊ'ዩ። ግን ገና ኣብ ግምት ክኣትው ዘለዎም ካልኦት ጕጅለታት ደም ኣለዉ፡።"
መበቈል ዓይነት ደም Rh null
ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ዓይነት ደም Rh null ብጀነቲካዊ ምትዕርራይ ኣብ ቀያሕቲ ዋህዮታት ደም ወሳኒ ተራ ዝጻወት ፕሮቲን ዝጸሉ ዝመጽእ ኰይኑ፡ 'Rh associated glycoprotein' ወይ 'RHAG' ተባሂሉ ይፍለጥ።
እዞም ምትዕርራያት እዚኣቶም፡ ቅርጺ ናይዚ ፕሮቲን ዘሕጽርዎ ወይ ዝቕይሩ ይመስሉ፤ እዚ ድማ ንተፈጥሮ ካልኦት Rh ኣንቲጀናት ከም ዝዘርግ ይገብሩ።
ፕሮፌሰር ቶየን መሳርሕቱን ኣብ 2018 ኣብ ዩኒቨርሲቲ ብሪስቶል ኣብ ዝገበርዎ መጽናዕቲ፡ ኣብ ቤተ-ፈተነ ዓይነት ደም Rh null ደጊሞም ፈጢሮምዎ።
ነዚ ንምግባር ድማ መስመር ዋህዮታት - ኣብ ቤተ-ፈተነ ዝዓበዩ ዋህዮታት ዝሓዘ - ሓደሽቲ ቀያሕቲ ዋህዮታት ደም ወሲዶም።
ብድሕሪኡ እቲ ጕጅለ፡ ነቲ ናይ ጂን ምትዕርራይ ሜላ፡ Crispr-Cas9፡ ተጠቒሙ፡ ነቶም ብሓባር ንመብዛሕትኡ ዘይምስምማዕ ምትሕልላፍ ደም ተሓተትቲ ዝዀኑ ሓሙሽተ ስርዓታት ጕጅለ ደም ኣንቲጀናት ዝሕብሩ ጂናት ክጠፍኡ ገይሩ።
እዚ ድማ ንABOን Rhን ዝበሃሉ ኣንቲጀናት ከምኡ'ውን ካልኦት Kell, Duffy and GPB ዝበሃሉ ኣንቲጀናት ዘጠቓለለ እዩ።
"ነዞም ሓሙሽተ እንተ ኣውዲቕናዮም፡ ሽዑ እዚ ኣዝዩ ዝሰማማዕ ዋህዮ ክፈጥር'ዩ፡ ምኽንያቱ ሓሙሽተ ካብቶም ኣዝዮም ጸገም ዘለዎም ጕጅለታት ደም ስለ ዝተኣለዩ፡" ይብል ፕሮፌሰር ቶየ።
እቶም ውጽኢታዊ ዝዀኑ ዋህዮታት ደም ንዅሎም ዓበይቲ ልሙዳት ጕጅለታት ደም ዝሰማምዑ ኰይኖም ግን ነቶም ብርቂ ዓይነታት ከም Rh nullን Bombay phenotypeን ዘለዎም እውን ዝሰማማዕ ምዀነ፣ እዚ ድማ ካብ ነፍሲ ወከፍ ኣርባዕተ ሚልዮን ሰባት ኣብ ሓደ እዩ ዝርከብ።
እዚ ዓይነት ደም ዘለዎም ሰባት O, A, B ወይ AB ደም ክወሃቦም ኣይክእልን እዩ።
ሜላታት ጂን ምዕራይ፡ግን ኣብ ብዙሕ ክፋላት ዓለም ኣካታዕን ጽኑዕ ቍጽጽር ዝግበረሉ እዩ።
እዚ ማለት፡ ኣዝዩ ዝሰማማዕ ዓይነት ደም ብክሊኒካዊ መገዲ ኣብ ጥቕሚ ምውዓል ቅድሚ ምጅማሩ ገለ ግዜ ክወስድ ይኽእል እዩ።
እዚ ቅድሚ ምጽዳቑ ብዙሕ ዙርያታት ክሊኒካዊ ፈተነታትን መርመራታትን ክሓልፍ ኣለዎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ፕሮፌሰር ቶየ፡ ምስ ካልኦት ሰብ ሞያ ብምዃን፡ 'ስካርለት ቴራፒውቲክስ' ዝተባህለ ኵባንያ መስሪቱ ኣሎ።
እዚ ትካል እዚ ካብ Rh null ሓዊሱ ብርቂ ጕጅለ ደም ዘለዎም ሰባት ደም ልግሲ ይእክብ ኣሎ።
እቲ ጕጅለ ነቲ ደም ተጠቒሙ ኣብ ቤተ-ፈተነ ክዓቢ ዝኽእል መስመራት ዋህዮታት ብምፍጣር ንዘይተወሰነ እዋን ቀያሕቲ ዋህዮታት ደም ከፍሪ ተስፋ ኣለዎ።
እዚ ኣብ ቤተ-ፈተነ ዝበቘለ ደም፡ እቶም ብርቂ ዓይነት ደም ዘለዎም ሰባት እንተድኣ ኣድልይዎ፡ ንህጹጽ ኵነታት ኣብ መኽዘን ክቕመጥ ይኽእል።
ፕሮፌሰር ቶየ፡ ዋላ'ኳ እቲ ሜላ ኣብ መጻኢ ተራ ክጻወት ዝኽእል እንተዀነ፡ ጂን ኤዲቲንግ ከይተጠቐመ ኣብ ቤተ-ፈተነ ብርቂ ደም ባንክታት ክፈጥር ተስፋ ኣለዎ።
"ብዘይ ምዕራይ ክንገብሮ እንተኽኢልና፡ ብሉጽ'ዩ። ምዕራይ ግን ንዓና ኣማራጺ'ዩ፡" ይብል።
"ሓደ ክፋል ናይቲ ንገብሮ ዘለና፡ ኵሎም ኣንቲጀናቶም ብዝተኻእለ መጠን ንመብዛሕትኦም ሰባት ዝሰማምዑ ንምግባርን ንኽፍትኑን ለገስቲ ብጥንቃቐ ንመርጽ ኣለና። ድሕሪኡ ምናልባት ንዅሉ ሰብ ዝሰማማዕ ንምግባር ጂን ኤዲት ክንገብር ክንግደድ ኢና።"
ኣብ 2021፡ ክኢላ ሕማም ምክልኻል ግሪጎሪ ደኖምን መሳርሕቱን ኣብ ሚልዋኪ፡ ኣመሪካ ኣብ ዝርከብ ትካል ምርምር ደም ቨርሲቲ፡ ካብ ሰብ ዝለዓዓሉ ስቴም ሴላት (hiPSC) Rh null ሓዊሱ ብሕታዊ ብርቂ ዓይነታት ደም ንምፍጣር፡ ቴክኖሎጂ Crispr-Cas9 ጂን ኤዲቲንግ ተጠቒሞም።
እዞም ዋህዮታት ምስ ዋህዮታት መበቈል ድቂ ዝመሳሰል ባህርያት ዘለዎም ኰይኖም፡ ኵነታት ኣብ ግምት ብምእታው ዝዀነ ዋህዮ ኣካላት ወዲ ሰብ ናይ ምዃን ተኽእሎ ኣለዎም።
ካልኦት ተመራመርቲ ድማ ካልእ ዓይነት ዋህዮታት ይጥቀሙ ኣለዉ።
እዚኦም ድሮ ዋህዮታት ደም ክዀኑ ቅድመ-ፕሮግራም ተገይሩሎም ግን ኣየናይ ዓይነት ዝብል ዛጊት ኣይወሰኑን።
ንኣብነት፡ ኣብ ካናዳ ከተማ ኩቤክ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ላቫል ዝርከቡ ተመራመርቲ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ካብቶም ኤ ፖዘቲቭ ደም ዘለዎም ለገስቲ፡ መበቈል ዋህዮታት ደም ኣውጺኦም እዮም።
ብድሕሪኡ፡ ቴክኖሎጂ Crispr-Cas9 ተጠቒሞም፡ ነቶም ንAን Rhን ኣንቲጀን ዝሕብሩ ጂናት ብምድምሳስ፡ O Rh null ዘይዓበዩ ቀያሕቲ ዋህዮታት ደም ኣፍሪዮም።
ኣብ ስጳኛ ከተማ ባርሴሎና ዝርከቡ ተመራመርቲ እውን" ኣብዚ ቀረባ እዋን ካብ ሓደ Rh null ዝበሃል ለጋሲ ደም መበቈል ዋህዮታት ወሲዶም፡ Crispr-Cas9 ተጠቒሞም እቲ ደም ካብ ዓይነት ደም A ናብ ዓይነት ደም O ብምቕያር ዝያዳ ሓፈሻዊ ገይሮምዎ።
እዚ ዝድነቕ ጻዕርታት እናሃለወ፡ ሰባት ክጥቀሙሉ ብዝኽእሉ ደረጃ ኣብ ቤተ-ፈተነ ዝበቘለ ሰብ ሰርሖ -ኣርቲፊሻል -ደም ምፍጣር ገና ነዊሕ ዝወስድ እዩ።
ሓደ ጸገም፡ እቶም መበቈል ዋህዮታት ናብ ብቝዓት ቀያሕቲ ዋህዮታት ደም ክዓብዩ ምግባር እዩ።
ኣብ ኣካላትና ቀያሕቲ ዋህዮታት ደም ካብቶም ኣብ ኣንጕዕ ዓጽሚ ዝርከቡ መበቈል ዋህዮታት ይፍጠሩ፤ እዚ ድማ ብኸመይ ከም ዝምዕብሉ ዝሕግዝ ዝተሓላለኸ ምልክታት የፍሪ።
እዚ ኣብ ቤተ-ፈተነ ንምድጋም ኣጸጋሚ እዩ።
"Rh null ወይ ካልእ ዓይነት ደም፡ኣብ ዝፍጠረሉ እዋን፡ ዕብየትን ብስለትን ቀያሕቲ ዋህዮታት ደም ክርበሽ ዝኽእል ምዃኑ ተወሳኺ ጸገም ኣሎ፡" ይብል ደኖመ።
ንሕጂ፡ ፕሮፌሰር ቶየ ነቲ RESTORE ዝበሃል ፈተነ ይመርሖ ኣሎ።
እዚ ፈተነ እዚ ኣብ ዓለምና ናይ መጀመርታ ክሊኒካዊ ፈተነ ኰይኑ፡ ንጥዑያት ወለንታውያን ካብ ዋህዮታት ደም ለገስቲ ኣብ ቤተ-ፈተነ ዝዓበየ ቀያሕቲ ዋህዮታት ደም ምሃብ ዝፍትን እዩ።
እቲ ኣብቲ ፈተነ ዝተራእየ ኣርቲፊሻል ደም ብዝዀነ ይዅን መገዲ ጂን ኤዲቲንግ ዝተገብረሉ ኣይኰነን።
እንተዀነ፡ ተመራመርቲ ነዚ ኣብ ደቂ ሰባት ንምፍታን ድሉዋት ኣብ ዝዀኑሉ መድረኽ ንምብጻሕ ናይ 10 ዓመት መጽናዕቲ ወሲዱ።
"ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ካብ ቅልጽም ሓደ ሰብ ደም ምውጻእ ኣዝዩ ዝያዳ ውጽኢታውን ዋጋ ዝቕንስን'ዩ። ስለዚ ድማ ንመጻኢ ለገስቲ ደም ከድልዩና'ዮም" ይብል ፕሮፌሰር ቶየ።
"ካልኦት ለገስቲ ኣዝዮም ውሑዳት ኣብ ዘለዉሉ ሳሕቲ ዓይነት ደም ዘለዎም ሰባት ግን፡ ዝያዳ ደም ከነዕብየሎም እንተንኽእል፡ እዚ ናይ ብሓቂ ፅቡቕ ምዀነ።"
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







