ሽጋራ ዘየትክኹ ሰባት ግዳያት መንሽሮ ሳንቡእ ዝዀኑሉ ዘለዉ ምኽንያት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብቶም ሽጋራ ኣትኪኾም ዘይፈልጡ ሰባት ቍጽሪ መንሽሮ ሳንቡእ ዝሓመሙ ሰባት እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ። እቲ ሕማም ካብቲ ብሰንኪ ምትካኽ ሽጋራ ዝስዕብ መንሽሮ ሳንቡእ ዝተፈልየ ስለዝዀነ ጠንቁ እንታይ እዩ?
መንሽሮ ሳንቡእ ኣብ ዓለም እቲ ብብዝሒ ዝርአ መንሽሮ ኰይኑ ቀንዲ ጠንቂ ሞት እዩ።
ኣብ 2022 ኣስታት 2.5 ሚልዮን ሰባት በቲ ሕማም ዝተለኽፉ ኰይኖም ልዕሊ 1.8 ሚልዮን ሰባት ድማ ሞይቶም።
ዋላ'ኳ ምስ ትምባኾ ዝተኣሳሰር መንሽሮ ሳንቡእ ክሳብ ሕጂ ኣብ መላእ ዓለም ዝበዝሕ ምርመራታት እንተሃለወ፡ መጠን ምትካኽ ሽጋራ ግን ንሓያሎ ዓሰርተታት ዓመታት እናነከየ መጺኡ'ሎ።
ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዓለም ቍጽሪ ዘትክኹ ሰባት እናነከየ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብቶም ሽጋራ ኣትኪኾም ዘይፈልጡ ሰባት ዘጋጥም ብዝሒ መንሽሮ ሳንቡእ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።
"መንሽሮ ሳንቡእ ኣብቶም ፈጺሞም ዘየትክኹ ሰባት፡ ንውሳነታት ሕክምናን ውጽኢትን ብቐጥታ ዝጸሉ ዝዀነ ሞለኪዩላዊ ባህርያት ዘለዎ ፍሉይ ሕማም ኣካል ኰይኑ ይቕልቀል ኣሎ" ይብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሆስፒታል ዙሪክ፡ ስዊዘርላንድ፡ ክኢላ መንሽሮ ኣንድርያስ ዊኪ።
ኣብ እዋን ምርመራ ምስ ምትካኽ ሽጋራ ዝተኣሳሰሩ መንሽሮታት ሳንቡእ ዝመሳሰል እኳ እንተዀነ፡ መንሽሮ ሳንቡእ ዘለዎም መንእሰያት ሕሙማት ግን ሽጋራ ፈጺሞም ዘየትክኹ ተኽእሎኦም ዝለዓለ እዩ።
"ደቂ 30 ወይ 35 ዓመት መንሽሮ ሳንቡእ ዘለዎም ሰባት ክንርኢ ከለና፡ መብዛሕትኡ ግዜ ፈጺሞም ዘየትክኹ እዮም" ይብል።
ብምንታይከ ይፍለ?
ክሳብ 1950ታትን 1960ታትን፡ እቲ ዝበዝሐ ዝረአ ዓይነት መንሽሮ ሳንቡእ፡ 'ስኳማስ ሴል ካርሲኖማ' ዝበሃል እዩ ነይሩ- እዚ ዓይነት መንሽሮ ካብቶም ንሳንቡእ ዝሰርዑ ዋህዮታት ዝጅምር እዩ።
ብኣንጻሩ፡ መንሽሮ ሳንቡእ ኣብቶም ፈጺሞም ዘይትክኹ ሰባት ዳርጋ ብፍሉይ 'ኣዴኖካርሲኖማ' ኮይኑ ሕጂ ኣብቶም ሽጋራ ዘትክኹን ፈጺሞም ዘየትክኹን ዝበዝሐ መልክዕ መንሽሮ ሳንቡእ ኰይኑ ኣሎ።
ከም ካልኦት ዓይነታት መንሽሮ ሳንቡእ፡ ኣዴኖካርሲኖማ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ምዕቡል ደረጃ እዩ ዝፍለጥ። "ኣብ ሳንቡእካ ዝተሓብአ 1 ሴንት ሜትር ዝቝመቱ ሕበጥ እንተሃልዩ ዘይከተስተባህለሉ ትኽእል ኢኻ" ይብል ዊኪ።
እቶም ቀዳሞት ምልክታት፡ ቀጻሊ ሰዓል፡ ቃንዛ ኣፍልቢ፡ ሕጽረት ትንፋስ ወይ ምሕንፋጽ ዘጠቓልሉ ኰይኖም፡ መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ሕበጥ ምስ ዓበየ ወይ ምስ ተዘርግሐ ጥራይ እዮም ዝረኣዩ።
ብተወሳኺ፡ ኣብ መንጎ ምትካኽ ሽጋራን መንሽሮ ሳንቡእን ዘሎ ብታሪኽ ጽኑዕ ምትእስሳር፡ ሽጋራ ዘየተክኹ ሰባት ብዘይፍላጥ ምልክታት ምስ ካልእ ጠንቅታት ክምልከቱ ክገብሮም ይኽእል እዩ ይብል ዊኪ።
"ስለዚ መብዛሕትኦም ኣብቶም ፈጺሞም ዘየትክኹ ሰባት ዝረኣዩ ሕሙማት ኣብ ደረጃ 3 ወይ 4 ጥራይ እዮም ዝምርመሩ።"
መንሽሮ ሳንቡእ ኣብቶም ፈጺሞም ሽጋራ ዘየትክኹ ሰባት እውን ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ዝያዳ ይርአ።
ሽጋራ ኣትኪኸን ዘይፈልጣ ደቂ ኣንስትዮ ካብቶም ፈጺመን ሽጋራ ዘየትክኹ ደቂ ተባዕትዮ ልዕሊ ዕጽፊ መንሽሮ ሳንቡእ ናይ ምምዕባል ተኽእሎ ኣለወን።
ኣብቶም ሽጋራ ኣትኪኾም ዘይፈልጡ ሰባት ዝርከቡ ዋህዮታት መንሽሮ ሳንቡእ መብዛሕትኡ ግዜ ጠንቂ መንሽሮኦም ክዀኑ ዝኽእሉ ብርክት ዝበሉ 'ሚውቴሽን' ኣለዎም ይብል ዊኪ።
እዞም ጀነቲካዊ ለውጥታት ንዕብየት ሕበጥ ዝድርኹ'ዮም። እዚ ድርኺት ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ሕሙማት ብፍላይ ድማ ኣብተን ኤስያውያን ዝመበቈለን ብብዝሒ ዝረኣዩሉ ምኽንያታት ምሉእ ብምሉእ ንጹር ኣይኮነን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሆርሞናት ደቂ ኣንስትዮ ተራ ክጻወቱ ከም ዝኽእሉ መርትዖታት ኣሎ።
ገለ ነዚ ዝጸሉ ጀነቲካዊ ፍልልያት ኣብ ምብራቕ ኤስያውያን ዝያዳ ዝርገሓ ኣሎ።
እዚ ድማ ነቲ ዝለዓለ ተርእዮ መንሽሮ ሳንቡእ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ኤስያ ከረድእ ዝኽእል ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ዋላ'ኳ እቲ መረዳእታ ኣዝዩ መባእታዊ እንተኾነ።
ሽጋራ ዘየትክኹ ሰባት ናብ መንሽሮ ሳንቡእ ከስዕብ ዝኽእል ምትዕርራይ ድሕሪ ምርካቡ፡ ኢንዱስትሪ መድሃኒት ንንጥፈታት ናይቶም ፕሮቲናት ብፍሉይ ዝዓግቱ መድሃኒታት ከማዕብል ጀሚሩ።
ንኣብነት፡ እቶም ናይ መጀመርታ ቅድሚ 20 ዓመት ኣቢሉ ክረከቡ ዝጀመሩ ኰይኖም መብዛሕትኦም ሕሙማት ድማ ዝድነቕ ምላሽ ኣርእዮም።
ይዅን እምበር፡ መብዛሕትኡ ግዜ ሕክምና፡ ንዋህዮታት መንሽሮ ዝጻወር ስለ ዝነበረ፡ ሕበጥ ከም ዝምለስ ይገብር።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ነዚ ጸገም ንምብዳህ ብዙሕ ጻዕሪ ተገይሩ እዩ፣ ሕጂ ሓደስቲ ዓይነታት መድሃኒታት ናብ ዕዳጋ ይኣትዉ ኣለዉ።
ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ንሕሙማት ዝምልከት ትንበያ ብቐጻሊ እናተመሓየሸ መጺኡ።
"ብናይ ሳንቡእ መንሽሮ ዝተትሓዙ ሰባት ብህይወት ናይ ምንባር ዕድመኦም ኣዐርዩ ወሲኹ" ይብል ዊኪ።
እቲ በዓል ሞያ ወሲኹ "ንልዕሊ 10 ዓመታት ዕላማ ዝገበረ ፍወሳ ዝወሰዱ ሕሙማት ኣለዉና። እዚ ቅድሚ ኣስታት 20 ዓመት ማእከላይ መጠን ብህይወት ናይ ምንባር ዕድል ትሕቲ 12 ኣዋርሕ ምንባሩ ኣብ ግምት ምስ እተእቱ ዓቢ ስጕምቲ ንቕድሚት'ዩ" ኢሉ።
ብዝሒ መንሽሮ ሳንቡእ ኣብቶም ፈጺሞም ዘየትክኹ ሰባት እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ነዚ ክፋል ሕብረተሰብ ናይ ምክልኻል ስትራተጂታት ምምዕባል ወሳኒ ምዃኑ ክኢላታት ይዛረቡ።
ንኣብነት፡ ራዶንን ካልኣይ ደረጃ ትኪን ኣብቶም ዘየትክኹ ሰባት ንሓደጋ መንሽሮ ሳንቡእ ክብ ከብሎ ከም ዝኽእል መጽናዕትታት ኣረጋጊጾም።
ብተወሳኺ፡ ትሑት ንፋስ ኣብ ዘለዎ ክፍልታት፡ መግቢ ምብሳል ወይ ድማ ዕንጨይቲ ወይ ከሰል ዘቃጽል ምድጃ ምቅላዕ እውን ነዚ ሓደጋ ክውስኽ ተኽእሎታት ኣሎ።
ደቂ ኣንስትዮ ብባህሊ ኣብ ውሽጢ ገዛ ዝያዳ ግዜ ስለዘሕልፋ፡ ብፍላይ ነዚ ዓይነት ብከላ ኣየር ውሽጢ ገዛ ተቓላዕቲ እየን። ይዅን እምበር፡ ኣብ ደገ ዝፍጠር ብከላ ኣየር፡ ንመንሽሮ ሳንቡእ ንምምዕባል ዝያዳ ኣገዳሲ ረቛሒ እዩ።
ኣብ ደገ ዝፍጠር ብከላ ኣየር፡ ድሕሪ ምትካኽ ሽጋራ፡ ካልኣይ ቀንዲ ጠንቂ ኵሎም ሕሙማት መንሽሮ ሳንቡእ እዩ።
መጽናዕትታት ከም ዘመልክትዎ፡ ኣብ ኣዝዩ ብከላ ዝበዝሖ ከባቢታት ዝነብሩ ሰባት፡ ካብቶም ዘይብከሉ፡ ብሕማም መንሽሮ ሳንቡእ ናይ ምማት ተኽእሎኦም ዝለዓለ እዩ።
ብከላ ኣየር ኣብቶም ፈጺሞም ሽጋራ ዘየትክኹ ሰባት ንመንሽሮ ሳንቡእ ብኸመይ ከበግስ ከም ዝኽእል፡ ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከብ ትካል ፍራንሲስ ክሪክ ትኹረት መጽናዕቲ ኮይኑ ጸኒሑ።
"ብዛዕባ ከባብያዊ ካርሲኖጀን ክንሓስብ ከለና፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ዲኤንኤ ሚውቴሽን [ምትሕልላኽ] ከም ዘስዕቡ ኢና ንሓስቦም" ይብል፡ ኣብ ቤተ-ፈተነ ፍልቀት መንሽሮን ዘይምርግጋእ ጂኖምን ኢንስቲትዩት ፍራንሲስ ክሪክ ተመራማሪ ዊልያም ሂል።
እቲ ተመራማሪ ኣስዒቡ፡ "ንኣብነት ትኪ ሽጋራ ንዲኤንኤና ይሃስዮ፣ ብኸምዚ ድማ ናብ መንሽሮ ሳንቡእ የስዕብ። እንተዀነ፡ መጽናዕትና ብቐጥታ ንዲኤንኤ ከምዘይቅይሮ፡ እንታይ ደኣ ኣብ ሳንቡእና ንዝደቀሱ ምልዋጥ ዋህዮታት ኣበራቢሩ ኣብ መጀመርታ ደረጃታት መንሽሮ ሳንቡእ ከም ዝጅምሮም ይእምት" ኢሉ።
እቶም ተመራመርቲ ኣብ ዝገበርዎ ፈተነታት፡ ብከላታት ኣየር ብማክሮፋጅስ ዝበሃሉ ናይ ምክልኻል ዋህዮታት ከም ዝውሰዱ ኣርእዮም። እዞም ዋህዮታት እዚኣቶም ንቡር ኰይኑ፡ ተላባዕቲ ፍጥረታት ብምውሓጥ ንሳንቡእ ይከላኸሉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ መንጐ ብከላ ኣየርን መንሽሮ ሳንቡእን ዘሎ ምትእስሳር ሓድሽ ኣይኮነን። እቶም ጸሓፍቲ ኣብ 1950ታት ኣብ መንጐ ምትካኽ ሽጋራን መንሽሮ ሳንቡእን ዘሎ ምትእስሳር ዘረጋግጽ ፍሉይ ጽሑፍ፡ ካብ ምንዳድ ቅሪተ-ኣካላት ነዳዲ ዝመጽእ ብከላታት ደገ ከም ጠንቂ ክኸውን ከም ዝኽእል ሓሳብ ኣቕሪቦም።
ክሳብ ሕጂ ዝቐረቡ ፖሊሲታት ግን ዳርጋ ኣብ ምቍጽጻር ትምባኾ ጥራይ ዘተኮሩ እዮም። ድሕሪ 75 ዓመት ግን ብከላ ኣየር ኣብ ትኹረት ይኣቱ ኣሎ።
ኣብ ኤውሮጳን ኣመሪካን ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ደረጃ ብከላ ኣየር ጎዲሉ። እንተዀነ ኣብ መንሽሮ ሳንቡእ ዘለዎ ጽልዋ ግን ገና ኣይተራእየን።
"እቲ ምጕዳል ብከላ ኣየር ኣብ መንሽሮ ሳንቡእ ዘለዎ ጽልዋ ንኽርአ ካብ 15 ክሳብ 20 ዓመት ይወስድ ክኸውን ይኽእል'ዩ፤ እንተዀነ ርግጸኛታት ክንከውን ኣይንኽእልን ኢና" ትብል ክርስቲን በርግ፡ ካብ ሃገራዊ ትካል መንሽሮ ሜሪላንድ፡ጥሮተኛ ክኢላ መንሽሮ።
ብተወሳኺ እቲ ስእሊ ኣብ ሓደ ቦታ ዝነብር ኣይኮነን፣ ለውጢ ክሊማ ኣብ መጻኢ ጽልዋ ክህልዎ ተኽእሎ ኣሎ። "ምስ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ሓደጋ ባርዕ ጫካ፡ ብከላ ኣየር ኣብ ዝተወሰኑ ዞባታት ኣሜሪካ መሊሱ ይውስኽ ኣሎ" ትብል በርግ።
ኣስዒባ "ብውሑዱ ሓደ መጽናዕቲ ኣብ መንጐ ምቅላዕ ባርዕ ጫካን ምውሳኽ ተርእዮ መንሽሮ ሳንቡእን ምትእስሳር ከምዘሎ ኣርእዩ። ስለዚ ካብ ከሰል፡ ነዳድን ጋዝን ጽሬት ኣየር ንምምሕያሽ ወሳኒ'ዩ።"
ኣብ መጻኢ፡ ኣብ ከም በዓል ህንዲ ዝኣመሰላ ኣብዚ እዋን'ዚ ገለ ካብተን ዝለዓለ ደረጃ ብከላ ኣየር ዘለዋ ሃገራት፡ ብሰንኪ ብከላ ኣየር ዝመጽእ ቁጽሪ ሞት መንሽሮ ሳንቡእ ክውስኽ ከምዝኽእል ውድብ ጥዕና ዓለም ይሕብር።
ኣብ ደልሂ፡ ማእከላይ ደረጃ PM2.5 ኣብ ሓደ ትርብዒት ሜትር ልዕሊ 100 ማይክሮግራም ኰይኑ፡ እዚ ድማ ካብቲ መምርሒ ጽሬት ኣየር ውድብ ጥዕና ዓለም ብ20 ዕጽፊ ይዛይድ።
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ 2022 ብሰንኪ ብከላ ኣየር 1100 ሰባት ኣዴኖካርሲኖማ ሳንቡእ ከምዘማዕበሉ ብመጽናዕቲ ኣረጋጊጹ።
ሕክምናታት እናተመሓየሸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብቶም ፈጺሞም ዘየትክኹ ግን ድማ ብመንሽሮ ሳንቡእ ዝተለኸፉ ሰባት ዝያዳ ብህይወት ክጸንሑ ይኽእሉ ኣለዉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







