መንሽሮ ብኣጋኡ ንምውጋድ ዘኽእል ሓድሽ ኣገባብ መርመራ ተስፋ ይህብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንልዕሊ 50 ዓይነታት መንሽሮ ንምፍላጥ ዝሕግዝ ሓድሽ መርመራ ደም ውጽኢታዊ ኰይኑ ምርካቡ ሓድሽ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ።
እቲ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝተኻየደ ፈተነ፡ ዝተፈላለየ ዓይነታት መንሽሮ ዘለለየ ኰይኑ፡ ቅድሚ ሕጂ ፍሉጥ ኣገባብ መርመራ ንዘይጸንሖም እውን ዘጠቓለለ እዩ።
ልዕሊ ፍርቂ ካብቶም መንሽሮታት ኣብ እግሞ መድረኾም ከለዉ ዝተለለዩ ብምዃኖም፡ ንሕክምና ዝቐለለን ንተኽእሎ ፍወሳኡ ዝለዓለ ዝገብርን እዩ።
እቲ ኣብ ኣመሪካ ዝተሰርሐ መመርመሪ፡ ካብ ሕበጥ ተበታቲኑ ኣብ ደም ንዝውሕዝ ደቀቕቲ ቍንጣሮ ዲኤንኤ መንሽሮ ይደሊ።
እቲ ፈተነ፡ ኣብ ኣመሪካን ካናዳን ኣብ ዝርከቡ 25,000 እኹላት ሰባት ንሓደ ዓመት መመላእታ ምክትታል ገይሩ። ካብቶም ሕሙማት ድማ ኣብ 62% መንሽሮ ከም ዝተረጋገጸን ተገሊጹ።
እቲ መርመራ፡ ኣብ ልዕሊ 99% ካብቶም መርመራ ኣሉታዊ ውጽኢት ዝረኸቡ ሰባት መንሽሮ ከም ዘየሎ ብትኽክል ኣረጋጊጹ።
ኣብ ጡብ፡ መዓንጣን ማህጸንን ኣብ ዝተገብረ መርመራ፡ ብሓፈሻ ኣስታት ሸውዓተ ዕጽፊ ዝብዝሖም መንሽሮታት ኣለልዩ።
እቲ ወሳኒ ዝገብሮ፡ ሰለስተ ርብዒ ካብቶም ዝተረኽቡ መንሽሮታት፡ ከም መንሽሮ ማህጸን፡ ጸላም ከብዲ፡ ከብዲ፡ ሽንቲ ምፍሳስን ሽኮርያን ዝኣመሰሉ ናይ መርመራ መደብ ዘይነበሮም እዮም።
እቲ መርመራ ካብ 10 ሕሙማት፡ ኣብ 9 መበገሲ ናይቲ መንሽሮ እንታይ ምዃኑ ብትኽክል ኣለልዩ።
እዚ ውጽኢት፡ እቲ መርመራ ደም፡ ኣቐዲሙ መንሽሮ ኣብ ምርካብ ዓቢይ ተራ ክጻወት ከም ዝኽእል ይሕብር።
ኣብቲ መጽናዕቲ ዘይተሳተፉ ተመራመርቲ ስነፍልጠት ግን እቲ መርመራ ብሕማም መንሽሮ ዝሞቱ ሰባት የጕድል ንምግላጽ ተወሳኺ መርትዖታት ከም ዘድሊ ይገልጹ።
እቲ ቀንዲ ውጽኢት መጽናዕቲ ኣብ በርሊን ኣብ ዝካየድ ዋዕላ ማሕበር ሕክምናዊ መንሽሮ ኤውሮጳ ክረአ'ኳ እንተዀነ፡ ምሉእ ዝርዝር ሓበሬታ ግን ገና ኣብ ጆርናል ኣይተዘርግሐን።
ዝበዝሕ ኣብቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ልዕሊ 140,000 ሕሙማት ንሰለስተ ዓመት ዝካየድ ፈተነ እዩ ዝምርኰስ። ዕዉት ምስ ዝኸውን ድማ ንተወሳኺ ሓደ ሚልዮን ሰባት ከም ዝቐርብ ኤንኤችኤስ ይገልጽ።
ተመራማሪ ዶክተር ኒማ ናባቪዛደህ፡ እቲ መርመራ ንመንሽሮ ብኸመይ ከም እንምርምሮ ክቕይር ከም ዝኽእልን ሕክምና ዝያዳ ውጽኢታዊ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ድማ ብዙሓት መንሽሮታት ኣቐዲምና ንምልላይ ከም ዝሕግዝን ገሊጹ።
ምርምር መንሽሮ ዓባይ ብሪጣንያ ናሰር ቱራቢ፡ ልዕሊ ዓቐን መርመራ ንኸይግበር ዝያዳ መጽናዕቲ ከም ዘድሊ፡ ሃገራዊ ሽማግለ መርመራ ዓባይ ብሪጣንያ ድማ ኤንኤችኤስ ነቲ መርመራ ክቕበሎ ኣለዎ ድዩ ክውስን ምዃኑ ኣጠንቂቑ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







