ጥንሲ፣ ሕርስን ጭንቀትን መኻይዲ ድዮም? በዚ ዝሓለፋ ኣደታት ዝገብርኦ ሓገዝ

ብዙሓት ደቀንስትዮ ኣብ እዋን ጥንሰን ድሕሪ ሕርሲን፡ ምስ ጭንቀት ወይ ምስ ካልእ ጥዕና ኣእምሮ ብዝተኣሳሰር ኵነታት ክቃለሳ ይረኣያ እየን።
መስራቲት ናይቲ ኣብ ከምዚ ዝበለ ኵነታት ኣተኲሩ ዝዓዪ ትካል ማዘርሆፕ ኢንዶነዥያ ዝዀነት ኑር ያናይራህ ንጸገም እተን ደቀንስትዮ ኣዐርያ እያ እትፈልጦ።
ቅድሚ ዓሰርተ ክልተ ዓመት ህይወታ ክተጥፍእ ወሲና ነይራ። እንተኾነ ኣብ ኣዒንቲ ጓል ትሽዓተ ወርሒ ጓላ እናጠመተት ከላ፡ ሓደ ነገር ብልጭ ኢሉዋ።
"ቆርበታ ተንኪፈ፡ ጨንየያ.. 'ነዛ ዕሸል ዝሓሸ ዕድል ክፈጥር ኣለኒ' ዝብል ስምዒት ተሰሚዑኒ" ትብል።
ኣብ ማህጸና ዝነበረት ጓል 28 ሰሙን ሕንጦ ምስሞተታ ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ዳግማይ ጠኒሳ። ስንባደ፡ ልዑል ሓደጋ ዘለዎ ጥንሲን ፍጽምቲ ኣደ ክትከውን ማሕበራዊ ጸቕጥን ተደሚሩ፡ ተስፋን ዕረፍትን ዘይብሉ ኮታስ ንጓላ ክትከናኸን ዳርጋ ዘይትኽእልን ኰይኑ ተሰሚዕዋ።
ድሕሪ እታ ህሞት እቲኣ፡ ካብ ሓኪም ስነ-ኣእምሮ ሓገዝ ሓተተት፡ ድሕሪ ሕርሲ ዝመጽእ ጭንቀት ከም ዘለዋ ድማ ተረጋገጸ።

ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት፡ ካብ ሓሙሽተ ዝወለዳ ደቂ ኣንስትዮ ሓንቲ ጸገም ጥዕና ኣእምሮ - ብቐንዱ ጭንቀት ከምዘጋጥማ ውድብ ጥዕና ዓለም ይሕብር።
ለውጢ ሆርሞናት ኣብ እዋን ጥንስን ድሕሪን ሕርሲን ንጥዕና ኣእምሮ ክጸልዎ ይኽእል፤ ከምኡ'ውን ከም ስንባደ ዝመልኦ ሕርሲ፡ ድኽነት ወይ ሓዘን ዝኣመሰሉ ጸቕጥታት ክጸልዉ ይኽእሉ።
ኑር ንበይና ን9 ኣዋርሕ ተሳቕያ። "ዝተረድኣኒ ሰብ የለን፣ ሓበሬታ ዝህበኒ ሰብ ኣይነበረን" ትብል። "ምስ ሓወኹ... እቲ ዘይነበረኒ ደገፍ ክህብ ፈቲነ፡" ኢላ።
ማዘርሆፕ ኢንዶነዥያ ሕጂ 200 ዝሰልጠኑ ወለንተኛታት ዘለውዎ ኰይኖም፡ ንኣቦታት ዝወሃብ ደገፋትን ንቕሓትን መደባትን የካይድ። 58 ሽሕ ዝሓቘፈ ማሕበረሰብ ፌስቡክ ድማ ሃኒጹ ኣሎ።
ናድያ፡ ድሕሪ ምውላዳ ድሕሪ ሕርሲ ዝፍጠር ጭንቀት ኣጋጢምዋ፣ ታሪኻ ከተዘንቱ እንከላ፡"እቲ ቃንዛ ነዊሑ። ክድቅስ ኣይከኣልኩን ክሳብ ክንድዚ ሕማቕ እዩ ነይሩ፡ ክበልዕ ኣይደለኹን" ትብል።
"ብዘይ ንጹር ምኽንያት ክትበኪ ወይ ክትረበሽ ጥራይ እየ ዝርእያ ነይረ" ይብል በዓል ቤታ ራክያን፤ "እንታይ ከም ዝገብር ኣይፈልጥን'የ ነይረ።"
ኣብቲ መደባት ክሳተፍ ምስጀመረ ግን ከመይ ገይሩ ክሕግዛ ከምዘለዎ ከም ዝተማህረ ይዛረብ። ጽሬት፡ ዳይፐር ምቕያርን ክንክን ቈልዑን ከምዝተምሃረ'ዩ ዝዛረብ።
"ሕጂ በዓልቲ ቤተይ እንተበኽያ ወይ እንተደኺማ እንታይ ክገብር ከም ዘለኒ ዝሓሸ ሓሳብ ኣለኒ፡" ይብል።

ናድያ መድሃኒትን ምኽርን ስለዝረኸበት፡ ካልኦት ኣደታት ምሕዋይ ከምዝከኣል ክፈልጣ ትደሊ።
ጓል እዞም ሰብ ሓዳር ሕጂ ሓሙሽተ ዓመታ ክኸውን እንከሎ ካልኣይ ውላዶም ወዲ ድማ ወዲ ሰለስተ ዓመት ኰይኑ'ሎ።
ቢቢሲ ካብ ሰለስተ ሃገራት ብዛዕባ ጥዕና ኣእምሮ ኣደታት ዝድግፍ ትካል ከምዘሎ ዝሰምዐ ኰይኑ መብዛሕትኡ ግዜ ብናይ ገዛእ ርእሶም ተመኵሮ ዝድረኹ ውልቀሰባት ዝጅመር እዩ።
ኣብ ውድብ ጥዕና ዓለም ክኢላ ጥዕና ኣእምሮ ዶክተር ኒርጃ ቾውዳሪ፡ ተመኵሮ ደቂ ሰባት "ርእሰ ተኣማንነት" ከምዘዕብዮ ትዛረብ። እዚ ድማ ደገፍቲ መዛኑኦም ደገፍ ጥዕና ኣእምሮ ኣብ ምቕራብ ውጽኢታዊ ይገብሮም።
ኣብ ማሕበረሰብ ዝተመርኮሰ ትሑት ወጻኢታት ዝሓትት ምትእትታው ኣብ ትሑትን ማእከላይን እቶት ዘለወን ሃገራት ጥዕና ኣእምሮ ኣደታት ብዓቢኡ ከመሓይሽ ከምዝኽእል ትዛረብ። እኹል ስልጠናን ክትትልን ናይ መዛኑ ደገፍ ግን "ኣገዳሲ" ምዃኑ ትውስኽ።
ኣብ ዚምባብወ ልዕሊ 8000 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ኣንጂ ምኮሮንጎ እውን ብናይ ገዛእ ርእሳ ናይ ኣእምሮ ጥዕና ቃልሲ ክትዋሳእ ተደሪኻ እያ።
ቅድሚ 27 ዓመት ሓራስ ኣብ ዝነበረትሉ ግዜ ንነብሳ ብሓሳባት ተዋሒጣ ከምዝነበረት ትዝክር።
"'ብመተርኣስ ጸቒጠ ንውላደይ እንተቐትልኩዋ'ኸ?' "ካልእ ግዜ ድማ፡ ዝገብሮ ዘይብለይ ካራ ሒዘ ኣብ ክሽነ ደው እብል ነይረ" ክትብል ነቲ ኵነታት ትዝክሮ።

ድሒራ፡ ኣብ እዋን ጥንሲ ወይ ድሕሪ ሕርሲ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ብዘጋጥም ናይ ጭንቀት ሕማም ፐሪናታል ኦብሰሲቭ ኮምፑልሲቭ ዲስኦርደር (POCD) ከም እትሳቐ ፈሊጣ።
ንስድራ ቤታ ምስጢራ ክትነግር ስለ ዝፈርሐት፡ ካብ መራሕቲ ሃይማኖት ምኽሪ ደልያ'ኳ እንተኸደት፡ ሓሳባታ ከም ሓጢኣት ስለ ዝረኣይዎ፡ ተስፋ ምቝራጽን ብሕታውነትን ከም ዝስምዓን ትዛረብ።
ጓላ ኣብ ዕድመ ንእስነት ከላ፡ ኣንጂ ብናይ ድሕረ ሕርሲ ጭንቀት ከም እትሳቐ ስለዝተረጋገጸ መድሃኒት ተኣዚዙላ።ንሳ "ዳግማይ ዝተወልድኩ ኰይኑ ተሰሚዑኒ" ትብል።
ቀጺላ፡ 'ኦሲዲ ትራስት' ዝበሃል ትካል ኣቝማ። ኣብዚ እዋን ብማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ብናይ ራድዮ መደባትን ዓውደ መጽናዕትታትን ንቕሓት ብምዕባይ፡ ገዛ ስድራቤታ ናብ ማእከል ደገፍ ቀይራቶ ኣላ።
ክኢላ ስነ-ኣእምሮ ታፋድዝዋ ሙጋዛምቢ-መኪ፡ ኣብ ዚምባብወ ኣብ ደገፍ ጥዕና ኣእምሮ ኣብ እዋን ሕርሲ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ "ዓቢ ክፍተት" ከምዘሎ ትገልጽ።
ሰለስተ ቈልዑ ኣለውዋ፣ እንተዀነ ጥንሲ ይኸዳ ስለዝነበረ ብIVF ክትጠንስ እንከላ ጸገም ኣጋጢምዋ።
ኣብታ ሃገር ጥዕና ኣእምሮ ካልእ ጽዋታትን ትርጕምን ይወሃቦ ምንባሩ ስለዝተረድአት ንሳልት ኣፍሪቃ ከም ዘቘመት ትዛረብ።
ስማ "ኵሉ ግዜ ዝሰምዓካ ሰብ" ዝብል ትርጉም ዘለዎ ኰይኑ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ሃራረ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ወሊድ ምቡያ ነሃንዳ ትሰርሕ።
ክኢላታት፡ ደቂ ኣንስትዮ ብዛዕባ ጥዕና ኣእምሮ ብኣጋኡ - ኣብ እዋን ጥንሲ ምምሃር ኣገዳሲ ምዃኑ'ውን ይዛረቡ። እዚ ድማ ኣብ ጋምብያ እዩ።

ድሙቕ ሕብሪ ዘለዎ ክዳን ዝተኸድና ጕጅለ ደቀንስትዮ ኣእዳወን እናጣቕዓ ብህርመት ከበሮ ይወዛወዛ።
ሓንቲ እናደረፈት ካልኦት ድማ ተቐቢለን ይደርፋን የጣቕዓን ኣለዋ። ገለ ነፍሰጾራት ደቂ ኣንስትዮ ድማ ክስዕስዓ ይትንስኣ።
እቲ ደርፊ ዘሐጕስ እኳ እንተዀነ፡ ብዛዕባ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ጥዕና ነፍሰጾር ኣደታት ዕቱብ መልእኽቲ ዝሓዘ እዩ።
እቲ መደብ ነዞም ሙዚቃዊ ምትእኽኻባት ተጠቒሞም ጭንቀት ንምንካይ፡ ስምዒት ንምልዓልን ንሰባት ብማሕበራዊ መንገዲ ንምትእስሳርን ዝዓለመ እዩ።
ኣካያዲ ሃገራዊ መደብ ጥዕና ኣእምሮ ጋምብያ ጃራ ማሬጋ፡ ካብ ጸገም ዝሓወያ ሕጂ ንኻልኦት ዝሕግዛን "ፈወስቲ ቃንዛ" ኰይነን ከምዝረኣያ ይገልጽ።
ካብ ዓባይ ብሪጣንያን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝመጹ ተመራመርቲ ዝተመርሐ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ኣብቲ መደባት ዝሳተፋ ነፍሰጾራት፡ ምልክታት ጭንቀት ብዓቢኡ ከም ዝነከየ ይሕብር።
ተመሳሳሊ ኣገባባት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ለሴቶን ይፍተን ኣሎ፤ እዚ ድማ ካብ ሃገራዊ ኢንስቲትዩት ምርምር ጥዕና ዓባይ ብሪጣንያ ዝረኽቦ ምወላ እዩ።
ኣብዚ እውን ከም ኣብ ኢንዶነዥያን ዚምባብወን ናይ ጸለመን ዘይምርድዳእን ጸገማት ኣሎ።
ይዅን እምበር፡ ከም በዓል ኣንጂን ኑርን ዝኣመሰላ ደቂ ኣንስትዮ፡ ናይ ገዛእ ርእሰን ዛንታ ምዝንታው ለውጢ ኣምጺኡለን እዩ።
"ዝያዳ ብዝተዛረብኩ መጠን፡ ኣብ ሕውየተይ ዝያዳ ሓይሊ ረኺበ" ትብል ኣንጂ።
ጭንቀት ወይ ተስፋ ምቝራጽ እንተ ኣጋጢሙካን ደገፍ እንተ ደሊኻን፡ ምስ በዓል ሞያ ጥዕና፡ ወይ ደገፍ ዝህብ ትካል ክትዛረብ ትኽእል ኢኻ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







